ኣብ ሞዛምቢክ ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፡ ብጃምላ ተቐቢሮም
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰሉስ ንጉሆ፡ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑ ዝተገልጹ 64 ስደተኛታት ኣብ ሞዛምቢክ ሞይቶም ተረኺቦም።
ቀብሪ ናይዞም ስደተኛታት ድማ፡ ኣብ ሞዛምቢክ ብጃምላ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ'ሎ።
እቶም ስደተኛታት ካብ ማላዊ ናብ ሞዛምቢክ ክሰግሩ ኣብ ዝተሳፈሩላ ናይ መጓዓዝያ መኪና ተዓፊኖም ከም ዝሞቱ ተገሊጹ ነይሩ።
ካልኦት 14 ሰባት ስደተኛታት ኣብታ መኪና ብህይወት ዝተረኸቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ምርመራ ሕማም ኮሮናቫይረስ ተገይሩሎም ካብቲ ሕማም ናጻ ከምዝኾኑ ሰብመዚ ሞዛምቢክ ተዛሪቦም።
ኣብ ጉዳይ እዞም ብህይወት ዝተረኸቡ ስደተኛታት፡ መንግስቲ ሞዛምቢክ ምስ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ምስ ዓለማዊ ትካል ስደተኛታትን ብምትሕባር ይሰርሑ ምህላዎም'ውን ተገሊጹ።
ምስ ምስግጋር ናይዞም ስደተኛታት ብዝተኣሳሰር፡ ክልተ ሞዛምቢካውያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
እቶም ስደተኛታት ብኸመይ ተረኺቦም?
ሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን ሞዛምቢክ ነታ መኪና ደው ምስ ኣበልዋ እዩ፡ ሞት ናይቶም ስደተኛታት ክፍለጥ ክኢሉ።
ምንጪ ስእሊ, GIANLUIGI GUERCIA
እቶም ስደተኛታት ሰኣን ኣየር ተዓፊኖም ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽአሉ ይእመን።
ዘዋሪ ናይታ መኪና ደው ክብል ክሕተት ከሎ፡ ደው ክብል ድልየት ኣይነበሮን።
ሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን ከም ዝብልዎ፡ ካብ ውሽጢ እታ መኪና ድምጺ ኣውያት ምስሰምዑ፤ ስደተኛታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ብምጥርጣሮም እዮም ነታ መኪና ደው ኣቢሎምዋ።
ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሰግሩ ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ በዛ ተቴ እትበሃል ግዝኣት ሞዛምቢክ ኣቢሎም ከም ዝሓልፉ ይግለጽ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ?
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ካብ ማላዊ ናብ ሞዛምቢክ ዝሰግሩ "ብዙሓት ሰባት" ከምዝሞቱ ምስምዑ ከምዘሕዘኖ ኣብ 24 መጋቢት ብትዊተር ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ ወሲኹ "ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ፡ ኢትዮጵያውያን ክህልዉ ከምዝኽእሉ" ብምሕባር፡ መንነት ናይቶም መወትቲ ንምፍላጥ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ምስ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post
ድሕሪኡ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘሎ ምዕባለታት ኮነ መንነት ናይቶም ዝሞቱ ስደተኛታት ዝምልከት ሓበሬታ ኣየውጸአን።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available