ሩስያ ብሪጣንያውያን ዲፕሎማሰኛታት ምብራር ትቕጽል
ሩስያ፡ ሕነኣ ንምፍዳይ ንሓደ ብስለያ ዝኸሰሰቶ ብሪጣንያዊ ዲፕሎማሰኛ ካብታ ሃገር ክወጽእ ኣዚዛ።
ፈደራላዊ ትካል ጸጥታ ሩስያ (ኤፍ-ኤስ-ቢ) ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ስሙ ብወግዒ ዘይተጠቕሰ ዲፕሎማሰኛ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምሃብ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ይኸስስ።
እቲ ብሪጣንያዊ፡ ዝተዋህቦ ናይ ዲፕሎማሲ ፍቓድ ብምስራዝ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ክወጽእ'ዩ ተኣዚዙ ዘሎ።
ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ፡ ነቲ ክሲ 'ፍጹም ትርጉም ኣልቦ" ክብል ብምጻግ፡ ሩስያ "ኣብ ልዕሊ ብሪጣንያውያን ዲፕሎማሰኛታት "ደፋርን ዝተወሃሃደን ወፍሪ ምስርጣይ" ተካይድ ኣላ ክብል ብወገኑ ከሲሱ'ሎ።
ኲናት ዩክረይን ኣብ 2022 ድሕሪ ምውልዑ፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዲፕሎማሰኛታተን ከባርራ ምጽንሐን ይፍለጥ።
ለንደን ነቲ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝኣወጀቶ ኲናት ብምቅዋም፡ ንኪቭ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ደገፍ ካብ ዝህባ ዘለዋ ሃገራት ኣውሮጳ ኮይና'ላ። እዚ ድማ ንቤተመንግስቲ ክረምሊን ዘቐየመ ጉዳይ እዩ።