ኣብ ደም ወርሓዊ ጽግያት ዝተሓብኡ ምስጢራት ጥዕና

ስእላዊ መግለጺ ደም

ምንጪ ስእሊ, Serenity Strull/ BBC

ንባብ: 6 ደቓይቕ

መብዛሕትና ደቀንስትዮ፡ ብዛዕባ እቲ ወርሓዊ እነፍስሶ ደም ብዙሕ ክንሓስበሉ ኣይንደልን።

ኤማ ባክሉንድ'ውን ከምኡ እያ ነይራ።

ኣብ 2023 ጀማሪ ትካል ባዮቴክ ዝዀነ ኔክስትጄን ጄን፡ ደም ወርሓዊ ጽግያት ምስ ሓተተ ግን፡ ኤማ ካብ ሓደ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ሸሞንተ ታምፖናት ብቐሊሉ ኣኪባ ናብቲ ኣብ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ዝርከብ ቤተ-ፈተነ ናይቲ ትካል ልኢኻቶ።

ብርግጽ፡ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ብዙሕ ኣይተለምደን፤ ግን እቲ መጽናዕቲ ብፍላይ መጻኢ ኣዋልድ ካብ ኣብ እዋን ጽግያት ዘጋጥመን መከራ ንምውጋድ ዝሕግዝ ክኸዉን እዩ ብዝብል ክትሳተፍ ወሲና።

"ጓል 11 ዓመት ምስ ኰንኵ እየ ወርሓዊ ጽግያተይ ክርኢ ጀሚረ። ዝመውት ዘለኹ መሲሉ'ዩ ተሰሚዑኒ፡" ትብል።

ሕጂ፡ እታ ጓል 27 ዓመት መንእሰይ ኣብ ሚኒሶታ እያ ትቕመጥ።

"ንኣደይ ናብ ሆስፒታል ክኸይድ ኣለኒ ክብላ እዝከረኒ፤ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዳርጋ ኩሉ ወርሓዊ ጽግያት ከምኡ'ዩ ነይሩ። ወርሓዊ ተምላስ እርኢ፡ ካብ ማሕበራዊ ንጥፈታትን ትምህርትን ይተርፍ ነይረ። ብዙሕ ቓንዛ ነይሩኒ- ሰብነተይ ይቃጸል፡ ከብደይ ኣመና ይቐርጸኒ፡ እዚ ክኣ ቀጺሉ፡" ትብል።

እዚ ኣብ እዋን ወርሓዊ ጽግያት ዝርአ ከቢድ ቃንዛ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትና ደቀንስትዮ እውን ኣሎ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤማ፡ ኢንዶሜትሪዮሲስ ከም ዘለዋ ክትፈልጥ 13 ዓመት ወሲዱላ፤ እዚ ሕዱርን ኣድካምን ሕማም ኰይኑ፡ ሽፋን ቲሹ ማህጸን ካብ ማህጸን ወጻኢ ክዓቢ ክጅምር ከሎ ማለት እዩ።

ኢንዶሜትሪዮሲስ፡ ኣብ መላእ ዓለም 190 ሚልዮን - ዓሰርተ ኢድ ኣብ ምፍራይ ዕድመ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ - ሰባት ዘጥቅዐ ኰይኑ፡ ብኸቢድ ወርሓዊ ጽግያት፡ ቃንዛ ጎሎ፡ ጸገም ሽንቲ ምፍሳስ ወይ መዓንጣን ከምኡ'ዉን መኻንነት ዘስዕብ እዩ።

እቲ ዝኸፍአ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ መርመራ ንምርካብ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ 12 ዓመት ይወስድ።

ነዚ ንምርግጋጽ ላፓሮስኮፒ ዝተባህለ ሕክምናዊ መስርሕ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኰይኑ፡ ንእሽቶ ካሜራ ኣብ ከባቢ ጎሎ ብምእታው ዝካየድ መርመራ ምዃኑ ሓባራዊ መስራቲትን ኣካያዲት ስራሕን ኔክስትጀን ጄን ሪድሂ ታርያል ተረድእ።

ስለዚ፡ ታርያልን ካልኦት ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ መሃዝቲን ዝሓሸ መርመራ ንክህሉ ዝሰርሑ ዘለዉ - እዚ ካብ መጥባሕቲ ዝቐልጠፈን ዝሓሰረን ክኸውን ይጽዕሩ።

እቲ ምስጢር ድማ ኣብ ደም ወርሓዊ ጽግያት ከም ዘሎ ይኣምኑ።

ቅምሶ ሽንቲ ካብ ግዜ ባቢሎናውያንን ሱሜርያውያንን ኣትሒዙ፡ ማለት ቅድሚ ኣስታት 6,000 ዓመት ብሓካይም ይምርመር ነይሩ።

ቅድሚ ሓደን ክልተን ክፍለ ዘመን ድማ፡ ሰገራን ሰራውር ደምን ይጥቀሙ ነይሮም።

ደም ወርሓዊ ጽግያት ግን ብዙሕ ክሊኒካዊ ኣቓልቦ ረኺቡ ኣይፈልጥን።

ይኹን እምበር፡ ደም ኣዝዩ ዝተሓለለኸ ፈሳሲ እዩ - ፍርቁ ስሩዕ ደም ክኸውን ከሎ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ ፕሮቲናት፡ ሆርሞናት፡ ባክተርያ፡ ቲሹ ኢንዶሜትሪየምን ካብ ርሕሚ፣ ማህጸን፣ ሻምብቆታት ማህጸን፡ ማህጸንን ካልእን ዝተሰሓቡ ዋህዮታትን ዝሓቘፈ እዩ።

"ካብ ምሉእ ደም፡ ምራቕን ካልኦት ዓይነታት ቅምሶን ጥራይ ዘይትረኽቦም ዓይነታት ዋህዮታትን ካልኦት ሞለኪዩላዊ ትሕዝቶታትን ትረክብ፡" ትብል ታርያል።

"ብመሰረቱ ብዛዕባ ኣካላት መፍረ ዝሓሸ ርድኢት እትረኽበሉ ተፈጥሮኣዊ ባዮፕሲ እዩ፡"።

ኔክስትጀን ጄን፡ ንከም በዓል ኤማ ዝኣመሰላ ወለንታውያን ብፍሉይ ዝተነድፉ መዐቀቢ ዝልእኽ ኰይኑ፡ ኣብ 2014 ካብ ዝምስረት ንደሓር ካብ ልዕሊ 330 ደቀንስትዮ ልዕሊ 2000 ቅምሶ ወርሓዊ ጽግያት ተንቲኑ ኣሎ።

ብኔክስትጀን ጄን ዝተገብረ ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጐ ጥዕና ማህጸንን እርጋንን ምትእስሳር ክህሉ ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, NextGen Jane

መግለጺ ስእሊ, ብኔክስትጀን ጄን ዝተገብረ ናይ መጀመርታ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጐ ጥዕና ማህጸንን እርጋንን ምትእስሳር ክህሉ ከም ዝኽእል ኣረጋጊጹ ነይሩ

"ንማህጸን ዝጸሉ ዝዀነ ይኹን ኩነታት ንምድላይ [ደም ወርሓዊ ጽግያት] ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ " ትብል ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከብ ኖርዝዌል ሄልዝ ተመራማሪት ስነ-ህይወት ምርባሕ ክርስቲን ሜትዝ።

ሜትዝ ቅድሚ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ንባዮማርከራት ኢንዶሜትሪዮሲስ ንምምልካት ደም ወርሓዊ ጽግያት ከተጽንዕ ጀሚራ።

ሕጂ ግን እቲ ፈሳሲ ከም መንሽሮ ኢንዶሜትሪየም፡ ኣዴኖሚዮሲስ ዝበሃል ሽፋን ማህጸን ናብ መንደቕ ማህጸን ምስ ዝዓቢ፡ ከምኡ'ውን ቀጻሊ ነድሪ ሽፋን ኢንዶሜትሪዮስ ዝዀነ ኢንዶሜትሪተስ ዝኣመሰሉ ጸገማት ንምፍላጥ ኣፋፍኖት ክህብ ይኽእል ድዩ ዝብል ክትርኢ ትደሊ።

"ፈሳሲ ወርሓዊ ጽግያት ንጥዕና ማህጸን ንምርዳእ ይሕግዝ፤ እዚ ድማ ብኻልእ መገዲ እንረኽቦ ኣይኰነን፤ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ስነ-ህይወታዊ መርኣያ'ዩ።"

ንኣብነት ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣብ ደም ወርሓዊ ጽግያት ጥራይ 385 ፕሮቲናት ረኺቡ።

ካልእ ዓቢ ረብሓ ደም ጽግያት፡ ምስቲ ኣብ እዋን ባዮፕሲ ኢንዶሜትሪየም ዝወጽእ ንእሽቶ ክፋል ቲሹ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝያዳ ኩለንተናዊ ስእሊ ጥዕና ማህጸን ይህብ።

"ማህጸን፡ ዓቐኑ ክንዲ ፍረ ወይኒ'ዩ፤ ስለዚ ዓለማዊ ገምጋም [ብባዮፕሲ ኢንዶሜትሪያል] ክርከብ ኣይኽእልን፡" ትብል ሜትዝ።

ወለንታውያን ኣብ ኩባያ ወርሓዊ ጽግያት ቅምሶታት ክእክባ እትገብር ሜትዝ። "ካብ ወርሓዊ ጽግያት ዝወጽእ ፈሳሲ ግን ምሉእ እቲ ዝፈስስ ኢንዶሜትሪየም'ዩ፡" ኢላ።

ደም ወርሓዊ ጽግያት፡ ብሳይንሳዊ መጽናዕቲ ንነዊሕ እዋን ዕሽሽ ተባሂሉ ስለ ዝጸንሐ፡ መርመራ ኢንዶሜትሪዮሲስ ንምግባር እኹልን ዘተኣማምን ፍሉያት ባዮማርከራት ኣለዎ ድዩ የብሉን ዝብል ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።

ሜትዝን መሳርሕታ ክኢላ መጽናዕታዊ ጀነቲክስ ፒተር ግረገርሰንን ግን፡ ኣብ ልዕሊ 3700 ደቀንስትዮ መጽናዕቲ ብምግባር ክሳብ ሕጂ ዘተባብዕ ውጽኢት ረኺቦም ኣለው።

"ብዙሕ ፍልልያት ኣሎ" ትብል ሜትዝ።

መጀመርታ፡ ሕማም ኢንዶሜትሪዮሲስ ዘለወን ደቀንስትዮ፡ ኣዝዮም ውሑዳት "ተፈጥሮኣዊ ቀታሊ" ዋህዮታት ማህጸን ኣለወን - እዚኦም ኣብ መጀመርታ እዋናት ጥንሲ ምትካል ድቂ፡ ምዕባለ ሽንቲ ዕሸል፡ ከምኡ'ውን ረኽሲታት ብምክልኻል ኣገዳሲ ተራ ዝጻወቱ ዋህዮታት'ዮም።

እዞም ዋህዮታት፡ "ኣብ እዋን ፍርያምነት ይርኣዩ፤ ስለዚ ዋሕዲ ናይዞም ዋህዮታት ምህላዉ ጽቡቕ ነገር ኣይኰነን፡" ትብል ሜትዝ።

ጉጅለኣ፡ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ወርሓዊ ጽግያት ንመሸፈኒ ማህጸን ንምጽጋንን ንምሕዳስን ዝሕግዙ ዋህዮታት ስትሮማል ፋይብሮብላስት ቁልፊ ፍልልይ ከም ዘሎ እውን ከስተብህል ክኢሉ።

ኢንዶሜትሪዮሲስ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ እቶም ዋህዮታት ዝያዳ ናይ ነድሪ ምልክታት ኣርእዮም፤ ነቲ ማህጸን ንጥንሲ ንምድላው ዝሕግዝ ለውጢ ንምልዕዓል ድማ ትሑት ዓቕሚ ነይርዎም።

እዚ ምስ ካልኦት ከም ፖሊሲስቲክ ኦቫርያን ሲንድሮም (PCOS)ን ተደጋጋሚ ምውራድ ጥንሲን እውን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተገሊጹ።

ደም ወርሓዊ ጽግያት ምጽናዕ፡ ኣብ መጻኢ ከም ሕማም ሽኮር ዝኣመሰሉ ሕማማት ናይ ምምዕባል ሓደጋ ኣብ ምግማት ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ

ምንጪ ስእሊ, Serenity Strull/ BBC

መግለጺ ስእሊ, ደም ወርሓዊ ጽግያት ምጽናዕ፡ ኣብ መጻኢ ከም ሕማም ሽኮር ዝኣመሰሉ ሕማማት ናይ ምምዕባል ሓደጋ ኣብ ምግማት ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ

ቤተ-ፈተነ ሜትዝ፡ ኣብተ ኢንዶሜትሪዮሲስ ዘለዉ፡ መግለጺ ዝተወሰኑ ጂናት ከም ዝቕየር'ውን ረኺቡ። እዚ ፍልልያት እዚ ብሓባር እንተተራእዩ፡ ሓካይም ኣብ ትንተና ደም ወርሓዊ ጽግያት ዝተመርኰሰ ኣማራጺ ዝቐለለ መርመራ ኢንዶሜትሪዮሲስ ክገብሩ ይኽእሉ።

ብኣንጻሩ ተመራመርቲ ኔክስጀን ጄን፡ ካብ ደም ወርሓዊ ጽግያት ኣር ኤን ኤ (mRNA) ኣውጺኦም፡ ኣብኡ ፍሉያት ባዮማርከራት ኢንዶሜትሪዮሲስ ይደልዩ ኣለዉ።

ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ መኻን ደቀንስትዮ ንኢንዶሜትሪዮሲስ ካብ ጥዑያት ብዘተኣማምን መገዲ ክፈልይዎ ይኽእሉ እዮም ዝበሉዎም ሒደት ምልክታት ኣለልዮም ኣለዉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኣማኢት ኢንዶሜትሪዮሲስ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ዘሳተፈ መጽናዕቲ ይካየድ ከም ዘሎ ታርያል ትዛረብ።

ካብዚ ንላዕሊ ዘሎ ረብሓ ወርሓዊ ጽግያት

ይኹን'ምበር፡ ደም ወርሓዊ ጽግያት ካብ ኢንዶሜትሪዮሲስ ንላዕሊ ረብሓ ኣለዎ።

ንኣብነት ስራሕ ኔክስትጄን ጄን፡ ኣብ መንጐ ጥዕና ማህጸንን እርጋንን ምትእስሳር ከም ዘሎ ኣርእዩ እዩ።

እዚ "ኣፈናዊ መረዳእታ'ዩ፡" እትብል ታርያል፡ ኣብ መንጐ ኣብ ኣካላትና ዘጋጥም ምንካይ ኢስትሮጅን፡ ምስ እርጋንን ወርሓዊ ጽግያትን ምትእስሳር ከም ዘለዎ ግን "ንጹር'ዩ፡" ኢላ።

ከም ትዕዝብቶም እንተዀይኑ፡ ደም ወርሓዊ ጽግያት ሓደ መዓልቲ ከም ትሑት ወይ ልዕሊ ዓቐን ታይሮይድ ዝኣመሰሉ ሕማማት ምክልኻል ሕማም ንምፍላጥ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ኢሎም ይኣምኑ።

እዚ ጽኪ ታይሮይድ፡ ንሜታቦሊዝም ዝቈጻጸሩ ሆርሞናት፡ ታይሮክሲንን ትራይዮዶታይሮኒንን ኣዝዩ ውሑድ ወይ ብዙሕ ሆርሞናት ክለቅቕ ከሎ ማለት እዩ።

"ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ኢንዶሜትሪዮሲስ ዘለዎም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላት ብጌጋ ንጥዑያት ዋህዮታት፡ ቲሹታት ወይ ኣካላት ብምጥቃዕ ሕዱር ነድሪን ጉድኣትን ዘስዕብ ጸገማት ኣለዎም፡" ትብል ታርያል።

ኣካላትና ኣብ ምሉእ ዑደት ወርሓዊ ጽግያት ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ነድሪ ናብ በሰላ ዘይብሉ ምሕዋይ ቁስሊ እዩ ዝሰጋገር።

ስለዚ፡ ደም ወርሓዊ ጽግያት ምጽናዕ፡ ንነድሪን ብሕማም ምክልኻል ዝመሓላለፉ ከም ረውማቶይድ ኣርትራይተስ፡ ሉፐስ (ስርዓተ ምክልኻል ንጥዑያት ቲሹታት ብምጥቃዕ ኣብ መላግቦታት፡ ቈርበት፡ ኩሊት፡ ልብን ሳንቡእን ሰፊሕ ነድሪን ጉድኣትን ዘስዕብ ሕዱር ሕማም) ከምኡ'ዉን ማልቲፕል ስክለሮሲስ (ስርዓተ ምክልኻል ነቲ ኣብ ሓንጐልን ዓንዲ ሕቘን ንዝርከቡ ነርቭታት ዝሽፍን ማይሊን ሸፋሽፍቲ ብምጥቃዕ ኣብ መንጐ ሓንጐልን ኣካላትን ዘሎ ርክብ ክዘርግእ እንከሎ ዝኽሰት ሕማም) ዝበሉ ንምፍላጥ ሓጋዛይ ተራ ክህልዎ ይኽእል ትብል ታርያል።

ተመራመርቲ፡ ደም ወርሓዊ ጽግያት፡ ደቀንስትዮ ዘጋጥመን ዝተፈላለዩ ናይ ጥዕና ጉዳያት ንምፍላጥ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ይኣምኑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ተመራመርቲ፡ ደም ወርሓዊ ጽግያት፡ ደቀንስትዮ ዘጋጥመን ዝተፈላለዩ ናይ ጥዕና ጉዳያት ንምፍላጥ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ይኣምኑ

ደም ወርሓዊ ጽግያት ሕማም ሽኮር ንምፍላጥ እውን ዝሕግዝ ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ።

ካብ 2021 ክሳብ 2024 ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ተመራመርቲ ኣብ ካሊፎርንያ ዝመደበሩ ትካል ኪዩቪን፡ ኣብ ደም ወርሓዊ ጽግያት ዝተለክዐ ማእከላይ ትሕዝቶ ሽኮር ደም፡ ኣብ መላእ ኣካላትና ዘሎ መጠን ሽኮር ደም ብዘተኣማምን መገዲ ዘንጸባርቕ ምዃኑ ረኺቦም።

እዚ፡ ኣብ 2024 ንፈለማ እዋንን እንኰን በዓል መዚ ምክልኻል ሕማማት ፌደራል መርመራ ጥዕና ሽኮር ደም ወርሓዊ ጽግያት ክግበር ንከፍቅድ መገዲ ጸሪጉ።

ኣብ 2022 ኣብ ታይላንድ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ልዑል ሓደጋ ዘለዎም ዓይነታት ቫይረስ ፓፒሎማ ሰብ (HPV) ኣብ ምፍላጥ ዝሓሸ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ነዚ ርኽበታት ንምርግጋጽ ዝሰፍሐ ፈተነ ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ይቕጽል ኣሎ።

ካብዚ ዓመት ጀሚሩ፡ እቲ ፈተነ፡ ኪዩ-ፓድ ከም ክላሚድያን ጎኖርያን ዝኣመሰሉ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽስታት ንምፍታሽ ክውዕል ይኽእል ድዩ ኣይኽእል እውን ክምርምር ምዃኑ ሓባራዊ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኪቪን ማድስ ሊለሉንድ ይዛረብ።

እዚ፡ ናብ ከም ታይሮይድን ናይ ምፍራይን ሆርሞናት ዝኣመሰሉ ናይ ጥዕና ምልክታት፡ ምልክታት ነድሪ ከምኡ'ዉን ሳርስ-ኮቭ-2 ንምክልኻል ምላሽ ዝህቡ ጸረ-ኣካላትን ክሰጋገር ተስፋ ኣለዎ።

ብተመሳሳሊ ኣብ በርሊን ዝመደበሩ ጀማሪ ትካል 'theblood' ኣብዚ እዋን'ዚ ንሕማም ኢንዶሜትሪዮሲስ፡ ብኣግኡ ጽግያት፡ ፒሲኦኤስን ፍርያምነትን ንምግማት ዝሕግዝ ናይ መርመራ ናውቲ የረጋግጽ ኣሎ።