ትማሊ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ብስእሊ

እቲ ካብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2022 ክሳብ ትማሊ 02 ሕዳር 2022 ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሞንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ርእሰከተማ ፕሪቶርያ ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ ሰላም ትማሊ ረቡዕ ምቁራጽ ተጻብኦታትን ምፍታሕ ብረትን ዝብል ዝርከቡ ሸሞንተ ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ ከቲሞም።

መግለጺ ስእሊ, ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን (ጸጋም) ምስ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ (የማን) ስምምዕ እናፈረሙ
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጉን ኣባሳንጆ
መግለጺ ስእሊ, ወከልቲ መንግስቲ ፌደራንል ህወሓትን ምስ ኣሻማገልቲ ኣካላት
መግለጺ ስእሊ, ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን
መግለጺ ስእሊ, ጉጅል ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ
መግለጺ ስእሊ, ጉጅል ወከልቲ ህወሓት
መግለጺ ስእሊ, ወኪል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴን (ጸጋም) ምስ ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ (የማን) ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሞም