ዓለምለኻዊ ጸላዊ ዝኸዉን ዘሎ ወዲ 81 ዓመት ቲክቶከር

ምንጪ ስእሊ, Yolanda Shirin/BBC

መግለጺ ስእሊ, ኢያን ስሚዝ፡ ሕጂ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ን1.5 ሚልዮን ተኸታተልቱ ቪድዮ ብምልጣፍ፡ ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ድማ ቀጥታዊ ፈነወ ብምዝርጋሕ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተጠቀምቲ ቲክቶክ ይስሕብ ኣሎ
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ወዲ 81 ዓመት ኢያን ስሚዝ፡ ባዕሉ ዘሕተሞ ልብ-ወለድ መጽሓፍ ንምልላይ፡ ኣብ ኢንተርነት ቪድዮታት ክዝርግሕ ጀሚሩ፤ ን80 ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ህይወት ምኽሪ ብምሃብ ድማ ሚልዮናት ሰዓብቲ ክረክብ ክኢሉ።

ኣብ ገጠር ብሪጣኒያ ዝነብር ኢያን ስሚዝ፡ ሕጂ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ን1.5 ሚልዮን ተኸታተልቱ ቪድዮ ይጥቅዕ፤ እዚኦም ኣወንታዊን መተባብዕን መልእኽትታት ዝሓዙ'ዮም።

በዓልቲ ቤቱ፡ ኣብ ቲክቶክ ቪድዮ ክጥቅዕ ኣተባቢዓቶ፤ ድሒራ 100 ሰዓብቲ ፈጺሙ ከም ዘይረክብ ምስ ነገረቶ "ሓሪቑ" ምንባሩ ይዛረብ።

"ከርእየኪ እየ" ብምባል ተዋዘ።

" 'ርኣዪ 100 ሰዓብቲ ክረክብ እንተኽኢለ፡ 1000 ክረክብ ይኽእል እየ። 1000 እንተረኺበ 100 ሽሕ ክረክብ ይኽእል'የ' ኢለያ - ብሓቂ ከምኡ ሓሲበ ኣይፈልጥን፤ ሰባት ግ ክስዕቡኒ ጀሚሮም፡"።

ስሚዝ ኢዱ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓለም ቅድሚ ምምጽአን፡ ንልዕሊ 50 ዓመታት ሓኪም ስኒ ኰይኑ'ዩ ሰሪሑ፤ ኣብ 2022 ድማ ጡረታ ወጺኡ።

ልብ-ወለድ ክጽሕፍ ጀሚሩ፤ እቲ ዘዳለዎ መጽሓፍ ናብ ኣማኢት ኣሕተምቲ እኳ እንተሰደዶ፡ ሰለስተ መልሲ ጥራይ እዩ ረኺቡ።

በዚ ኣብ ክንዲ ተስፋ ዝቘርጽ ነቲ መጽሓፉ ባዕሉ ኣሕቲሙ ኣብቲ ንኣፍቀርቲ መጽሓፍ ዝውፈ ንኡስ ማሕበረሰብ ቲክቶክ ዝዀነ ቡክቶክ ከላልያ ጀሚሩ። ንዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ኣብቲ መድረኽ ብቐጻሊ መተባብዒ መልእኽታትን እወንታዊ ሓሳባትን ክዝርግሕ ጸኒሑ።

መግለጺ ቪድዮ, ኢያን ስሚዝ

ኣሉታዊ መልሲ ይኹን ርእይቶ ዘይምርካቡ "ዘሰንብድ" እዩ ነይሩ ኢሉ።

ንሱ ንቢቢሲ ሉክ ኢስት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣዝዩ ትሕትና ዝመልኦ'ዩ፡" ኢሉ።

"ወዲ 81 ዓመት ሰ ኮፍ ኢሉ ምስ ሓንቲ ንእሽቶ ቴለፎን እናዕለለ እንከሎ ካብ መላእ ዓለም መልሲ ይመጽኦ ኣሎ፡" ይብል።

ኢያን ወሲኹ፡ "ሓሙስ ሰዓት ሸሞንተ ብቀጥታ ይኣቱ፤ ካብ ብራዚል . . . ዝኣትው ሰባት ኣለዉ - ካብ መላእ ዓለም፤ ናይ ብሓቂ ዘሰንብድ'ዩ፡" ኢሉ።

እቲ ዝበዝሐ ተዓዘብቲ ዝረኸበ ቪድዮ ልዕሊ 59 ሚልዮን ግዜ ዝተራእየ ኰይኑ፡ ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ድማ ካብ መንጎ እቶም ዝበዝሑ ሰዓብቱ'ዮም።

"ወዲ 81 ዓመት ሰብኣይ ኰይንኻ ከምዚ ዝበለ ነገር ክገብር እየ ኢልካ ኣይትሓስብን። ኣነ እናዓበኹ ምስ ከድኩ፡ ተመልከትተይ'ዉን እናዓበዩ መጺኦም፡"።