ኢራን ክልተ ነዳዲ ዝጽዓና መራኽብ ካብ መጻብቦ ሆርሙዝ መሊሳ
ምስ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ምትእስሳር ዘለዎ ማዕከን ዜና ታስኒም፡ “ኣብ ባሕሪ ኢራን ድሕሪ ዝቐጸለ እገዳ፡ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን ሎሚ ክልተ ተወሳኺ መራኽብ ነዳዲ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ከይሓልፋ ንድሕሪት መሊሶም፡” ክብል ብሰንበት ገሊጹ።
ታስኒም፡ እዘን ክልተ መራኽብ፡ "ኣብ ትሕቲ ባንዴራ ቦትስዋናን ኣንጎላን ዝጓዓዛ ዝነበራ"፡ እኳ እንተነበራ፡ "ብሰንኪ እዋናዊ ስጉምቲ ዕጡቓት ሓይልታት ኢራን መንገደን ክቕይራን ንድሕሪት ክምለሳን ከም ዝተገደዳ" ይጠቅስ።
ኣመሪካ ኣብ ወደባት ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ክሳብ እተልዕል መጻብቦ ሆርሙዝ ዕጹው ክጸንሕ ምዃኑ ኢራን ገሊጻ እያ።
መርበብ ሓበሬታ ምክትታል መራኽብ ማሪንትራፊክ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ በቲ መጻብቦ ዝሓለፈት መርከብ ከም ዘየላ ዘርኢ ይመስል።
ብዙሓት ግን ኣብ ዙርያ ወሽመጥ- ብፍላይ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዖማንን ኢማራትን - መልሕቐን ዝደርበያ ይመስላ።
ትማሊ መራኽብ ባሕሪ በቲ ወሳኒ መጻብቦ ማይ ይንቀሳቐስ እኳ እንተነበረ፡ ቴህራን ዳግም ነቲ መስመር ማይ ክትዓጽዎ ምዃና ምስ ኣፍለጠት ግን ኣዝዩ ተዘሓሒሉ።
ሓያሎ መራኽብ ብፕሮጀክትላይት ከም ዝተሃርማን ሓንቲ መርከብ ድማ ብቐዳም ብጀላቡ ጠበንጃ ኢራን ከም ዝተተኰላን ተገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, MarineTraffic





