መቐለ-ትግራይ፡ ኣከባብራ በዓል ኣሸንዳ ብስእሊ

መግለጺ ስእሊ, ጉድእቲ ኣካል ኣብ በዓል ኣሸንዳ ሃይማኖት ወ/ስላሴ፡ ኣሸንዳ ኣብ ሞተር ሳይክል ኾይና ኣኽቢራ
መግለጺ ስእሊ, በዓል ኣሸንዳ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሰቆጣ ሻደይ እናተብሃለ ዝኽበር እንትኾን፡ ሎሚ'ዉን ተኸቢሩ ዉዒሉ
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ በብዓመቱ 16 ነሓሰ ኣዋልድ ዘኽብረኦ ፍሉይ በዓል ጎራዙ'ዩ
መግለጺ ስእሊ, በዓል ኣሸንዳ እዚ ዓመት፡ ኣብ ባሎኒ መጻወቲ ከዕሶ ዝተኸበረ እንትኾን፡ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን'ዉን ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር'ዩ
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ ንምኽባር እትወጽእ ጓል ኣንስተይቲ፡ ማርዳ፣ ሕንቆ መስቀልን ካልእን ዝበሉ መጋየጺታት ትጥቀም
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ ዝብላ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ጉዕዘን ንዝረኸብኦ ሰብኣይ "ሓዛለይ፡ ሓዛለይ ከይትሰዳለይ" ይብለኦ
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ እትብል ጓል ኣንስተይቲ፡ ካብ ኩሕሊ፣ ጠስምን መስቀልን ወጻእ ካልእ ዘመናዊ መመላኽዒ ክትጥቀም ኣይመዓድን
መግለጺ ስእሊ, ደቂ ተባዕትዮ፡ ሓጺር ስረ ተዓጢቖም፡ በትሪ ሒዞም፡ ቖልዑ ንኣሸንዳ ዝኾነ ዓይነት ጸገም ከይበጽሐን እግሪ እግረን እናስዓቡ ይሕልዉ
መግለጺ ስእሊ, ኣሸንዳ፡ ኣዉራ ደቂ ኣንስትዮ ዝደምቃሉ፣ ጽባቕአን ጎሊሑ ዝወጽአሉ ፍሉይ በዓል'ዩ
መግለጺ ስእሊ, በዓል ኣሸንዳ ዘኽብራ ቖልዑ ኣሸንዳ ኮንጎ ጫማን ዓለባ ዓድን እየን ዝገብራ