ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንሃገረ ሱዳን ካብ ኣባልነቱ ኣጊዱ
ምንጪ ስእሊ, African Union Peace/Twitter
ሱዳን ኣብ ኩሎም ንጥፈታት ሕብረት ኣፍሪቃ ከይትሳተፍ ቤት ምኽሪ ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ውሳነ ከም ዘሕለፈ ብመገዲ ትዊተር ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳነ ብህጹጽ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኮይኑ፡ መሰጋገሪ ወታሃደራዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ስልጣን ንሲቪላዊ መንግስቲ ክሳብ ዘረክብ ክጸንሕ ምዃኑ'ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።
"ሱዳን ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላዉ ክትወጽእ ዘኽእላ እንኮ መንገዲ" ምዃኑ ምእማን ነቲ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ገሊጹ።
እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ'ዩ ነቲ ውሳነ ኣሕሊፉ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ'ውን፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ስልጣኑ ንሲቪላዊ መንግስቲ ከረክብ ኣተሓሳሲቡ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ቀጽሪ ናይቶም ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ዝተወልዐ ግጭት ዝሞቱ ሰባት 61 ሰበስልጣን እታ ሃገር ሓቢሮም።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post
ይኹን 'ምበር፡ ተቓወምቲ ወገናት ከም ዝብልዎ፡ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ልዕሊ 100 ከም ዝቐተሉ ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ 40 ሬሳታት ኣብቲ ብምእከል እታ ከተማ ዝሓልፍ ፈለግ ኒል ከም ዝረኸቡ ተዛሪቦም።
መንግስቲ ኤርትራ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ሓጺር መግለጺ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ንጉዳይ ሱዳን የጋድዶ ከም ዘሎ ብምንቃፍ፡ "ኣእዳውኩም ኣርንቡ" ክብል ጸዊዑ ነይሩ።
ኣብ መንጎ'ቲ ወታሃደራዊ ቤት ምኽርን፡ ተቓውምቲ ወገናት ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ፡ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ቅልውላዉ ተሸሚማ ትርከብ።
ሓያሎ ምዕራባውያን ሃገራት'ውን ንቅትለት ናይቶም ተቓውምኦም ዘስምዑ ዘለዉ ዜጋታት ሱዳን ኮኒንን ኣለዋ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available