ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትዊተር ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ናይጀርያ ነዊሕ እዋን ንምጽናሕ ድልየት ኣለዎ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋና ፈጻሚ ስራሕ ትዊተር ጃክ ዶርሰይ ኣብ ኢትዮጵያ ወይ ናይጀርያ ሽድሽተ ኣዋርሕ ንምጽናሕ ድልየት ከምዘለዎ ሓንቲ ዲፕሎማት እንግሊዝ ሓቢራ።
ኣብ ናይጄርያ ላይለዋይ ኮሚሽነር እንግሊዝ ካትሪዮና ሊያንግ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ፡ መስራትን ዋና ፈጻሚ ስራሕን ማሕበራዊ መራኸቢ ትዊተር ጃክ ዶርሰይ፡ ትካሉ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎ ዕዳጋ ንምዕባይ ዓሊሙ ሽድሽተ ወርሒ ክጸንሕ ትልሚ ኣለዎ ኢላ።
ኣብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት [2020] ናብ ኣፍሪቃ ብምምጻእ፡ ካብ ክልትኤን ሃገራት ኣብ ሓዲአን ንምጽናሕ ከምዝሓሰበ'ውን ገሊጻ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 1
ካብዘን ክልተ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ኣብ ሓዲአን ሽድሽተ ወርሒ ንምጽናሕ ዝመረጸሉ ምኽንያት ከኣ ኣብታ ኣህጉር ብዘለወን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ቅድሚት ዝስርዓ ብምዃነን'ዩ።
ጃክ ዶርሰይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት እናገበረ ኮይኑ፡ ብሚንስትር ፋይናንስ ነበርን ኣብዚ ሕዚ ኣባል ቦርድ ትዊተርን ጎዚ ኦኮንጆ ትማሊ ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዝተገበረሉ እንግዶት ድራር'ዩ ነዚ ዘፍለጠ።
ንሱ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጋና ይርከብ። ካብ ሩዝ ዝዳለው ፍሉጥ መግቢ ጋናውያን ድማ ኣብ ትዊተሩ ጠቂዑ'ሎ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 2
ኣብዚ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ዑደት ኣፍሪቃ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢትዯጵያን'ውን ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available