ቅነ ኣፍሪቃ ብስእሊ፡ 20-26 ሓምለ 2018

ካብ ኣፍሪቃን ካልኦት ክፍላተ ዓለማትን ዝተሓዩ ኣፍሪቃዉያን ስእሊታት እዚ ሰሙን እነሆ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሰሉስ፡ ካብ ርእሰ ከተማ ቱኒዝያ፡ ቱኒዝ 15 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከባቢ ጀሪካናት ማይ ኣብ ዝተጽዓነ ኣድጊ ዝተሰቐለት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማሊ ከተማ ባማኮ ኣብ መገዲ ዕዳጋ ዝገብራ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ደገፍቲ ፕረዚደንት ማሊ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዉ ማላዉያን ኣብ መረጻ ክሳተፉ ጸሎት ኣብጺሖም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዓርቢ፡ በዓል ሞኣያ ስነ ልቦና ኣቤል ካፖዶጎ፡ ኣብ ዙምባብዌ ጎደና ሮበርት ሙጋበ፡ ናይ መመረቂ ክዳን ተኸዲኑ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ሰፊሕ ጸገም ስእነት ስራሕ በነና ብምሻጥ ተቃዉምኡ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ሮቡዕ፡ ጎግል ናይ ህዝቢ ናጻ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ኣብ ናይጀርያ ሌጎስ ኸፊቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ደራሲ መጽሓፍ ወዲ 16 ዓመት ቆልዓ ብኹርዓት መጽሓፉ ሒዙ ናብቲ ዓርሳ ሃገር ኢላ ኣብ ዝኣወጀት ሪፐብሊክ ሶማሊ ላንድ ዝተዳለወ መሸጣ መጽሓፍ መጺኡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ገምገም ባሕሪ ባጽዕ፡ ዝጻወቱ ህጻናት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሓደ ሰብኣይ ኣረጊት ግን ድማ ግቡእ ጽገና ዝተገበረላ መኪና እናዘወረ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብዙሓት፡ ኣፓርታይድ ብምቅላስ ዝፍለጥ ኔልሰን ማንዴላ ካብ ቤት መእሰርቲ ወጺኡ ፈላማይ መደረ እንከስምዕ ኣብ ዝተቐረጸ ሓወልቲ ስእሊ ይሰኣሉ ነይሮም

ስእሊ ካብ፡ ኤኤፍፒ፣ ኢፒኤ፣ ጌቲ ኢሜጅን ሮይተርስን