‘ሰማይ ሰማይሲ ይትረፍክን. . .’

ነዚ ሰሙን ዝመረጽናልኩም 10 ኣሳእል እንስሳታት ዘገዳም እዘን ዝስዕባ’የን። ተዓደሙታ. . .

ምንጪ ስእሊ, John Cumber

መግለጺ ስእሊ, ‘ፀጊበ ንዝበለ ብላዕ ኣይትበሎ፡ ፈርሐ ንዝበለ ትባዕ ኣይትበሎ’ - ኣብ ሄርትፎርድሻየር፡ እንግሊዝ ብጆን ካምበር ዝተሰኣለት።

ምንጪ ስእሊ, Javier Murcia/UPY 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ዓሳ ንዓሳ ይበልዖ፡ ሓው ንሓው ይጸልኦ’ - ኣብ ምድብ ባህሪ እንስሳታት ካብ ዝተሓረያ ኣሳእል ሓንቲ’ያ፡ ኣብ ምድብ ደቂ ሰብ’ውን ምተዓወተት።

ምንጪ ስእሊ, Enrico Somogyi/UPY 2022

መግለጺ ስእሊ, ‘ሰማይ ሰማይሲ ይትረፍክን፡ ምድሪ ምድሩ ይቕናዕኽን’ - ብኤንሪኮ ሶሞጂ ተሳኢላ ኣብ ውድድር ኣሳእል ትሕቲ ማይ ዝቐረበት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Henley Spiers/UPY 2019

መግለጺ ስእሊ, ‘ዕርገት’ - ኣብ ውድድር ኣሳእል ትሕቲ ማይ 2019 ቀሪባ፡ ኣብ ምድብ ጸሊምን ጻዕዳን ስእሊ ዝተዓወተት እዛ ስእሊ ብሄንሊ ስፔርስ ተሳኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Nicolas Reusens / Bird Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘መልክዐኛን ኣበረኛን. . .’ - እዛ ስእሊ ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ 2023 ቀሪባ ኣብ ምድብ ጥበብ ስዕሊ ኣዕዋፍ ድማ ተዓዊታ።

ምንጪ ስእሊ, Antonio Aguti / Bird Photographer of the Year

መግለጺ ስእሊ, ‘ዓሳ ኣብ ሩባኡ ይሕረድ፡ ወዲ ጭዋ ባዕሉ ይፍረድ’ – ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣሊ ኣዕዋፍ 2023፡ መስሓቕ ዑፍ ተባሂላ ዝተዓወተት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Pete Oxford

መግለጺ ስእሊ, ‘ዝኣረገ ኣንበሳ፡ መጻወቲ ብዕራይ በረኻ’ - ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝርከብ ደልታ ኦካቫንጎ ብፒት ኦክስፎርድ ተሳኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Ryohei Ito/Underwater Photographer of the Year 2021

መግለጺ ስእሊ, ‘ይመጽእ ኣሎ፡ እወ’ዶ?!’ - ኣብ ከባቢ ሓውሲ-ደሴት ኮርያ፡ ቻይና፡ ጃፓንን ዝርከብ እዚ ዓሳ፡ እናኣረገ ምስ ዝኸይድ ጾታኡ ካብ ኣንስተይቲ ናብ ተባዕታይ ይቕይር፡ ኣብ ርእሱ ድማ ዓቢ ሕበት የማዕብል።

ምንጪ ስእሊ, Isaías Cruz (Spain)/Underwater Photographer of the Year 2021

መግለጺ ስእሊ, ‘ፍሽኽ በሊ. . .’ - ብኢሳያስ ክሩዝ ኣብ ስፓኛ ዝተሰኣለት’ያ።

ምንጪ ስእሊ, Andrew Fusek Peters

መግለጺ ስእሊ, ‘ኣቦ ዝሓዞ፡ ውላድ ይወርሶ፡ ኣደ ዝሓዘቶ ኣፍ ይቅምሶ’ - ሮቢን ቀይሕን ቡናውን ዝሕብራ ንእሽቶ ዑፍ እያ። ሓዳስ ዝነቑሐ ሮቢን፡ ክንዲ ኣዲኣ ንኽትኣክል ክልተ ሰሙን ጥራይ ይኣኽላ።