100 መዓልታት ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL/TWITTER

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዉሽጢ 100 መዓልታት ናብ ዝተፈላለያ ከተማታት፣ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ዓረብን ብምዝዉዋር ብርክት ዝበሉ ዉሳነታት ግብራዊ ክኾኑ ገይሩ'ዩ። ዝሓለፈ ሰንበት ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈላማ እዋን ናብ ከተማ ኣስመራ ብምኻድ ኣብ ዉሽጢ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዝፈጠሮ ስምዒትን ተስፋ ሰላም ምጽራሕ ይከኣል።