ጀርመን፡ ኣብ ልዕሊ እኩብ ህዝቢ ዝወደቐት ነፋሪት ህይወት ሰለስተ ሰባት ኣጥፊኣ
ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ጀርመን ዝተሓምሸሸት ንኢሽተይ ነፋሪት ህይወት ክልተ ደቀኣንስትዯን ሓደ ህፃንን ኣጥፊኣ።
እታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ እኩብ ህዝቢ'ያ ወዲቓ
ኣብታ ነፋሪት ንዝነበሩ ኣርባዕተ ሰባት ሓዊሱ፡ ሓሙሽተ ሰባት ምቑሳሎም ፖሊስ ሓቢሩ።
በቲ ሓደጋ ምሕምሻሽ ናይ ዝሞቱ ሰባት መንነት ንምፍላይ ይሰርሕ ከም ዘሎ ዘፍለጠ ፖሊስ፡ ሓደ ወዲ 10 ዓመት እውን ከምዘሎ ገሊፁ።
ወዲ 56 ዓመት ፓይለት እታ ነፋሪት ምስ ሰለስተ ተሳፈርቲ ናብ ሆስፒታል ተወሲዶም ኣለዉ።
በቲ ዕለት ዝነበረ ኩነታት ኣየር ፅቡቕ'ኳ እንተነበረ፡ ፖሊስ መንቀሊ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ ምፅራይ ይገብር ኣሎ።
እታ ነፋሪት ብብሕቲ እትውነን እያ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available
{{rankTranslation}}