ዛምቢያ፡ ብበርቂ ዝተሃረመት ነፋሪት መጓዓዝያ ብሰላም ዘዕለበ ፓይለት ናእዳ ይቐርበሉ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Mwebantu /twitter

ንባብ: 1 ደቓይቕ

ነፋሪት መጓዓዝያ ዳሽ 8-300 ዋንነታ ፕሮፍላይት ናይ ዝበሃል ብሕቲ መገዲ ኣየር'ያ። ኣብ በረራ እናሃለወት ብበርቂ ኣብ ዝተወቐዐትሉ እዋን 41 ተጓዓዝቲ ሒዛ ነይራ።

ጉዕዞኣ ካብታ በጻሕቲ ዝበዝሑላ ከተማ ሊቪነግስተን ናብ ርእሰ ከተማ ዛምቢያ-ሉሳካ ነይሩ።

ናብታ ከተማ እናተጸገዐት ኣብ ዝነበረትሉ ሰዓት ድማ ብኸቢድ መሸምብቦ በረድን በርቅን ሓደጋ ከምዘጋጠማ ተገሊጹ።

እታ ነፋሪት ኣብ ቅድሚታ (ኣፍንጭኣ) በቲ በርቂ ሓደጋ እንተጋጠማ'ኳ ኣብራሪኣ ብሰላም፡ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኬነት ካውንዳ ከዕልባ ብምኽኣሉ ናእዳ ይቕርበሉ ኣሎ።

ማዕኸን ዜና ወባንቱ [Mwebantu] ኣብ ትዊተር ዝጠቅዖ ስእሊ ኣብታ ነፋሪት ዝበጽሐ ጉድኣት የርእይ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ዋና ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ፕሮፍላይት ዝኾነ ፊል ሌምባ፡ ኩሎም ተጓዓዝቲ ብሰላም ክኣትው ብምኽኣሎም ሓጎሱ ገሊጹ።

"41 ሰባት ዝጸዓነት ነፋሪትና፡ ናብ ከተማ ሉሳለካ እናቐረበት ምስከደት ብበርቂ ተወቒዓ" ክብል ኣብታ ሃገር ንዝሕተም ጋዜጣ ደይሊ ሜይል ተዛሪቡ።

ኣሰራርሓ ናይታ ነፋሪት ንከቢድ ሓደጋ ከይትቃላዕ ከምዝሓገዛ ዝዛረብ እቲ ሓላፊ፡ ንበርቂ ዝከላኸል ክፍሊ ከምዘለዋ ሓቢሩ።

እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ድማ ብመሸምብቦ በረድ ዝተሃረመት ነፋሪቱ ጉድኣት ከምዝበጽሓ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ከቢድ በርቂ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ እቲ ሓደጋ በቲ በርቂ ዘጋጠመ ምዃኑ ንምርግጋጽ ግን ተወሳኺ ምርመራ ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ፓይለት ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ብፍላይ ፌስቡክ ልዑል ናእዳ ይቐርበሉ ኣሎ።