ቢንያም ግርማይ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተኣልዩ
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ሳልሳይ ዝወጽአ ተቐዳዳማይ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ቢንያም ግርማይ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ መድረኽ ክልተ ግዜ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ጸወታ ተኣልዩ ከምዘሎ ጋንትኡ ኣፍሊጣ።
ኣብዚ ውድድር ሓደ ካብ ተጠመትቲ ቮላችስታታት ዝኾነ ቢንያም ግርማይ: ጸወታ ክዛዘም 69 ኪሎሜትር ከምኡ ከኣ 64 ኪሎሜትር ምስ ተረፎ ብዘጋጠሞ ክልተ መውደቕቲ’ዩ ካብ ጸወታ ክእለ ክኢሉ።
ቢንያም ግርማይ ነዛ ሎሚ ዓቐበት ወዲኣ ኣብ ጎልጎል ትውዳእ 190 ኪሎሜትር ትሽፍን መድረኽ ክዕወቱላ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ካብ ዝተገመቱ ተቐዳደምቲ’ዩ ነይሩ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post
ቢንያም ግርማይ ኣብ 17 ግንቦት 2022 ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ቀዳማይ ብምውጻእ ቀዳማይ ኣብ ግራንድ ቱር ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ተባሂሉ ፍሉይ ክብሪ ክረክብ ምኽኣሉ ዝዝከር’ዩ።
ሰለስተ ግዜ ዝበልጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ዝተሰመየ ቢንያም ግርማይ ብተመሳሳሊ ኣብ 2022 ኣብታ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበላ መዓልቲ ኣብ ምዕዳል ሽልማት ብባሊቃ ናይ ሻምፓኝ ዓይኑ ስለዝተሃረመ ካብ ውድድር ከቋርጽ ከምዝተገደደ ዝዝከር’ዩ። ሎሚ ዓመት ከኣ ኣብ ጽባሕ ሳልሳይ ዝወጽኣሉ ብዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ውድድር ክእለ ተገዲዱ ኣሎ።
ኣብዚ ውድድር ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር ምስ ኣመሪካዊት ጋንታ ትሬክ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ምስ ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ብምዃን ይወዳደሩ ኣለዉ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available