ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ሓያል ኵናት ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ሜክሲኮ ኣብ ሞንጎ ኣካላት ጸጥታ መንግስትን 'ሲናሎ' ዝተባሃሉ ጉጅለ ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስን ብርቱዕ ኵናት ጀሚሩ።
እዚ ኵናት ኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ ዝተብሃለ መራሒ ጉጅለ 'ሲናሎ' ብፖሊስ ምስ ተታሓዘ እዩ ጀሚሩ።
ኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ፡ ወዱ ንፍሊጥ መራሒ ጉጅለ ኣዛዋዋሪ ዕጸ ፋርስ ኢል ቻፖ ጉዝማን ኮይኑ፡ ኢል ቻፖ ብፖሊስ ሜክሲኮ ምስ ተታሓዘ ኣብ ኣመሪካ ንሕልፈት ተፈሪዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ እዩ።
ወዲ 62 ዓመት ኢል ቻፖ ጉዝማን፡ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ፍርዲ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ብምስግጋር ዕጸፍርስን ዘይሕጋዊ ገንዘብን ዝርከቦም 10 ክስታት ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኸበ'ዩ ንሕልፈት ተፈሪዱ።
ኢል ቻፖ ጉዝማን፡ ኣብ 2015 ካብቲ ኣብ ሜክሲኮ ተኣሲርሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ብትሕቲ መሬት ፍሒሩ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምህዳሙ፡ ኣብ 2017 ዳግማይ ተታሒዙ እዩ ናብ ኣሜሪካ ተረኪቡ።
እዚ ኣብ ሜክሲኮ ብፖሊስ ዝተታሓዘ ኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ፡ እቲ ቀንዲ ናብ ኣሜሪካ ዕጸፋርስ ዘሰጋግር ምዃኑ'ዮም ሰብ መዚ ዝሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፖሊስ ንኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ ፈተሻ እናገበሩ እንከለዉ ኣብ ሓደ ገዛ ከም ዝረኸብዎ'ዮም ዝሕብሩ።
ኣባለቱ ድማ ንኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ ካብ ኢድ ፖሊስ ንምንጋፍ ብርቱዕ ኵናት ከም ዝኸፈቱ ተፈሊጡ።
ኣብ 20ታት ዝርከብ ኦቫድዮ ጉዝማን ሎፐዝ ኣብኡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወ፡ ነቲ ጉጅለ ኣብ ምምራሕ ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ'ዩ ዝሕብር።
ብምኽንያት ምዝውዋር ዕጸ ፋርስ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ክህደን ከም ዝጸንሐ'ውን ማዕከናት ዜና ሜክሲኮ ገሊጸን።
ክሳብ ሕጂ፡ በቲ ኣብ ሞንጎ ኣካላት ጸጥታ ሜክሲኮን 'ሲናሎ' ዝተባሃሉ ጉጅለ ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስን ዘካይድዎ ዘለዉ ኵናት፡ ቁጽሪ ምውታት እኳ እንተዘይተፈለጠ፡ ማዕከናት ዜና ግን ኣስእል ናይ ብዙሓት ዝሞቱ ሰባት የርእያ ነይረን።










![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


