ስዊድን፡ ጓል 8 ዓመት ህጻን 1500 ዓመታት ዝገበረ ጉራዴ ኣብ ቀላይ ረኺባ

እቲ ጌራዴ ልክዕ ካብ ቀላይ ምስ ወጸ ዝተወሰደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Jönköpings Läns Museum

ጓል 8 ዓመት ስዊድናዊት ህጻን፡ ናይ ዘመነ ቅድመ-ቪኪነግ ዘገልግል ዝነበረ ጉራዴ ኣብ ሓደ ናይ ስዊድን ቀላይ ረኺባ።

እታ ሳጋ ቫነሰክ ዝተብሃለት ህጻን ነዚ ጉራዴ ኣብ ቮደስተርን ዝብሃል ቀላይ እያ ረኺባቶ።

እቲ ጉራዴ 1000 ዓመት ዝገበረ'ዩ ዝኸውን ተባሂሉ እኳ ተገሚቱ እንተ ነበረ፡ ክኢላታት ቤተ መዘክር ግን ኣስታት 1500 ዓመታት ዕድመ ከምዘለዎ ከረጋግጹ ክኢሎም።

ሳጋ ቬነሰክ ነዚ ጉራዴ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን እቲ ቀላይ ውሑድ ማይ ስለዝነበሮ፡ ነቲ ጉራዴ ንክትርእዮ ከምዝሓገዛ ይግመት።

ሳጋ ቬነሰክ ንሬድዮ ስቨርጀስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ "ምስ ረገጽክዎ ገለ ነገር ተሰሚዑኒ፡ ካብኡ ኣልዒለዮ፡ ሽዑ ንኣቦይ ጉራዴ ዝመስል ነገር ረኺበ ኢለ ከርእዮ ከይደ" ኢላ።

ኣቦኣ ንሳጋ ቬነሰክ ኣንዲ ቬነሰክ ብወገኑ፡ ጓሉ በትሪ ወይ እውን ገለ ጨንፈር ናይ ገረብ ዝረኸበት ከምዝመሰሎ ድሕሪ ምዝራብ፡ ብኢዱ ምስ ሓዞን ኣቶኪሩ ምስ ጠመቶን ንኣዕርክቱ ሓቲቱ ጥንታዊ ንብረት ምኳኑ ከምዝተረደኦ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቤተ መዘክር እቲ ከባቢ ነቲ ጉራዴ ተረኪቡ ዓቂብዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብ ስዊድን ዝረከብ ቀላይ ቮደስተርን ካልእ ተወሳኺ ጥንታዊ ንብረት እንተተረኸበ ዳህሳስ ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Jönköpings Läns Museum

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ስዊድን ዝረከብ ቀላይ ቮደስተርን ካልእ ተወሳኺ ጥንታዊ ንብረት እንተተረኸበ ዳህሳስ ይካየድ ኣሎ

ሳጋ ቬነሰክ ነዚ ጉራዴ ድሕሪ ምርካባ፡ ካልእ ጥንታዊ ንብረት እንተተረኸብ፡ ኣብ ቀላይ ቮደስተርን ብዝተገበረ ዳህሳስ ኣብ ሳልሳይ ክፍለ ዘመን ዘገልግል ዝነበረ፡ ወለባ ክዳን (ኣስቢሎ) ክርከብ ምኽኣሉ ተሓቢሩ።

ናይቲ ዞባ ቤተመዝክር ዳህሳስ ምክያዱ ከምዝቕጽልን፡ ተወሳኺ ጥንታዊ ንብረት ክረኽቡ ትስፉዋት ምዃኖምን ገሊጾም።