ኣከባብራ በዓል ልደት ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት - ብስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተ-ክርስቲያን ቦሌ መድሃኔኣለም ጥዋፍ ብምብራህን ብመዝሙራትን ድሮ በዓል ልደት ኣኽቢሮም። እዚ በዓል ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እታ ሃገር ከምኡ'ውን ኤርትራ ብተመሳሳሊ ኣገባብ'ዩ ዝበዓል።
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ አመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ናብ ኣብያተ ክርስቲያናት ብምኻድ በዓል ልደት የብዕሉ ኣለው።

መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም በዓል ልደት 25 ታሕሳስ ዘኽበረ እኳ እንተዀነ፡ ኣስታት 200 ሚልዮን ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስቲያን ግን በዓል ልደት ሎሚ 7 ጥሪ ወይ 29 ታሕሳስ 2017 [ኣ.ግ] እዮም ዘኽብሩ።

እዚ ድማ፡ እቶም ምእመን ዓውደ ኣዋርሕ ጁሊያን ስለ ዝጥቀሙ'ዩ።

እቲ ዝተረፈ ኣማኒ ክርስትና ድማ ዓውደ ኣዋርሕ ግሪጐራውያን ይኽተል።

መግለጺ ስእሊ, ኣመንቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራውያን ተቐማጦ ናይሮቢ በዓል ልደት ብጸሎትን መዛሙርን ተቐቢሎም
መግለጺ ስእሊ, መዘምራን ቤተክርስትያን ካቶሊክ ኤርትራ - ናይሮቢ ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ጆርጂያ -ቲብሊሲ- ምእመናን ሽምዓ ብምብራህ ንበዓል ልደት ተቐቢሎም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሶርያ፡ ምእመናን ኣብ ርእሰ ከተማ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስቲያን ኣርመኒያን ኣፖስቶሊክ ማር ሳርኪስ ብምኻድ የብዕሉ ኣለው። እዚ፡ ስርዓት በሽር ኣልዓሳድ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ ኣብ ሶርያ ዝበዓል ዘሎ በዓል ልደት'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እቲ ዝዓበየ ማሕበረሰብ ክርስትና ዘለዋ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስ ግብጺ፡ ኣመንታ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ኮፕቲክ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ነቲ በዓል የኽብሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ምእመናን ኦርቶዶክስ ሻራጃህ ድሮ በዓል ልደት ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ሩስያ ኣኽቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, የሱስ ክርስቶስ ከም ዝተወልደላ ዝንገረላ ኣብቲ ብእስራኤል ኣብ ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግም እትርከብ ቤተልሄም ዝርከቡ ኣመንቲ፡ ድሮ በዓል ልደት ብቅዳሰን መዛሙርን ኣኽቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ሩስያውያን በዓል ልደት የኽብሩ ኣለው፤ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን'ውን ኣብ ሞስኮ ቤተ-ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ተረኺቡ ኣኽቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሞስኮ ብመብራህቲ ደሚቓ ትርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ሰርቢያ -ቤልግሬድ- ልኡል ፊሊፕ ብመሰረት ባህሊ እታ ሃገር ሽግ ብምውላዕ በዓል ልደት ኣኽቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ርእሰ ከተማ ኣርመኒያ - የሬቫን- ክርስቲያን ኣፖስቶሊክ ኣርመኒያ ኣብ ካቴድራ ቅዱስ ግሪጎሪ ተረኺቦም ብቅዳሰ ኣኽቢሮም።