እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ምህማም መሬት ኣስታት 70 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ
ቁጽሪ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጋሞ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ዝሞቱ ሰባት 70 ከም ዝበጽሐ ፖሊስ እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣቶ ሃይለማርያም ተስፋዬ ብሓሙስ ኣማስዩ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እታ ሃገር ክሳብ ቀትሪ ሰዓት 8.00፡ ኣስክሬን 70 ሰባት ከም ዝተረኽበን 3,480 ነበርቲ ከም ዝተመዛሉን ሓቢሩ።
እቲ ምህማም መሬት ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት'ዉን 90 መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝዓነው ተገሊጹ።
ኣብቲ ዞባ፡ ኣብዚ ሰሙን ብዝተፈጥረ ሓደጋ ውሑጅ 128 ሰባት ከም ዝጠፍኡ ዝገለጸ ፖሊስ እቲ ክልል፡ ክሳብ ሕጂ ግን ኣስክሬን 64 ሰባት ጥራይ ከም ዝተረኽበ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብታ ዞባ፡ ሓደጋ ምህማም መሬት ካብ ዘጋጠመን ሰለስተ ወረዳታት፡ ጋጮ ባባ ዝተባህለት ወረዳ ዝኸፍአ ሓደጋ ከም ዘጋጠማ ብምሕባር፡ ኣስክሬን 59 ሰባት ከም ዝተረኽበ ሓቢሩ።
ኣብቲ ዞባ ካብ ለካቲት 30 ክሳብ 2 መጋቢት 2018 ዓ.ም ብርቱዕ ዝናብ ከም ዝሃረመ ተገሊጹ።
ፍሉይ ኣማኻሪ ከተማን ምምሕዳርን ዞባ ጋሞ ኣቶ ተስፋስጽዮን ዘነበ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ምህማም መሬት ኣብ ከበሳታት እቲ ዞባ ብዝተፈጥረ "እዋኑ ዘይሓለወ ብርቱዕ ዝናብ፡" ዝስዓበ ምዃኑ ሓቢሩ።
እዚ ሓደጋ ብ1 መጋቢት 2018 ዘጋጠመ ኰይኑ፡ "ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እዩ ነይሩ፡" ክብል ኣቶ ተስፋስጽዮን "ዘይተለምደን ዘይተጸበናዮን ብርቱዕ ዝናብ ኣጋጢሙ፡" ኢሉ።
እቲ በዓል ስልጣን ወሲኹ፡ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝዘንብ ዝነበረ ዝናብ ክሳብ ረቡዕ 2 መጋቢት 2018 ንጉሆ ብምቕጻሉ ነቲ ኩነታት ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ ሓቢሩ።
ኣቶ ተስፋስዮን፡ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ኣስክሬን 52 ሰባት ተዃዒቱ ከም ዝወጸን፡ ምድላይ 50 ሰባት ይቕጽል ከም ዘሎን ገሊጹ።
ሰብመዚ እቲ ዞባ፡ ነቶም ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ዝጠፍኡ 50 ሰባት ንምርካብ ጻዕርታት ይቕጽል ከም ዘሎን፡ ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ድማ ጻዕርታት ረድኤት ተጀሚሩ ከምዘሎን ገሊጾም።
እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ድሕሪ እቲ ብርቱዕ ዝናብ ዘጋጠመ ምህማም መሬት ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኣቀማምጣ እቲ መሬት [ቁልቁለት ብምዃኑ] ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
ዋና ኣመሓዳሪ'ቲ ዞባ ሓዊሱ፡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራልን ክልልን፡ ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ተረኺቦም፡ በቲ ሓደጋ ስድርኦም ንዝሰኣኑ ሰባት የፀናንዑ ኣለዉ።
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ዞባ ጋሞ፡ ኣብታ ሃገር ብተደጋጋሚ ብብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ካብ ዝጥቅዑ ከባቢታት ሓደ እዩ።
ኣብ 2016 ዓ.ም ኣብ ዞባ ጎፋ፡ ወረዳ ገዘ ጎፋ፡ ብተመሳሳሊ ሓደጋ ምህማም መሬት ልዕሊ 200 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር።