ኣፍሪቃ ኣብዚ ሰሙን ብስእሊ ከመይ ቐንያ? 29 ሰነ ክሳብ 5 ሓምለ 2018

ካብ ኣፍሪቃን ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ዓለማትን ዝተሓረዩ ዉቁባት ስእሊታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሞዴል ኣብ ድሕሪ መጋረጃ ንምርኢት መድረኽ ፋሽን "ደርባን ጁላይ" እናተዳለወት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ብመሰረት ናይዚ ዓመት ቴማ "እዋኑ ሕጂ'ዩ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሰብ ሞያ ቅዲ ኽዳን ዘዳለዉዎ ፋሽን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ "ኣካል እቲ ሌጋሲ ኹን" ብዝብል ኔልሰን ማንዴላ ንምዝካር ቅርጺ ኣቀማቕማ ጸጉሪ ማንዴላ ዝቕምቐም መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Mathias Wasik

መግለጺ ስእሊ, እዘን ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዓሌት ቱርካ እንትኾና፡ ኣብ ደቡብ ምብራቓዊት ከተማ ኬንያ ሎያንጋላኒ ኣብ ዝነበረ ፌስቲቫል እናተሳተፋ

ምንጪ ስእሊ, Mathias Wasik

መግለጺ ስእሊ, እዛ ጓል ኣንስተይቲ ተመሳሳሊ ጾታ ንምድኻም ዝግበር ቃልሲ ክብርትዕ ትሓትት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፍሉጥ ካሜሮንኣዊ ተጻዋቲ ሳክስፎን ማኑ ዲባንጎ ኣብ ሙዚቃ ዝጸንሐሎም 60 ዓመታት ኣብ ኣይቬሪኮስት ምርኢት ሙዚቃ ብምቕራብ ኣኽቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ኣብ ፍሉጥ ቤት ምዝንጋዕ ናይጀሪያ ኣፍሪካ ሽሪን ምስ ኣርቲስታት "ሰልፊ" ተላዒሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ኤዉሮጳ፡ ኡጋንዳዊ-ፈረንሳዊ ካሻምባ፡ ኣብ ደገ ኣፌት ዝተገለለ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ስፔን፡ ባርሴሎና ጠጠዉ ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ላይቤሪያ ሞንሮቪያ፡ መርዑት ሳንዶ ብሮዉኔልን ኔስተር ሳየን ናይ መርዓ ኬክ እናተኾላለሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ማሊ ባማኮ፡ ካብ ዓሌት ፍሉኒ ዝመጽአ ህጻን ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳን ዘጋጥም ጎንጺ ጠጠዉ ከብል ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተሳተፈ ህጻን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መላለዪ ሸርፊ ወጻኢ ብዝተጠቅዐሉ ቤት ጽሕፈት ትሓልፍ ዝነበረት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ግብጺ፡ ካይሮ

ስእሊታት ካብ፡ ማቲያስ ዋሲክ፣ ኤኤፍፒ፣ ኢፒእ፣ ጌቲ ኢሜጅን ሮይተርስን