ሓድሽ ማዕበል ፍወሳ ብኸመይ እዩ መንሽሮ ዘወግድ ዘሎ?
ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Lafont
ማውሪን ሲደሪስ ኣብ 2008 መንሽሮ ታሕተዋይ ኣካል ናይ ረጒድ መዓንጣ ከም ዘለዋ ተፈሊጡ።
ሽዑ መብጣሕቲ ክትገብር ግድን ነይሩ። ሕክምናኣ ዕዉት ነይሩ። እቲ ድሕሪ መብጣሕቲ ዝነበረ ከይዲ ሕውየት ግን ኣድካሚ ከም ዝነበረ ትዝክር።
እንተዀነ፡ ድሕሪ 14 ዓመት፡ መንሽሮ ሻሕለለ ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ።
ሽዑ ግን ብክልኒካዊ ፈተነ ዝቐረበ ካልእ ኣማራጺ ሕክምና ቀሪቡላ፤ እዚ ሱር በተኻዊ ፍልልይ ዝነበሮ ሕክምና እዩ።
ንሳ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ሰለስተ ሰሙን፡ ናብ ከተማ ኒውዮርክ ናብ ዝርከብ ማእከል መንሽሮ ሜሞርያል ስሎን ኬተርንግ ትጓዓዝ፤ ን45 ደቓይቕ ዝኸውን ዶስታርሊማብ ዝበሃል መድሃኒት ድማ ትወስድ።
ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ሕክምና፡ መንሽሮ ሲደሪስ ጠፊኡ - ብዘይ መብጣሕቲ፡ ኬሞቴራፒ ወይ ሕክምና ጨረር።
እቲ እንኮ ዓቢ ጐድናዊ ሳዕቤና ድማ ድኻም ዘስዕብ ሕጽረት ኣድረናል ጥራይ እዩ ነይሩ።
"ክትኣምኖ ዘጸግም'ዩ፡" ትብል፣ "ዳርጋ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ይመስል።"
ግን ሓቂ እዩ ነይሩ።
ሲደሪስ ሓደ ካብቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ተሓከምቲ ናይቲ ኣገባብ እያ - ሕክምና መንሽሮ ኢምዩኖቴራፒ።
እዚ ኣስታት 100 ዓመታት ኣብ ምዕባለ ዝጸንሐ ኣገባብ፡ ውልቃዊ ፍወሳ፡ ንነዊሕ ዝጸንሕ ህውየት መንሽሮ ከምኡ'ውን ካብ ከም ኬሞቴራፒን ራድዮቴራፒን ዝኣመሰሉ ካልኦት ሕክምናታት ዝወሓደ ጐድናዊ ሳዕቤናትን ኣለዎ።
ኣብ ማእከል መንሽሮ ኤምዲ ኣንደርሰን ኣብ ቴክሳስ ፕሮፌሰር መብጣሕታዊ መንሽሮን ተመራማሪት ኢሚዩኖቴራፒን ዝዀነት ጀኒፈር ዋርጎ፡ ሰባት ጽቡቕ ጽሬት ዘለዎ ህይወት ይነብሩ ከም ዘለዉ ብምግላጽ ነቲ ኣገባብ ዘለዋ ናእዳ ትገልጽ።
ኣካልና "ንዓና ዘይመስሉ ዋህዮታት ናይ ምልላይን ምውጋድን" ተፈጥሮኣዊ ክእለት ከም ዘለዎ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ፓርከር ኢንስቲትዩት ፎር ካንሰር ኢሙኖቴራፒ ዝተባህለ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ኣመሪካዊ ትካል ዝዀነት ካረን ክኑድሰን። እዚ ትካል ኢሚዩኖቴራፒ ምዝርጋሕ ይሰርሕ።
ሓድሓደ ግዜ ግን፡ ዋህዮታት መንሽሮ ካብቲ ስርዓት ከምልጡ ይኽእሉ፤ ሽዑ ሓደገኛ ዘይትቈጻጸሮ ዕብየት መንሽሮ የስዕብ። ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ጥዑያት ዋህዮታት ተመሳሲሎም ይሕብኡ።
ዕላማ ኢሚዩኖቴራፒ ነቶም ዋህዮታት መንሽሮ ምፍላይ ኰይኑ፡ ስርዓተ ምክልኻል ሕማም እንታይ ምዃኖም ከለልዮም የኽእሎ።
ንመከላኸሊ ስርዓተ-ምክልኻል ስለ ዘደልድል፡ ነቶም መንሽሮ ዘለዎም ዋህዮታት ክረክብን ከጥፍእን ይኽእል - ንምእማኑ ዘጸግም ውጽኢት ክህልዎ ድማ ተኽእሎ ኣሎ።
ኢምዩኖቴራፒ ብኸመይ ይሰርሕ?
ክልተ ካብቶም ዝበለጹ ፍሉጣት ዓይነታት ኢሚዩኖቴራፒ፡ ፍወሳ ካር ቲ-ሴልን (CAR T-cell) ከምኡ'ውን ኢምዩን ቼክፖይንት ኢንሂቢተርስን እዮም።
ፍወሳ ካር ቲ-ሴል ካብ ደም እቲ ተሓካሚ ተ-ሴል (እቶም ንፍሉያት ባዕዳውያን ወረርቲ ዝሃድኑን ዝቐትሉን ኣዝዮም ፍሉያት ናይ ምክልኻል ዋህዮታት) ብምውጻእ፡ ኣብ ቤተ-ፈተነ ምምሕያሽ ብምግባር፡ ንዋህዮታት መንሽሮ ክረኽቡን ከጥቅዑን ምግባር የጠቓልል።
እዚ ዓይነት ፍወሳ ኣብዚ እዋን'ዚ ንሕማም መንሽሮ ደም ንምፍዋስ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል ኣሎ።
ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Lafont/ BBC
ኢምዩን ቼክፖይንት ኢንሂቢተርስ ድማ ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ንዝተሃንጸ ናይ "ምጥፋእ" መወልዒ መቐየሪ ዘሰናኽሉ መድሃኒታት እዮም።
እዚ ኣገዳሲ ዕላማ ኣለዎ - ንጥዑያት ዋህዮታት ዝጐድእ ካብ መጠን ንላዕሊ ዕጡቕ ናይ ምክልኻል ምላሽ እዩ ዝከላኸል። ገለ ዋህዮታት መንሽሮ ግን ነቲ ናይ ምጥፋእ መወልዒ ክግልብጥዎን እቶም 'ቲ' ብዝብል ዝጽውዑ ዋህዮታት (ቲ-ሴል) ደው ክብሉን ብምግባር ከይተለለዩ ከምልጡ ይኽእሉ። ኢምዩን ቼክፖይንት ኢንሂቢተርስ እዚ ንኸይኸውን ይከላኸሉ።
እቶም ነዚ ምህዞ ዝጀመሩ ስነፍልጠተኛታት ኣብ 2018 ሽልማት ኖቤል ዝረኸቡ ኰይኖም፡ እቶም መድሃኒታት ሎሚ ብዙሓት ዓይነታት መንሽሮ ንምሕካም ይውዕሉ ኣለዉ።
እንተዀነ ክልቲኦም ሜላታት ድሩትነት ኣለዎም። ዋላ እኳ መጽናዕቲ ገና ይቕጽል እንተ ሃለወ፡ ተመራመርቲ ስነፍልጠት፡ ፍወሳታት ካር ቲ-ሴል ኣንጻር ጽኑዕ ሕበጥ (ኣንጻር መንሽሮ ደም) ከም ዝሰርሕ ንምግባር ተቓሊሶም እዮም። እዚኦም ድማ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ሓደስቲ መርመራታት የጠቓልል።
እቲ ሕክምና ክቡርን ንምምሕዳሩ እውን ብዙሕ ጉልበት ዝጠልብን እዩ።
ኢምዩን ቼክፖይንት ኢንሂቢተርስ ዝተፈላለዩ ጐድናዊ ሳዕቤናት ክህልዎ ከም ዝኽእል ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ትካል ፍራንሲስ ክሪክ ሕክምናዊ ክኢላ መንሽሮ ሳምራ ቱራጅሊች ትዛረብ።
እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ናይቲ ስርዓተ ምክልኻል ዝዓጽዉ መቐየሪታት ኣካላት ንናይ ገዛእ ርእሱ ቲሹታት ከየጥቅዕን ነቲ መከላኸሊ ንምእላይን ስለ ዝዀነ፡ መንሽሮ ዘይኰኑ ዋህዮታት ከምኡ'ውን ሕበጣት ንሓደጋ ከቃልዕ ይኽእል እዩ።
ብመሰረት ሃገራዊ ትካል መንሽሮ ኣመሪካ፡ ልሙዳት ጐድናዊ ሳዕቤናት ረስኒ ቆርበት፡ ተምላስን ድኻምን ክዀኑ እንከለዉ፡ ኣብ ሳሕቲ ኣጋጣሚታት ድማ ነድሪ ጸላም ከብዲ፡ ልብን ኵሊትን ከስዕብ ተኽእሎ ኣሎ።
ምንጪ ስእሊ, Emmanuel Lafont/ BBC
ተስፋ ክታበት መንሽሮ
ነዚ ንምትግባር ድማ ተመራመርቲ ሓደስቲ ኣገባባት ኢሚዩኖቴራፒ ምድላይን ነቶም ዝጸንሑ ኣገባባት ንምምሕያሽ ይጽዕሩን ኣለዉ።
ልሙድ ክታበት፡ ኣካላትና ምስ ክፋላት ረኽሲ ዘስዕቦ ባእታ ክላለ ይገብር። እዚ ድማ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ምላሽ ምሃብ ክለማመድ ይገብሮ።
ተመሳሳሊ ኣምር ኣብ መንሽሮ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ። እዚ ድማ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ጥራይ ዝኰነስ ንምፍዋስ እውን ክውዕል ይኽእል።
ድሮ ነዚ ኣገባብ ዝድግፉ ገለ መባእታዊ መርትዖታት እውን ኣለዉ።
ምስ እዚ ኵሉ ፍናን ግን እቲ ኣገዳሲ ጕዕዞ ገና ነዊሕ እዩ።
ነቶም ጽቡቕ ምላሽ ዘርኣዩ ተሓከምቲ ግን ኢምዩኖቴራፒ ድሮ ህይወት ዘድሕንን ህይወት ዝቕይርን ምዃኑ ይረጋገጽ ኣሎ።
እታ ኣብ ፈተነ ዲያዝ ዝተሳተፈ ሲደሪስ፡ ኣካል ናይቲ ብሩህ መጻኢ ከም ዝዀነት ይስምዓ።
"ብኸምዚ ዝበለ ዓቢ ኣንፈት ኢና ንኸይድ ዘለና፡" ትብል። "ሓደ ካብቶም ሓካይም ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት፡ ዝዀነ ዓይነት ኬሞን ጨረርታን ምግባር ዳርጋ ከም ደም ምፍሳስ ክኸውን'ዩ - ኣዝዩ ግዜኡ ዝሓለፎ ክኸውን'ዩ ኢሉኒ፡" ትብል።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available