ፅባቐ ከመይ ይግለፅ ትብሉ?

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc

መግለጺ ስእሊ, ሚሄላ፡ ኣብ ኔፓል-ካታማንዱን (ፀጋም) አዓይስላንድን (የማን) ዝሰኣለተን ደቀ-ኣንስትዮ
    • Author, ስቴፈን ማክኢንቶሽ
    • Role, ሪፖርተር መዘናግዒ መደባት

"ናብ ጉግል ኢሜጅ ሕዚ እተው'ሞ ምልኩዓት ደቀ-ኣንስትዮ ርኣዩ" ትብል በዓልቲ-ሞያ ስእሊ ሚሄላ ኖች።

ከምቲ ዝበለቶ ገይረ። ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ውፅኢታት ኣለሻይ ረኺበ።

"እንታይ ሪኢኻ" ክትብል ሓቲታትኒ። "ብጣዕሚ ዝማርኹ ስእልታት፡ ሓቀይ?" ኢለ መሊሰላ።

እወ፡ ኣብቶም ምስልታት ዝርከባ መብዛሕትኤን ደቀ-ኣንስትዮ፡ ነዊሕ ታኮ ዘለዎ ጫማን ክፋል ኣካላተን ዘርእይ ክዳውንትን ዝወደያ እየን። መብዛሕትኤን፡ መናእሰይ፣ ቀጠንቲ፣ ፅቡቕ ሕብሪ ቆርበት ዘለወን እየን።

"በቃ! ፅባቐ ኩልግዘ ከምኡ እዩ ዝግለፅ። ብዘጉሂ ኩነታት ንዕኣተን ምጉላህ፣ ፆታዊ ስሕበት ክፈጥራ ገይርካ ምፅብባቕ" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc

መግለጺ ስእሊ, ካብ ፀጋም ናብ የማን፡ ኣብ ጀርመን፣ ጣልያንን ፈረንሳይን ዝተስኣሉ ምስልታት

"ደቀ-ኣንስትዮ ከምኡ ኣይኮናን ዝግለፃ። ናይ በዓልና ታሪክ፣ ቃልሲ፣ ዓቕሚ ኣለና። በዚ መልክዑ ክንግለፅ ኢና ንደልይ። ጎራዙ ነቶም ካልኦት ምስልታት እናርኣያ እየን ዝውዕላ። ብምዃኑ'ውን፡ ብዘለዋሉ ኩነታት ንክሕበና ዓርሰ ምትእምማነን ከዕብያ ኣለወን።

"ግን ድማ ጉግል ማለት ንሕና ኢና። ነቶም ምስልታት በዓልትና ኢና ፈጢርናዮም" ትብል።

ሚሄላ ዘሕተመቶ ቀዳማይ መፅሓፍ ስእልታት 'ኣትላስ ኦቭ ቢውቲ'፡ 500 ስእልታት ደቀ-ኣንስትዮ ዝሓዘ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc, India

መግለጺ ስእሊ, ፑሽካር-ህንዲ፡ "ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ሰራዊት አንትፅምበራ ብምርኣየይ ሐጉስቲ ነይረ"

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc

መግለጺ ስእሊ, ሚሂላ፡ ነዞም ስእልታት ኣብ ኮሎምቢያ (ፀጋም) ጣልያን-ሚላን (የማን) ስኢላተን።

ትርጉም ፅባቐ እዛ ሮማንያዊት ሰኣሊት፡ ፅባቐ ትርጉም የብሉን ዝብል'ዩ። ደቀ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃታት ዕድመ፣ ሞያን ድሕረ-ባይታን ይርከብ።

ማሂላ "ሰባት ንስእልታተይ ዝፈትውዎም፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ዙርያና ናይ ዘለዋ ሰባት ምስልታት ዝሓዙ ብምዃኖም'ዩ" ክትብል ትገልፅ።

"ስእልታተይ ተፍጥሮኣውን ቅልል ዝበሉን እዮም" እትብል ማሂላ፡ 500 ስእልታት ዝሓዘ መፅሓፋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ስእሊ መግለፅን ሓበሬታን ገይራትሉ እያ።

ስእልታታ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ፡ ካብ ኔፓል፣ ቲቤት፣ ጣልያን፣ ሰሜን ኮርያ፣ ጀርመን፣ ህንዲ፣ ኣፍጋኒስታን፣ እንግሊዝ፣ ኣሜሪካን ኣማዞንን ዝተወሰዱ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc

መግለጺ ስእሊ, ክልትኤን ኣሓት (ኣቢን ኣንጌላን) ኣብ ኒውዮርክ ዝተስኣልኦ S

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc

መግለጺ ስእሊ, ካፒቴን ብረንች ቶሬስ፡ ኣብራሪት ሄሊኮፕተር ፌደራላዊ ፖሊስ ሜክሲኮ እያ።

ገለ ቦታታት ካብ ካልእ ብዝዛየደ ብፀገማት ዝተሓፀሩ ኮይኖም ትረኽቦም።

"ኣብ ፅርግያ መገዲ ንዝረኸብክዋ ጓል-ኣንስተይቲ ክስእላ ተፀጊዐ። ብዛዕባ ዕላማ ስርሐይ ገሊፀላ። ሓደ ሓድ ግዜ 'ሕራይ' ዝብል መልሲ እረክብ። ገለ እዋናት ድማ 'ኣይኸውንን' ይብሉኒ። እቲ ኩነታት ነታ ዘለኹላ ሃገር መሰረት ዝገበረ እዩ" ክትብል ትገልፅ።

"ንክትሰኣል ድልውቲ ኣይኮነትለይን፤ ምናልባት ካብ ኣባላት ስድርኣ ፍቓድ ክትረክብ የድልያ ነይሩ ይኸውን"

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc

መግለጺ ስእሊ, መራሒት ዑደት ወተሃደራዊ ሙዝየም ሰሜን ኮርያ

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc

መግለጺ ስእሊ, ንቱርካዊት ተዋሳኢት ፒናር፡ ኣብ ኢስታምቡል ረኺባታ

ማሂላ ከምእትገልፆ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ዓለምና ስእሊ ምስኣል ክብድ ይብል'ዩ። ምኽንያቱ ድማ ምስ ድሕንነት ስለዝተሓሓዝ እዩ።

" ስእሊ ክትስእሎም ከለኻ 'ምስኣሉስ ክሰኣል ግን ድማ ምናልባት ክጭወ ይኽእል እየ። ካብቶም ጉጅለ ማፍያ ክትኸውን ትኽእል ኢኻ' ይብሉ" ትብል።

እዚ ስራሕ ከምወዲ ተባዕታይ ኮይንካ ክትሰርሖ ቀሊል ከምዝኾነ እትገልፅ ማሂላ፡ ነዚ ከም ምኽንያት እተቕርቦ፡ "ተባዕታይ እንተኾይንካ ካብ በዓልቲ ገዛኻ፣ ሓፍትኻን ኣዴኻን ፍቓድ ንኽትረክብ ትሓቶ ምቕራብ ኣየድልየካን" ዝብል'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc

መግለጺ ስእሊ, ፖካራ (ፀጋም) ኔፓል (ራይት)፡ "ዕዳጋ እንታይ ከምዝመሰል ዘርእይ ምስሊ'ዩ" ትብል ብዛዕባ እዞም ኣብ ናምፓን ሚያንማርን ዝወሰደተን ስእልታት እንትትዛረብ።

ማሂላ 'ፎቶ ሾፕ' (ምስሊ ንምትዕርራይ ዝውዕል ቴክኖሎጂ) ሓልሓሊፉ ትጥቀም። ምኽንያታ ግን ካብቲ ክትግምትዎ ትኽእሉ ዝተፈለየ እዩ።

"ስእሊ እንትተልዕል ገና ዘይውዱእ ነገር'ዩ፤ ኢዚ ከኣ ፀሊምን ኣብ ጋህዳዊ ዓለም ዘለው ሕብርታት ዘይብሉን ይኸውን" እትብል ማሂላ።

"ስለዝኾነ ካብቲ ዝነበሮ ብዝበለፀ ሰሓባይን ውቁብን ንምግባር እየ ዝፍትን።" ክትብል ትዛረብ።

ቀጢን መሲልካ ንምርኣይ ዝግበር ፅዕሪ ኣይትቕበሎን።

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc

መግለጺ ስእሊ, መዓስከር ስደተኛታት ኢዶመኒ-ግሪክ፡ እዛ ኣደ ምስ ደቃ ካብ ሶርያ እያ ተሰዲታ

ብማሂላ ዝተዳለወ መፅሓፍ ስእልታት ካብቲ ኣብ 2015 ዝተዳለወ መፅሓፍ ኪም ካርዲሽያን ዝተፈለየ እዩ ምባል ይከኣል።

"ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሎገራት፣ ኣብ ዓለምና ዘለው ፍሉጣት ሰባት ነዚ ዘይጭቡጥን ዘይሓቃውን ትርጎም ፅባቐ ቀሪፆም'ዮም። ከም ደቀ-ኣንስትዮ ምስኡ ምዝማድና ግን ንዓና ዝኸብድ ነገር'ዩ።" ትብል ማሂላ።

"ኪም ካርዲሽያን ኣብ ኢንስታግራም 100 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዋ። ናተይ ግን 200, 000 ጥራሕ እዮም። ነቲ ኣፈላላይ ኣገናዝቡ፡ ብጣዕሚ ዘገርም እዩ። ግን ድማ ትርጉም እቲ ተፈጥሮኣውን ዘይተኻበደን ፅባቐ፡ ናብ መላእ ዓለም ቀስ እናበለ ክሰርፅ እዩ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc

መግለጺ ስእሊ, ካብ ፀጋም ናብ የማን፡ ኣብ ፓሪስ፣ ሽንጥሮ ኦሞ (ኢትዮጵያ)ን ግሪክ ዝተስኣሉ

ማሂላ ነቶም ናብ ሞያ ሰኣላይነት ክኣትው ዝደልዩ እተሕልፎ ማዕዳ እንታይ እዩ? ደረጅኡ ዝሓለወ ካሜራ ምውናን? ብዛዕባ ሌንስን ኩርናዓት ኣወሳስዳ ስእሊ ንክመሃሩ?

ኣይከምኡን።

"ዘተኣማምን ጫማ ግዝኡ" ትብል እናሰሓቐት፡ ምኽንያቱ "ጉዕዞ እግሪ ክትገብርን ናብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክትበፅሕን ግድን'ዩ" ክትብል ትገልፅ።

ምንጪ ስእሊ, Mihaela Noroc

መግለጺ ስእሊ, ማሂላ ንሊሳ ኣብ በርሊን እንትትረኽባ ኣብ ድሕሪታ ሻንጣኣ ተሰኪማ ትዘውር ነይራ