ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ካብ ርዋንዳ ናብ ሰላልሰይቲ ሃገር ግዒዞም
ምንጪ ስእሊ, UNHCR Rwanda
ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሩዋንዳ ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ከምዝተሰጋገሩ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ርዋንዳ ሓቢሩ።
ብመሰረት እቲ ዝወጸ መግለጺ፡ ሎሚ ከባቢ 28 ስደተኛታት ንስዊድን ከምዝኸዱን ካልኦት 5 ድማ ጽባሕ ሮቡዕ ናብ ከናዳ ከምዝኸዱን ገሊጹ።
እዚ ናይ ምስግጋር መስርሕ፡ ካልኦት ኣብ መዳጎኒ ስደተኛታት ሊብያ ተታሒዞም ዘለው ተወሰኽቲ ስደተኛታት ክወስዱ ተስፋ ዝህብ ምዃኑ'ውን እቲ ትካል ገሊጹ።
ርዋንዳ፡ ከባቢ 500 ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመጹ ቆልዑን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ሊብያ ክትቅበል ተሰማሚዓ እያ። በቲ ስምምዕ መሰረት ድማ ርዋንዳ ሰለስተ ግዜ ንሓደጋ ተቓሊዖም ዝነበሩ ስደተኛታት ከምዝተቐበለት ይዝከር።
መንግስቲ ኖርወይ'ውን ካብ መዳጎኒታት ሊብያ ወጺኦም ኣብ ሩዋንዳ ንዝጸንሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 600 ስደተኛታት ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።
እዞም ስደተኛታት፡ ናብታ ኣብ ምብራቕ ርዋንዳ እትርከብ ዞባ ቡጎሴራ ግዒዞም ኣብ ጋሾራ ዝተብሃለ መዕቖቢ ስደተኛታት'ዮም እዮም ዘለው።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post
ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ መብዛሕትኦም ካብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾኑ፡ ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ፡ ኣስታት 4,700 ስደተኛታት ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት ሊብያ ይርከቡ።
ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብ ሊብያ ተወሊዑ ዘሎ ሕድሕድ ውግእ፡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ይነብሩ ከምዘለው ይግለጽ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available