ሕቡራት ሃገራት፡ ኩነታት ሞዛምቢክ 'ዝኸፍአ ኮይኑ' ይብል
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሞዛምቢክ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ብከቢድ ህቦብላ ትጠዕቃዕ ኣላ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ወሃቢ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝበሎ ድማ፡ እቲ ኩነታት 'ካብ ዝተሓሰበ ንላዕሊ ዝኸፍአ'ዩ' ክብል ገሊጹዎ።
ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ኣብ ሰዓት 220 ኪሎ ሜትሮ ዝሕምበብ ብርቱዕ ህቦብላ፡ ሞዛምቢክ ኣጥቂዑዋ'ዩ።
እቲ ህቦብላ ዘስዓቦ ሓያል ዝናብ ይቕጽል ብምህላዩ፡ ድማ 700 ሽሕ ዝጽግዑ ሰባት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይርከቡ።
ፔምባ ዝተብሃለት ከባቢ፡ ልዕሊ 2 ሜትሮ ዝናብን ውሑጅን ኣተኣናጊዳ'ያ። ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ሃገራት ሳቪኖ ኣቤሩ፡ ኣብ ከተማታት ማኮሚያን ኲሳንጋን ዝኸፍአ ምኻኑ ሓቢሩ።
4 ሜትሮ ዝኸውን ማዕበል ክኽሰትን ሓያል ዝናብ ክመጽእን ከም ዝኽእል ድማ፡ ኤጀንሲታት ሓገዝ ገሊጾም።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post
"ኣብቶም ዝቕጽሉ ኣርባዕተ መዓልታት ከቢድ ዝናብ ክህሉ'ዩ ዝብል ትንበያ ሜትሮሎጂ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ጭንቂ ኢና ዘለና" ኢላ ወሃቢት ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዲቦራ ንጉየን።
ንሳ ንኤኤፍፒ፡ "ህቦብላ ኢዳይ ካብ ዘስዓቦ ዝናብ ክልተ ዕጽፊ ክህሉ'ዩ ኢልና ትጽቢት ንገብር" ኢላ።
ህቦብላ ኢዳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ልዕሊ 900 ሰባት ኣብ ሰለስተ ሃገራት ዝቐተለ ብርቱዕ ህቦብላ'ዩ።
ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available