‘በላዒ ሰብ ኢኻ ይብሉኒ’ - ብሕብረተሰብ ዝተነጽገ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, NACIIMA SAED SALAH
"ሰባት፡ በላዒ ሰብ ኢኻ ይብሉኒ፤ ደቆም ከም ዝበልዕ ይዛረቡ። ብኣይ ኣዝዮም’ዮም ዝፈርሁ" ይብል ኤልሚ ቢለ መሓመድ።
ሰባት እዚ ዝብልሉ ምኽንያት፡ ኤልሚ በሓይ ስለዝዀነ እዩ፤ በሓይ ብዘይ ባህርያዊ ሕብሪ ቈርበት፡ ዓይኒን ጸጕርን ዝተወልደ ሰብ ወይ እንስሳ ማለት እዩ።
እዚ ኣብ ሶማልያ ዝነብር ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ምስቲ ዝወርዶ ጸለመ ከም ዝቃለስ ይዛረብ።
ካብቲ ኣብ ማእከላይ ዞባ ሂራን ዝርከብ ገጠራዊ ገዛኡ ካብ ዝወጽእ ንደሓር ኣብ ርእሰ ከተማ ሞቓድሾ ዝነብረሉ ቦታ ንምርካብ ብዙሕ ተቓሊሱ’ዩ። ኣሕዋቱ እውን እቲ ኵነታት ኣለዎም።
"ብቐጻሊ ብማሕበረሰብና ንጽረፍን ንሳቐይን ኣለና” ብምባል ቆርበቶም፡ ጸጕሮምን ኣዒንቶምን ሕብሪ ስለዘይብሎ ሰባት ከም ዝሃርምዎምን ከም ዘላግጽሎምን ይገልጽ።
"ኣብ ሞቃድሾ ዝሓሸ ህይወት ክረክብ እየ ኢለ ሓሲበ ነይረ ግን ተጋግየ።"
ናይ ሓባር ገዛ ክካረ ብተደጋጋሚ እንተደለየውን፡ ዘካርዮ ሰብ ኣይረኸበን።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ሓማር ወይን ዝበሃል ዝኣረገ ክፋል እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መኽዘን ክነብር ጸኒሑ። ነዚ’ውን ኣብ ወርሒ 30 ዶላር እዩ ዝኸፍለሉ።
"ሰባት ከም ዝተረገምኩ’ዮም ዝሓስቡ። መብዛሕትኡ ግዜ ካባይ ከም ዝከላኸለሎም ዝኣምኑሉ ጨውን ጥረ እንቋቑሖን በጽቢጾም ኣብ ኣፍደገ ገዛይ የፍስሱ።"
ኤልሚ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ከም ሰራሕተኛ ጽሬት ተቘጺሩ፡ ኣብ መዓልቲ ካብ 1.40 ክሳብ 4 ዶላር ይረክብ ነይሩ።
ግን ነዊሕ ኣይጸንሐን።
እቲ ኵነታቱ ጀነቲካዊ እምበር ተላባዒ ሕማም እንተዘይኰነ፤ ዓማዊል ግን ከይልከፉ ስለዝሰግኡ ዓማዊል ኣብቲ ቤት መግቢ ምብላዕ ኣቋሪጾም። ብድሕሪ ካብ ስርሑ ተባሪሩ።
"ካልእ ስራሕ ክረክብ ካብ ቤት መግቢ ናብ ቤት መግቢ ዘይረ፡ ዝቘጽረኒ ሰብ ግን ኣይነበረን፡" ይብል።
"ኣብ መወዳእታ ኣብ ጐደናታት ክልምን ጀሚረ - ሰባት ብሞባይል ክፍሊት ንክተኹቡለይ ቍጽሪ ተሌፎነይ ዝተጻሕፎ ፖስተር ሒዘ።"
ብልመና ዝረኽቦ ገንዘብ፡ ኣሽንኳይዶ ነቲ ተሃዋሲ ቆርበቱን ዓይኑን ንምክልኻል ዘድልዮ መከላኸሊ ጸሓይን መነጽርን ንምግዛእ፡ ንመግቡን ክራይ ገዛኡን ንምሽፋን እውን ኣይኣኽሎን።
በሓይ ዝዀኑ ሰባት፡ እቲ ዓይኒ፡ ጸጕርን ቆርበትን ሕብሪ ክህልዎ ዝገብርን ካብ ጸሓይ ዝከላኸልን ‘ሜላኒን’ የብሎምን ወይ ውሑድ’ዩ ዘለዎም። ሜላኒን ኣብ ኣካላትና ዝርከብ ንጸጕሪ፡ ዓይንን ቆርበትን ሕብሪ ዝፈጥር ንጥረ ነገር’ዩ።
"መነጽር ጸሓይ ክገዝእ ዓቕሚ የብለይን" ይብል ኤልሚ። "ኣብቲ ዝልምነሉ ዕዳጋ ብዙሕ ዶሮና ኣሎ፤ ብትኪ መካይን ዝተበከለ እዩ። ኣዒንተይ ብቐጻሊ ይሳቐይ ኣለኹ፡ ርእየተይ’ውን ብቕልጡፍ ይደክም ኣሎ።"
"ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት ተረፍ መረፎም ክበልዕ ይህቡኒ። ካልእ ግዜ ድማ ዋላ ሓንቲ ኣይረክብን።"
ናብ ሞቃድሾ ከይዱ ናብ ስድራኡ ብፍላይ ድማ ናብቶም በሓይ ኣሕዋቱ ዝልእኮ ገንዘብ ንምርካብ ዝነበሮ ሕልሚ ሃሲሱ፤ ጠፊኡ።

ምንጪ ስእሊ, NACIIMA SAED SALAH
ኣብ ሶማልያ ክንደይ በሓይ ዝዀኑ ሰባት ከም ዘለዉ መረዳእታ ስለዘየለ ንጹር ኣይኰነን። እታ ሃገር ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ብግጭትን ዘይምርግጋእን ተሃስያ ስለዝነበረት ዘተኣማምን ሓበሬታ ምእካብ ኣይከኣልን።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ሞቓድሾ ምስ በሓይ ዝነበራ ኣስታት 80 ስድራቤታት ተኣኪበን ሶማላውያን በሓያት ዝበሃል ማሕበር ኣቚመን፤ እዚ ማሕበር’ዚ ብዛዕባ ጸገማቶም ንቕሓት ክዓቢን ጸለመ ንምንካይ ክሕግዝን ተስፋ ይገብራ።
ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዲያስፖራ ካብ ዝነብራ ሶማላውያን ደቂ ኣንስትዮ 86 ጥርሙዝ ጸሓይ ክሬም ተላኢኹለን ኣሎ።
በሓይ ዝዀኑ ሰባት፡ ንብርሃን ጸሓይ ዘለዎም ምቅላዕ ንምንካይ ልዑል ረቛሒታት መከላኸሊ ጸሓይ፡ ክዳውንትን መነጽር ክገብሩ ይምከር።
ሜላኒን ወይ ሕብሪ ናይ ቈርበት የብሎምን ማለት ጸሓይ ከሕርሮምን ብመንሽሮ ቆርበትን ክጥቅዑን ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ሜላኒን ኣብ ምምዕባል ናይቲ ኣብ ዳሕረዋይ ክፍሊ ዓይኒ ዝርከብ ሃዋስ ብርሃን ኣካል ወይ ረቲና ኣበርክቶ ስለዘለዎ ኣብ ኣዒንቶም’ውን ጸገም ከስዕብ ይኽእል’ዩ።
"ጉድኣት ኣካል ዘለዎም ካልኦት ሶማላውያን ካብ መንግስትን ዓለምለኸ ትካላትን ሓገዝ ንኽረኽቡ ዝጉስጉሱ ትካላት ኣቚሞም’ዮም" ይብል ኣቦ መንበር እቲ ጕጅለ መሓመድ ኣቡከር ዓብዲቓድር። "ሕጂ መሰል ኣለዎም። ንሕና ግን የብልናን።"
"ኣነ ጅግና ስለ ዝዀንኩን ተስፋ ስለ ዘይቈርጽን እየ መራሒ እቲ ማሕበርና ኰይነ ተመሪጸ" ይብል መሓመድ፤ ሽዱሽተ ቈልዑ ዘለዉዎ በሓይ እዩ።
"ሰባት ዝጸልኡናን ዝፈርሑናን ምኽንያት ዘይምፍላጥ’ዩ።"
"እቲ ዘጋጥመና ክፍኣትን ኣድልዎን ንመሰልና ካብ ምቅላስን ስድራቤታትና ካብ ምምጋብን ክዓግተና የብሉን። ሶማላውያን ብዛዕባ ኵነታት በሓይ እንተተማሂሮም ልክዕ ከምኦም ሰባት ምዃንና ክግንዘቡ እዮም" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Naciima Saed Salah
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ በሓይ ዝዀኑ ሰባት ዘሎ ጽልኢ ኣዝዩ ከቢድ ብምዃኑ፡ እቲ ሕማም ዘለዎም ህጻናት ሳሕቲ’ዮም ዕድል ትምህርቲ ዝረኽቡ።
"ደቀይ መዓልታዊ ብእምኒ ይህረሙ ስለዝነበሩ፡ ካብ ቤት ትምህርቲ ኣውጺአዮም" ትብል ክልተ በሓይ ቈልዑ ዘለዋ ኣሻ ገለ።
"እቲ ረቂቕ ቆርበቶም በቲ ሰባት ዝደርበዩሎም ኣእማን ኣዝዩ ስለዝተጐድአ፡ ሕጂ ምሉእ መዓልቲ፡ መዓልታዊ ኣብ ውሽጢ ገዛ እየ ዘጽንሖም" ትብል።
"ትምህርቲ ኣይክረኽቡን፤ ምስ ካልኦት ቈልዑ ከመይ ከም ዝጻወቱ እውን ኣይክመሃሩን’ዮም፡ እንተወሓደ ግን ውሑስ ክዀኑ እዮም" ክትበል ኣብ ገዛ ምጽንሖም ዘለዎ ረብሓ ትገልጽ።
ንሳን ስድራኣን ኣብ ሰሜን ሞቃድሾ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ሁሪዋ ኣብ ዝርከብ ክልተ ክፍሊ ገዛ ንምንባር ኣብ ወርሒ 40 ዶላር ትኸፍል።
መናድቝን ናሕሱን ካብ ኣረጊት ጨርቅን ዝተሰብረን ዝሓሰረን ሓጺንን ዝተሃንጸ ብምዃኑ ግን ጸሓይ ንምክልኻል እኹል ኣይኰነን።
"ቀደም ኣብ ዕዳጋ ኣሕምልቲ ብምሻጥ ጽቡቕ ገንዘብ እረክብ ነይረ" ትብል ኣሻ።
"ደቀይ ንምሕብሓብ ንግደይ ክገድፍ ነይሩኒ። ሕጂ በዓል ቤተይ ከም መራሒ ባጃጅ እናሰርሐ ብዝረኽቦ ካብ 4 ክሳብ 6 ዶላር ንምንባር ንቃለስ ኣለና።"
በዓል ቤታ፡ በሓይ ቈልዑ ወሊድኪ ኢሉ ስለዝወቐሳ ሓዳራ ናብ ምብታን ገጹ ይኸድ ከም ዘሎ ትዛረብ። ናብታ ስድራቤት ሕማቕ ዕድል ከም ዘምጸአት’ዩ ዝኸሳ።
"ንደቀይ ዘናሽዉዎም እቶም ኣዝየ ዝፈትዎም ሰባት እዮም - በዓል ቤተይን ኣዝማደይን። ሓወይ ከይተረፈ ከይልከፍ ስለዝፈርሐ ኣይመጻናን እዩ፡" ትብል።
"ኣነ ግን ዝዀነ ይዅን ብዘየገድስ ኵሉ ግዜ ኣብ ጐድኖም ኰይነ ክከላኸለሎም እየ። ክዕገስ እየ፡ ፈጺመ ድማ ሸለል ኣይክብሎምን። መሪጾም ኣይኰኑን ከምዚ ዝነብሩ ዘለዉ።"









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


