ኣብ መውዓሊ ህጻናት ቻይና ብዝበጽሐ መጥቃዕቲ ካራ መጉዳእቲ ወሪዱ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ቻይና ቤት ትምህርቲ ቾንግኪንግ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካራ ብውሑዱ 14 ቆልዑ ተጎዲኦም።
እቲ መጥቃዕቲ ዝወረደ፡ ሎሚ ንጉሆ እቶም ቆልዑ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤት ትምህርቲ እናተጻወቱ እንከለው፡ 39 ዓመት ዝእድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ካራ ሒዛ ምብእታዋ እዩ ክብል ፖሊስ እቲ ከባቢ ሓቢሩ።
ምኽንያት እቲ ወንጀል'ኳ ብዕሊ እንተዘይተፈለጠ፡ እታ ገለ ሰብ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቻይና ንዝነበራ ቅርሕንቲ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ምዃኑ እቲ ካብ ገለ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
እታ ነዚ ገበን ዝፈጸመት ውልቀ ሰብ ሊው ብዝብል ስም ኣቦ እትጽዋዕ ኮይና፡ ብኡ ንብኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒላ።
ነቲ "ክልተ ቆልዑ ሞይቶም" ዝብል ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታት ወረ፡ ሓሶት'ዩ ብምባል ፖሊስ እቲ ከባቢ ክነጽግዎ እነከለው፤ ሰባት ነዚ ወረ ከይኣምኑ ድማ ተማሕጺኖም።
ካብዚ ቀረባ ዓመታት ንድሓር ቻይና፡ ኣብ ቤትምህርታትን መውዓሊ ህጻናትን ተደጋጋሚ ናይ ካራ ምቕታል ወንጀላት ዝረኣላ ሃገር እናኾነት ትመጽእ ኣላ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available
{{rankTranslation}}