ዊግን 'ሂውማን ሄር'ን መንሽሮ ጡብ ዘስዕቡ ኬሚካላት ከም ዘለዎም ትፈልጡ'ዶ?

እዚኦም፡ መንሽሮ ጡብ፡ ምዝባዕ ሆርሞንን ጸገም ጥዕና ስነ-ተዋልዶን ዘስዕቡ ኬሚካላት ከም ዘለዎም ተመራመርቲ ኣፍሊጦም ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዚኦም፡ መንሽሮ ጡብ፡ ምዝባዕ ሆርሞንን ጸገም ጥዕና ስነ-ተዋልዶን ዘስዕቡ ኬሚካላት ከም ዘለዎም ተመራመርቲ ኣፍሊጦም ኣለው
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ንዓኺ ሓዊሱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ሚልዮናት ኣብ ልዕሊ ጸጉሪ ርእሰን ዝቕጸል ዊግን ሂውማን ሄርን ይጥቀማ።

ካብ ቀረባ ግዜያት ናብዚ ድማ ጸጉሮም ዝበርሑ ደቂ ተባዕትዮ'ዉን ጸጉሪ ርእሲ ከትክሉን ክቕጽሉን ምርኣይ ይልመድ ኣሎ።

እዚኦም፡ መንሽሮ ጡብ፡ ምዝባዕ ሆርሞንን ጸገም ጥዕና ስነ-ተዋልዶን ዘስዕቡ ኬሚካላት ወይ ባእታታት ከም ዘለዎም ተመራመርቲ ኣፍሊጦም ኣለው። እዚ ብዓይነቱ ፍልይ ዝበለን ሰፊሕን መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ እዞም ዊጋት 50 ጎዳእቲ ኬሚካላት ከም ዘለዎም ሓቢሮም።

እዞም ኬሚካላት፡ ኣብ ልዕሊ ጸጉሪ ኣብ ዝቕጸሉ፡ ናብ ርእሲ ዝኣትው፡ ከምኡ'ዉን ዝስፈዩ ዊጋትን ሂውማን ሄርን ኩሎም ከም ዝተረኽቡ እቶም ተመራመርቲ ወግዓዊ ገይሮም።

ውጽኢት እቲ ምርምር፡ ኣብ ኣመሪካን ኬሚካል ሶሳይቲ ጆርናል ዝተሓትመ ኰይኑ፡ ኣብዚ ቢልዮናት ዶላራት ዘንቀሳቕስ ኢንዳስትሪ ጸጉሪ፡ ተሪር ስርዓት ቁጽጽር ክግበርን ተጠቀምቲ ዝሓሸ ግሉጽነት ክረኽቡን ከም ዘለዎም ጸዊዖም።

እቲ መጽናዕቲ ዘካየደት ዶ/ር ኢሊሺያ ፍራንክሊን፡ "ካብ ገለ ሓደገኛ ኬሚካላት ናጻ ዝዀኑ ምህርታት ንምፍጣርን ንምፍራይን ዝዀነ ዓይነት መዐቀኒ ዘይብሎም ኩባኒያታት ከም ዘለው ንኣምን፡" ኢላ።

ተመራመርቲ ከም ዝብሉዎ፡ እዞም ዊጋትን ካልኦት ጸጉርታትን፡ ሰባት ንነዊሕ እዋን ስለ ዝጥቀሙሎምን ናብ ቈርበት ዝለግቡ ስለ ዝዀኑን፡ ዝተፈለየ ሓደጋ'ዮም ዘስዕቡ። እዚ ሱር ዝሰደደ ተቓላዕነት ድማ፡ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሕ ጸገማት ጥዕና ከስዕብ ይኽእል።

"ጸጉሪ ንምንዋሕ ዝውዕሉ [ዊጋት] ንቈርበት ዝትንክፉ'ዮም፡" እትብል ኣሊሺያ፡ "ኣብ ልዕሊ ርእሲን ክሳድን ንብዙሕ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ምትንኻፍ'ዩ ዘለዎም፡" ብምባል ሓደጋኡ ተብርህ።

ሓደገኛ ኬሚካላት

ተመራመርቲ፡ "ተፈጥሮኣዊ" ወይ "ቨርጅን" ዝብል ስያመ ዘለዎ ዊግ፡ ግድን ውሑስ እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ይዛረቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተመራመርቲ፡ "ተፈጥሮኣዊ" ወይ "ቨርጅን" ዝብል ስያመ ዘለዎ ዊግ፡ ግድን ውሑስ እዩ ማለት ከም ዘይኰነ ይዛረቡ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዓለማዊ ዕዳጋ ዊግ ኣብ 2028 ልዕሊ 14 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ትጽቢት ይግበር።

ብዙሓት ደቀንስትዮ ንመመላኽዒ ወይ ብምኽንያት ፋሽን፡ ዊግን መናውሒ ጸጉርን ክገብራ ይመርጻ፤ መብዛሕትአን ድማ ጸለምቲ ምዃነን እቲ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ።

ሰብ-ሰርሖ ጸጉሪ ክሳብ 20 ዶላር ክኸውን ይኽእል። ልዑል ጽሬት ዘለዎ ጸጉሪ ደቂ ሰባት ኣሽሓት ዶላር ክኸፍል ይኽእል እዩ።

ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ኣብ ዝወሱዶም 43 ቅምሶታት 170 ኬሚካላት ረኺቦም።

እቶም ተመራመርቲ ኣብ ሓደ ንጥረ ነገር ካብ ምትኳር፡ ዝተፈላለዩ ኬሚካላት ንኸለልዩ ዘኽእሎም ሜላ ተጠቒሞም።

ካብዚኦም እቶም 48 ብውድብ ሕቡራት ሃገራትን ትካላት ኬሚካል ኤውሮጳን "ሓደገኛታት" ተባሂሎም ዝተዘርዘሩ'ዮም።

ፍራንክሊን፡ "ምቅጻል ሓዊ ንምንካይ ካብ ዝውዕሉ ኬሚካላት ክሳብ ጸረ-ባልዕ፡ ሆርሞን ዘዛብዑን ጉድኣት ስነ-ተዋልዶ ዘብጽሑን ምዃኖም ዝተፈልጡ ዕድመ ፕላስቲክ ንምንዋሕ ኣብ ጥቕሚ ክሳብ ዝውዕሉ (phthalates) ኬሚካላት ዘለዎም ምዃኖም ተረኺቡ፡" ኢላ።

ምስ መንሽሮ ጡብ ዝተኣሳሰሩ 17 ኬሚካላት ኣብ 36 ቅምሶታት ዊግን ሰብ ሰርሖ ጸጉሪ ሰብን ተረኺቦም።

ኣስታት 10 ሚእታዊት ካብቶም ቅምሶታት'ውን፡ ሓዊ ዝጻወሩ ፕላስቲካት ንምስራሕ ዘገልግሉ ሓደገኛ ውህደት ኦርጋኖቲን (organotin compounds) ዝሓዙ እዮም።

እዞም ኬሚካላት ምስ ቁጥዐ ቈርበት ዝተኣሳሰሩ ኰይኖም፡ ምዝባዕ ሆርሞናት ከም ዘስዕቡ ይፍለጥ። እዚ ማለት ምስ ጥዕና ስነ-ተዋልዶ ዝተኣሳሰሩ ሓዊሱ ኣብ ኣካላትና ንብዙሕ መስርሓት ዝቈጻጸሩ ሆርሞናት ይዘርጉ።

ካብቶም ኣብቲ ቅምሶታት ብብዝሒ ዝተረኽቡ ኬሚካላት፡ ረቂቕ ጣውላን ካልኦት መጣበቒ ዕንጸይቲን ንምስራሕ ዘገልግሉ ኮላን ካልኦት ንፕላስቲክ ዝያዳ ተዓጻጻፊ ንምግባር ዝውዕሉ ጐዳእቲ ኬሚካላትን ይርከብዎም።

ተመራመርቲ፡ እዞም ኬሚካላት መንሽሮ ጡብ ከም ዘስዕቡን ምስ ግዜ መንሽሮ ጡብ ናይ ምምዕባል ሓደጋ ከም ዝውስኹን ይፍለጡ።

'ሂውማን ሄር' ውሑስ ድዩ?

ኣብ ህንዲ ደቀንስትዮ ከም ኣካል ሃይማኖታዊ ስርዓት ጸጉረን ይላጸይኦ። ብድሕሪኡ ኣብ  ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝሽየጥ መንውሑ ጸጉሪ ንምስራሕ ብጨረታ ይሽየጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ህንዲ ደቀንስትዮ ከም ኣካል ሃይማኖታዊ ስርዓት ጸጉረን ይላጸይኦ። ብድሕሪኡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዝሽየጥ መንውሑ ጸጉሪ ንምስራሕ ብጨረታ ይሽየጥ

ቅድሚ ሕጂ ዝተገብረ መጽናዕትታት መብዛሕትኡ ኣብ ሰብ ሰርሖ ጸጉሪ ዘተኰረ ኰይኑ፡ ሓደገኛ ሓጺን ከም ዘለዎ ተረጋጊጹ።

እዚ መጽናዕቲ ግን ን11 ዝተሓዋወሱ ቅምሶታት 'ቨርጅን'፡ ሮው ከምኡ'ውን ምስ ሰብ ሰርሖ ጸጉሪ ዝተሓዋወሱ ዝዳህሰሰ እዩ ነይሩ።

ቨርጅንን ሮውን (Virgin and raw) ካብ ኬሚካል ነጻ ዝዀኑ ብዝብል ብኣዝዩ ክቡር ዋጋ'ዮም ዝሽየጡ።

ሮው ዝበሃሉ ጸጉሪ፡ ብፋብሪካ ዝሓለፉን ብቐጥታ ካብ ለገስቲ ጸጉሪ ዝተቘረጹ ወይ'ዉን ዝተላጸዩ'ዮም።

ምጽራይ ዝተገብረሎም ቨርጅንን ሮውን ተባሂሎም ኣብ ዕዳጋ ዝቐረቡ ሂውማን ሄር፡ ካብ ገለ ሰብ ሰራሕ ጸጉሪ ንላዕሊ ሓደገኛ ኬሚካላት ከም ዘለዎም ተረጋጊጹ። ብዙሓት ካብዞም ኬሚካላት ለውጢ ሆርሞናት ወይ ምዝባዕ ከስዕቡ ይኽእሉ።

"ሓደ ፍርያት ጸጉሪ ሂውማን ሄር ተባሂሉ ወይ ካብ ሓደ ውልቀሰብ ዝተረኸበ 'ተፈጥሮኣዊ' ስለ ዝተባህለ ጥራይ ካብ ሰብ ሰርሖ ጸጉሪ ንላዕሊ ድሕነቱ ዝሓለወ ዝያዳ ውሑስ ኣይገብሮን'ዩ፡" ትብል ተመራማሪት ናይቲ ጠንቂ መንሽሮ ጡብ ዘጽንዕ ዩ.ኤስ.ሳይለንት ስፕሪንግ ኢንስቲትዩት ዝዀነት ፍራንክሊን።

"ኣብ ቅምሶ ሰብ ሰርሖ ሓደገኛ ዝተባህለ ሓደ ኬሚካል ምስ እንረክብ፡ ኣብ ሂውማን ሄር ግን ሓደገኛ ኬሚካላት ዝበሃሉ ብዝሒ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ክኸውን ይኽእል'ዩ፡" ኢላ።

ተመራመርቲ፡ እዞም ኬሚካላት፡ ኣብ መስርሕ ምፍራይ ጸጉሪ፡ ቅርጺ፡ ንውሓት ወይ ሰሓብነት እቲ ጸጉሪ ንምዕባይ ክውሰኹ ብዝብል ከም ዝሕወሱ ይዛረቡ።

"ኣብ ውሽጢ እቶም ንመመላኽዒ እንጥቀመሎም ፍርያት ሓደገኛታት ኬሚካላት ዘይህልዉሉ ምኽንያት የለን። መዓልታዊ ከነወግዶም ንዘይንኽእል ኬሚካላት ንቃላዕ ኢና፡" ትብል ፍራንክሊን።

እዞም ኬሚካላት ካብ ዊግ ናብ ሰብነትና፡ እቲ ዊግ ብውዑይ ማይ ክሕጸብ ወይ ክትኮስ እንከሎ ናብ ውሽጢ ብምትንፋስ፡ እቲ ዊግ ምስ ቈርበት ርእሲ፡ ገጽ፡ ክሳድን ኢድን ክተናኸፍ እንከሎ ከምኡ'ዉን፡ ጸጉሪ ብኣፍ ክኣቱ እንከሎ ወይ'ዉን ጸጉሪ ድሕሪ ምትንካፍ ብምብላዕ ይኣትው።

እዞም ኬሚካላት ካብ ዊግ ናብ ሰብነትና፡ እቲ ዊግ ብውዑይ ማይ ክሕጸብ ወይ ክትኮስ እንከሎ ናብ ውሽጢ ብምትንፋስ፡ እቲ ዊግ ምስ ቈርበት ርእሲ፡ ገጽ፡ ክሳድን ኢድን ክተናኸፍ እንከሎ ከምኡ'ዉን፡ ጸጉሪ ብኣፍ ክኣቱ እንከሎ ወይ'ዉን ጸጉሪ ድሕሪ ምትንካፍ ብምብላዕ ይኣትው

ኬሚካል ዝኣተዎም ጸጉሪ ንምንዋሕ ዝውዕሉ ፍርያት፡ ድሕነቶም ብዝሓለወ መገዲ ንምጥቃም ዝሕግዝ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ መገዲ የለን።

ተቓላዕነት ንምንካይ ዝሕግዙ ስጉምቲታት'ዉን እንተዀነ፡ ዘተኣማምኑ ከም ዘይኰኑ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

ምህርቲታት ኮስሞቲክስ ጥቡቕ ምቁጽጻርን ተፍትሽ ድሕነትን ዝግበረሎም እዮም። ይኹን'ምበር፡ ጸጉሪ ዘንውሑ ምህርቲታት ኣይፍተሹን።

ቢቢሲ ብ2016 ብዝገበሮ ምርመራ ብዙሓት ግጉይ መግለጺ ዝተለጠፈሎም ሰብ ጸርሖ ጸጉሪ ረኺቡ እዩ።