ሳሕቲ ብዝረአ ሕማም፡ ቁመታ ብ30 ሰንቲ ሜትር ዝጎደለ ኣደ

ካሮሊን እቲ ሕማም ብሳሓ የዒንቲ ከምዝጀመራ'ያ ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, British Liver Trust

መግለጺ ስእሊ, ካሮሊን እቲ ሕማም ብሳሓ የዒንቲ ከምዝጀመራ'ያ ትገልጽ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ሓንቲ ሳሕቲ ብዝርአ ሕማም ጸላም ከብዲ ድሕሪ ምጥቃዓ ቁመታ ብልዕሊ 30 ሴንቲ ሜተር ዝጎደለ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካልኦት ብኸምዚ ዓይነት ዝተጠቕዑ 'ተስፋ ክቆርጹ የብሎምን' ትብል።

ጓል 63 ዓመት ካሮሊን ኪንግ ናይ ምርኣይ ጸገም ኣጋጢምዎ ናብ ሕክምና ክትከይድ እንከላ፡ እቲ ምልክታታ ናይ ሓደ ሳሕቲ ዝርአ ሕማም ጸላም ከብዲ ምዃኑ ፍጹም ሓሳብ ኣይነበራን።

እቲ ሕማም 'ግራኑሎማቶስ ሃፓቲትስ' እዩ ዝብሃል።

ካሮሊን ሰብ ብዛሕባ እዚ ሕማም እኹል ግንዛበ ንኽህልዎ፡ ኣበርቲዓ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።

"ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክሓስቦ እንከለኹ፡ ነቲ ዘጋጠመኒ ኣብ ግምት ብምእታው ክሳብ ሕጂ ብህይወት ምህላወይ ይግረም'የ"።

ካሮሊን ኪንግ ቅድሚ ናይ ጸላም ከብዲ ቅያር ረኺባ ምሕካማ፡ እቲ ሕማም ኣዝዩ ስለዝበርተዓ፡ ክሳብ ብዓረብያ ትኸይድ'ያ ኮይና ነይራ።

ቀስ እናበለት ግን ነቲ ሕማም ተቐቢላቶስ ነብሳ ደልዲሉ ናብ ንቡር ተመሊሳ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ንሰብ ክትምህር ጀሚራ፡ ነቶም ከም ናታ ዓይነት ሕማም ዘለዎም ሰባት ከኣ 'ተስፋ ኣይትቑረጹ' ትብላ ኣላ።

ኣብ ዓሰርተ ዓመታት ሓንቲ ሕምምቲ

ዛንታ ካሮሊን ኪንግ ኣብ 2018 ኣብ ሳሎን ኮፍ ኢላ ተለቪዥን እናርኣየት እንከላ'ዩ ዝጅምር።

ካሮሊን ኮፍ ኢላ እንከላ፡ ሃንደበት ኣብ ዓይና ስሓ ጀሚርዋ፡ የዕንታ'ውን ብቅጽበት ናብ ሓደ ነገር ኣቶኲሩ ክርኢ ኣይክኣለን፡ ኩሉ ነገር ደብዚዝዋ።

" 'እንታይ'የ ዝኸውን ዘለኹ' ኢለ ሰንቢደ፡ እቲ ጸገም ግን ናይ ዓይነት'ዩ መሲሉኒ" ትብል።

ኣብ 2019 ቆርበታን ኣዒንታን ብጫ ተቐይሩ፡ እቶም ዝከታተልዋ ዝነበሩ ዶኳትር ነዚ ምስ ርኣዩ ንሓደ ሕማም ተጠቒዓ ክትኸውን ከምእትኽእል ክጥርጥሩ ጀሚሮም። ሕማም 'ግራኑሎማቶስ ሃፓቲትስ'።

እቲ ሕማም ኣብ ዓሰርታ ዓመታት ኣብ ሓደ ሕሙም ዘጋጠም ዓይነት ሕማም ምዃኑ ሰብ ሞያ ይሕብሩ።

ካሮሊን ኪንግ፡ ቅያር ጸላም ከብዲ ረኺባ ንክትትከለላ፡ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክትጽበ ነይርዋ።

ኣብዘን እዋናት እዚኣ ከኣ ምሉእ ነብሳ እናተሸምረረ፡ ቁመታ ካብ 1.63 ሜትሮ ናብ 1.37 ሜትሮ ጎዲሉ።

ካሮሊን ጸላም ከብዲ ምስ ተቐየረትላ፡ ሕጂ ድሕሪ 6 ዓመታት ቁመታ ናብ 1.52 ሜትሮ ተመሊሱ፡ የዒንታ'ውን ናብ ንቡር ምርኣይ ተመሊሰን።

ካሮሎን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት፡ ሰባት ብዝኾነ ዓይነት ሕማም ዋላ ይጠቕዑ ተስፋ ክቆርጹ ከምዘይብሎም'ያ ምኽራ ለጊሳ።

ካሪሎን እቲ ሕማም እናበርትዓ ምስ ከደ ቆርበታ ናብ ውጹእ ብጫ ተቐይሩ

ምንጪ ስእሊ, Caroline King

መግለጺ ስእሊ, ካሪሎን እቲ ሕማም እናበርትዓ ምስ ከደ ቆርበታ ናብ ውጹእ ብጫ ተቐይሩ

ብመሰረት ትካል ግብረ ሰናይ ዓዲ እንግሊዝ 'ብሪቲሽ ሊቨር ትራስት' ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ጥራይ ኣሽሓት ሰባት ብሳሕቲ ዝርአ ሕማም ጸላም ከብዲ ተጠቂዖም ከምዘለዉ ይሕብሩ፡ ገሊኦም ሕማሞም ንኽፈልጡ ዓመታት ከምዝወስደሎም እቲ ትካል ይገልጽ።

እቲ ቀንዲ ነቲ ሕማም ንምፍላጥ ግዜ ዝነውሓሉ ከኣ፡ እቲ ሕማም ሳሕቲ ዝርአ ብምዃኑ ብዛዕብኡ እኹል ምርምር ስለዘይግብር እቲ ኣፍልጦ ድሩት ምዃኑ ትካል ብሪቲሽ ሊቨር ትራስት ይሕብር።

ላዕለወይቲ ሓላፊት እዚ ትካል ፓሜላ ሄሊ፡ እቲ ሕማም ሳሕቲ ዝርአ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ጽልዋኡ ግን ዓቢ ምዃኑ'ያ ትሕብር።

"ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ እቲ ሕማምን ምልክታቱን እኹል ኣፍልጦ የለን፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም እኹል ምርምር ስለዘይተኻየደ፡ ነዚ ሕማም ዝፈልጡ ሰብ ሞያ ንኽትረከብ ግዜ ይወስድ'ዩ" ትብል።

"በዚ ሕማም ዝተጠቕዐ ሰብ እኹል ሕክምናዊ ኣገልግሎት ንኽረክብን እቲ ሕማም ኣብ ፈለማይ ምልክታታቱ ንኽልለን እኹል ምርምራት ንምክያድ እኹል ምወላታት የድሊ ኣሎ፡ ስኣን እኹል ኣፍልጦ ሕክምና ከይረኸበ ዝተርፍ ሕሙም ክህሉ የብሉን" ትብል።

ኣብ ዓለም ብዝተፈላለየ ሳሕቲ ጥራይ ዝርአዩ ሕማማት ዝተጠቕዑ፡ ኣስታት 300 ሚልዮን ሰባት ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።