"በዓል ቤተይ ፊስቱላ ምስ ሓመምኩ ጠሊሙኒ"

ፊስቱላ ንቡር ዘይኮነ ኣብ መንጎ ክልተ ኣካላት ዝፍጠር ነዃል ማለት እዩ:: እዚ ድማ ኣብ ኩሉ ሰብ ከጋጥም ይኽእል:: ኣብ ደቂ- ተባዕትዮ፣ ደቂ-ኣንስትዮን ህፃውንትን ይረአ::

ኣብ ከተማ መቐለ ዝተጣየሸ ሃምሊን ማእኸል ሕክምና ፊስቱላ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ንዘጋጥም ፊስቱላ ይሕክም::

ነቲ ማእኸል ዝመርሕዎ ላዕለዋይ ሓኪም ማህፀንን ጥንስን ዶክተር መልኣኩ ኣብርሃ ይበሃሉ::

"ፊስቱላ ካብ ኣፈጣጥራ ወይ ድማ ብሰንኪ ከበድቲ ረኽሲ: ሓደጋታትን ሕማም ካንሰርን ይስዕብ:: እቶም ሓደጋታት ክልተ ዓይነት እዮም:: ምስ ሕርሲን ምስ ኣገዲድካ ምድፋርን ይተሓሓዝ:: ኣብ እዋን መጥባሕቲ እውን ሓደጋ ክፍጠር ይኽእል" ይብሉ::

ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣብ ተመሳሳሊ ብርኪ ዕብየት ኣብ ዝርከባ ሃገራት 97 ኢድ ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ብሰንኪ ዝተናወሐ ኣፀጋሚ ሕርሲ ብፊስቱላ ይህሰያ::

እዚ ድማ ምክልኻል ከምዝከኣል ዶክተር መልኣኩ ይገልፁ::

እዚ ኣብ መቐለ ዝርከብ ሃምሊን ማእኸል ሕክምና ፊስቱላ ብኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ብ2006 ዓ.ም ካብ ባህርዳር ቀፂሉ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኣብ መበል ካልኣይ ዝተጣየሸ ትካል እዩ:: እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ 50 ዓመት ኣቑፂሩ'ሎ።

ሃምሊን ማእኸል ሕክምና ፊስቱላ መቐለ ካብ ዝጣየሽ ን 2500 ግዳያት ፊስቱላን ን 385 ሕሙማት ምልቆ ማህፀንን ብናፃ ከምዝሓከመ ፀብፃብ ዶክተር መልኣኩ ይነግር።

ሓንቲ ካብተን ግዳያት ወ/ሮ ፀሃይነሽ ንትሻዓተ ዓመታት ምሉእ በቲ ሕማም ተሳቕያ።

ኣብታ ትነብረላ ከተማ ሸራሮ ሕማም ሕርሲ ምስ ተታሓዘት ንሕክምና ናብ ሽረ ምስ ከደት ኣብ እዋን ሕርሲ ብሰንኪ ዝተፈጥረ ፀገም ግዳይ ፊስቱላ ከምዝኾነት ትዛረብ::

"ተሓኪመ ምስ ሓወኹ ብዘይ ውላድ ከይተርፍ ይፅዕር ኣለኹ:: ንሳልሳይ ግዜ ድማ ጠኒሰ ኣለኹ" በለት።

"ሎሚ ደሓን እዩ:: ኣብ ቤት ሕክምና እምበር ኣብ ገዛ ትወልድ ዳርጋ የላን:: ቃንዛ ዝተትሓዛ ኣምቡላንስ ተፀዊዓ እያ ትወስደን። ኣብ ከባቢና ንዓይ ይፈልጡኒ እዮም:: ከማይ ግዳይ ፊስቱላ ከይኾና ይጥንቀቓ" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪባ::

ብጣዕሚ ብዙሓት ግዳይ ፊስቱላ መቕርበን ከይተረፉ ከምዝርሕቑወን ይዛረባ:: ወ/ሮ ፀሃይነሽ ኣብ ነብሳ ዝወረዳ በደል ትገልፅ።

"በዓል ቤተይ ምስ ሓመምኩ ኣይሓብሐበንን:: ጠሊሙኒ:: ራርኡ ምስ ራኣየ እዚኣ ኣይትኾንን ኢሉ ገዲፉኒ ከይዱ። ክንዲ ሰብ ኣይረኣየንን:: ምስ ኣደይ እየ ዝነብር ዘለኹ" ትብል::

ሜይ 23 ዓለም ለኸ መዓልቲ ፊስቱላ እዩ:: ምኽባር ካብ ዝጅመር ሻድሻይ ዓመቱ ኣቑፂሩ::

ብ 2012 ሴክሬተርያት ዝነበሩ ባንኪሙን ኣብ ኒው ዮርክ ወሲኖሞ ይኽበር 'ሎ::

"ሕማም ፊስቱላ ሰብ ካብ ዝፍጠር ኣትሒዙ ዝነበረ ሕማም እዩ። እዚ ግና ሕማም ደቂ ኣንስትዮን ድኻ ሃገራትን ስለ ዝኾነ ብደረጃ ዓለም ንሻድሻይ ግዜ እዩ ዝዝከር ዘሎ:: እዚ ብጣዕሚ የሕዝነኒ" ይብሉ ዶ/ር መልኣኩ።

ፊስቱላ ንምክልኻል መዓልታዊ ክዝከርን ኩሉ ክሰርሐሉ ዝግባእ ሕብረተሰባዊ ፀውራ እዩ ኢሎም።