ሕሩያት ስእሊታት ኣፍሪቃ እዚ ሰሙን፡ 15-21 ሰነ 2018

ሕሩያት ስእሊታት ኣፍሪቃዉያን፡ ካብ ኣፍሪቃን ካልኦት ክፍለ ዓለማትን።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእስ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ሳዕሳዓይ ካብ ዓሌት ቱርካና ኣብ ሰመያዊ መብራህቲ ካይኑ ምርኢት ከርኢ እንከሎ ሰነ 20 2018

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዓሌት ሳምቡሩ ሓዊስካ ብሓፈሻ 14 ማሕበራዊ ጉጅለታት ኣብቲ ጽንብል ተሳቲፎም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣል-ሞሎ ካብቶም ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ቋንቋታት ሓደ ኣብቲ ባህላዊ ፈስቲቫል ዝተኻየደ ምርኢት ተሳቲፎም።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሳዕሳዓይ ካብ ዓሌት ረንዲለ ኣብቲ ኣብ ርእስ ከተማ ናይሮቢ ዝተኻየደ ባህላዊ ፈስቲቫል ምርኢት ከርኢ እንከሎ ሰነ 20 2018።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ካብ ናሓሲ ዝተሰርሐ መስሊ ኣብ ኢዶ ክፍለ ሃገር ናይጀርያ ንመሸጣ ኣብ ቅድሚ ድኳን ተዝርጊሑ እንከሎ ሰነ, 20, 2018።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብሩንዳውያን ኣብ መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ማላዊ ምርኢት ከርእዩ እንከለው።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሱዳናውያንን ሶማልያውያን ቆልዑት መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ ዳማስቆ ርእስ ከተማ ሶርያ ክሳተፉ እንከለው

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዩጋንዳውያን ሳዕሳዕቲ ብቻናውያን ዝተመወለ ጽርግያ ንርእስ ከተማ ካምፓላ ምስ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኤንተበ ዘራኽብ መመረቕታ ከስዕስዑ እንከለው ሰነ 15 2018

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረስደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ ቆብዕ ዘለዎ ጃካት ኣብ ርእሱ መሊሱ ምልላይ ገበነኛት ኣጸጋሚ ምኳኑ ከብርህ እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ጋና ሱሊ ሙንታሪ፡ ኣብ ጽንብል መዓልቲ ዒድ ስእሊ ምስ ደገፍቲ ክወስድ እንከሎ ሰነ 15 2018

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ወንጫ ዓለም ናይጀርያዊ ተጻወታይ ከለቺ ኣካለዊ ምንቅሰዕቃስ እናገበረ እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ካሜሩናዊ ደጋፊ ኩዕሶ እግሪ ንተሳፈርቲ ባቡር ከጻውት እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ናይጀርያዊ ደጋፊ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ዓከምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሞስኮ ናይ መገሻ ነፋሪት ክጽበ እንከሎ ሰነ 17 2018

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ሰኔጋላውያን ደገፍቲ ምዕዋት ጋንትኦም 2-1 ኣብ ልዕሊ ፖላንድ ኣብ ሞስኮ ከብዕሉ እንከለው።

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ህዝቢ ኣብ ደርባን ዝተካየደ መዓልቲ ዮጋ ከሳተፉ እንከለው ሰነ 21 2018

ምንጪ ስእልታትና ኤኤፍፒ፣ ጌቲ ኢሜጂን ሮይተርስን