ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዝዓበየት መርከብ-ውግእ ኣመሪካ ባርዕ ኣጋጢምዋ
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ እታ ኣዝያ ዘበናዊት ዝዀነት መርከብ ጽዕነት ነፈርቲ ዩኤስኤስ ጀራልድ ኣር ፎርድ፡ ብሰንኪ ዝበፅሓ ሓደጋ ባርዕ፡ ንጽገና ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክትወጽእ ትዳሎ ከምዘላ ሰበስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም።
እታ መርከብ፡ ኣብ ደሴት ቀርጤስ ናብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንጽገና ክትውሰድ ምዃና ሰብመዚ ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መሕጸቢ ክዳውንቲ ከም ዝተወለዐ ዝተገልፀ ባርዕ ሓዊ ንኽጠፍእ ሰዓታት ከምዝወሰደሉ እዩ ዝዝረብ።
እታ ዝዓበየት መርከብ ውግእ ዓለም፡ ቅድም ክብል'ውን፡ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ እትዋፈረሉ ዝነበረት እዋን፡ ስርዓተ ዓይኒ ምድሪ ተበላሽዩ ምንባሩን ካልእ ጸገማት ከምዘጋጠማን'ዩ ዝንገር።
እታ መርከብ ንኣስታት ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ስራሕ ዝጸንሐት ኮይና፡ ከም ኣካል ናይቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ኲናት ዝተኣሳሰር ስርሒታት ኣመሪካ እያ ናብቲ ዞባ ተዋፊራ ነይራ።
እቲ ባርዕ ብ2 መጋቢት ምስተወለዐ፡ ልዕሊ 200 ኣባላት እታ መርከብ ብትኪ ተዓፊኖም ከምዝነበሩን ድሒሮም ድማ ናብ ስራሕ ከምዝተመልሱን ሰበስልጣን ኣመሪካ ገሊጾም።
ሓደ ባሕረኛ ንሕክምና ካብታ መርከን ከምዝወፅአ ከምዝተገብረ፡ ካልኦት ክልተ ድማ ቀሊል መጉዳእቲ ከምዝበፅሖም ዝወፅአ ሓበሬታ የመልክት ።
እቲ ባርዕ ሰፊሕ ዕንወት ከየስዕብ ንምቁጽጻሩ ዓቢ ምርብራብ ከምዝተገብረ ይዝረብ።
ባሕረኛታት ነቲ ባርዕ ንምቁጽጻርን ናብ ካልእ ክፋላት እታ መርከብ ንከይዝርጋሕን ንሰዓታት ኣበርቲዖም ከምዝሰርሑ ሰበስልጣን ገሊጾም።
ሳዕቤን እቲ ሓደጋ፡ ናብ መደቀሲ ቦታታት ስለዝተዘርግሐ፡ ልዕሊ 100 ዓራውቲ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከም ዝዀኑ ሰብመዚ ገሊጾም።
ብሰንኪ ኣብ መሕጸቢ ክፍሊ እታ መርከብ ዝሰዓበ ጉድኣት፡ መተካእታ ዓራውትን ተወሳኺ ፍርናሽን ክዳውንትን ናብታ መርከብ ከምዝተልኣኸ'ውን ተሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ሓሙሻይ-ቃፍላይ መርከብ ኣመሪካ፡ እታ መርከብ ሕጂ ኣብ ስራሕ ከምዘላ ሓቢሩ።
ጠንቂ እቲ ባርዕ ግን ዛጊድ ኣይተፈልጠን፡ ይምርመር ኣሎ።
እታ ነፈርቲ እትጽዕን ዓባይ መርከብ፡ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን፡ ንፅገና ናብ 'ናቫል ሳፖርት ኣክቲቪቲ ሶዳ ቤይ' ኣብ ክሬት ክትከይድ ምዃና ሓደ በዓል ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ንዝነጥፍ መርበብ ሓበሬታ [USNI News] ሓቢሩ።
ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ እታ መርከብ ኣብ ስርዓተ ዓይኒ ምርዲ ብልሽት ከምዘጋጠማ፡ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ኣብታ መርከብ ዓይኒ ምድሪ ከምዝተዓጽወን ኣብ መሕጸቢ ክፍልታት ነዋሕቲ ሪጋ ይረአ ከምዝነበረ'ውን ጸብጺበን።
ሓይሊ ባሕሪ ገለ ፀገማት ከምዝነበረ ዝኣመነ ዀይኑ፡ ንመሪሕነት እታ መርከብ ብምጥቃስ፡ "ጸገማት ምዕጻው መተሓላለፊ ቱቦታት ብዝሰልጠኑ ኣባላት ምቁጽጻር ዕንወትን ምህንድስናን ብቕልጡፍን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከምዝተፈትሐ" ገሊጹ።
እታ ብኒኩለር እትሰርሕ መርከብ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣንጻር ኢራን ኣብ ዝካየድ ኲናት ዓቢ ተራ ዝተጻወተት ኮይና፡ ኣብታ መርከብ ዝተፅዓና ነፈርቲ ውግእ ኣብ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ከምዝተሳተፋ ይንገር።
እታ ዝዓበየትን 13 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኣን መርከብ፡ ንዝነውሐ እዋን ኣብ ባሕሪ ክትዋፈር ከምዝተገብረት እዩ ዝግለፅ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
መጀመርታ፡ ምስ ቬንዙዌላ ኣብ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ዞባ ባሕሪ ካሪብያን ዝተዋፈረት ኮይና፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ድማ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ኣንፈታ ቀዪራ።
እዛ መርከብ ንዝመጽእ ፍርቂ ወርሒ ኣብቲ ስርሒት እንተጸኒሓ፡ ድሕሪ ኲናት ቬትናም እታ ዝነወሐ ግ ኣብ ስርሒት ዝጸንሓት ዓባይ መርከብ ተባሂላ ክብረ ወሰን ክትሕዝ'ያ።
እቲ ዝቐደመ ክብረወሰን፡ ኣብ 2020 ብዩኤስኤስ ኣብርሃም ሊንከን ዝተትሓዘ ምዃኑ እቲ ማዕኸን ዜና- 'ዩኤስኤንኣይ ኒውስ' ሓቢሩ።
ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚቴ ስለያ ሰኔት ሴኔተር ማርክ ዋርነር ትማሊ ሰሉስ፡ እታ መርከብ ንኸምዚ ዝበለ ነዊሕ እዋን ክትዋፈር ምግባራ ነቒፉ።
"ፎርድን ሰራሕተኛታታን ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ባሕሪ ድሕሪ ምጽናሖም ንሕማቕ ኩነታተት ተቓሊዖም፤ እዚ ድማ ናይቲ ዕሽሽትነት ዝመልኦ ወተሃደራዊ ውሳኔታት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ክኸፍሉ ኣገዲዱዎም" ክብል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።
ኣብቲ መሰርሕ፡ እታ መርከብ ብኻልእ መርከብ ጽዕነት፡ ኣመሪካ- ዩኤስኤስ ጆርጅ ኤች.ዳብልዩ፡ ከም እትትካእ ኒውዮርክ ታይምስ ጸብጺባ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available