ፓኪስታን ንዂናት ኢራን ክትሽምግል ብኸመይ ኣብ ዓይኒ ትራምፕ መጐስ ረኺባ?
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፓኪስታን ኣብዚ ግጭት ከም መንጎኛ ዝሓዘቶ ተራ ንሓያሎ ኣገሪሙ ኣሎ።
ኣዛዚ ዕጡቕ ሓይልታት ፓኪስታን ፊልድ ማርሻል ኣሲም ሙኒር፡ ደጋፊ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እዩ።
ትራምፕ ነቲ ኣዛዚ "ዝፈትዎ" ፊልድ ማርሻል ኢሉ ብተደጋጋሚ ዝጽውዖ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ሙኒር ንኢራን "ልዕሊ ካልኦት ብዙሓት ብዝበለጸ" ብኸመይ ከም ዝፈልጣ ተዛሪቡ ነይሩ።
ኢራን 900 ኪሎሜትር ኣብ ዝንውሓቱ ምስ ፓኪስታን ትዳወብ። እዚ ጥራይ ዘይኰነ፡ ሓድሕደን ኣብ ዓሚቝ ባህላውን ሃይማኖታውን ርክባት ዝተመስረተ "ሕውነታዊ" ዝምድና ኣለወን።
ፓኪስታን ኣብ ግዝኣታ መዓስከራት ኣመሪካ የብላን።
ከምኡ'ውን ዘይከም ሓያሎ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከባ ከም መንጐኛታት ክርኣያ ዝጸንሓ ሃገራት ገና ናብቲ ግጭት ተሳሒባ ኣይኣተወትን ኣላ።
ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝህሉ ሰላም ንሃገራዊ ረብሓኣ ወሳኒ እዩ።
እንተዀነ፡ እታ ምስ ጐረባብታ ኣፍጋኒስታንን ህንድን ክሳዕ ናብ ግጭት ዘምርሐት ሃገር፡ ከመይ ገይራ እያ ንነብሳ ከም ኣምጻኢት ሰላም ኣቐሚጣታ ዝብል ሕቶታት ክለዓል ጸኒሑ እዩ።
ኣብዚ እዋን'ዚ ንኣፍጋኒስታን ቦምባታት ትድርብየላ ኣላ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ምስ ህንዲ ዝነበረን ምፍጣጥ ናብ ንዩክለሳዊ ግጭት ከይዓርግ ስግኣት ፈጢሩ ነይሩ።
ፓኪስታን ክሳዕ ሕጂ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ሚዛን ክትሕሉ ፈቲና ኣላ። መንጎኛ ኰይና ኣብ ሓድሕዶም መልእኽቲ ኣተሓላሊፋ። ካብ ካልኦት ሃገራት ኣስላም ዝመጽኡ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣአንጊዳ፣ ናብ ዲፕሎማስያዊ መስመራት ጻውዒት ክትገብር ጸኒሓ።
እቲ ኣብ መንጎ ኰይና እትሕልዎ ሚዛን ግን ካብ ሓደጋ ናጻ ኣይገብራን።
ብዙሕ ክሳራ
ፓኪስታን ካብ ወጻኢ ኣብ ዝኣቱ ነዳዲ ኣዝያ ጽግዕተኛ ኰይና፡ መብዛሕትኡ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ዝመጽእ እዩ።
ኣብ ቤትምኽሪ ኣትላንቲክ ላዕለዋይ ክኢላ ደቡብ እስያ ማይክል ኩገልማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፓኪስታን ካብ ማእከላይ ምብራቕ ወጻኢ ካብ ዘለዋ ሃገራት ዝለዓለ ተገዳስነት ከም ዘለዋ ይገልጽ።
ፓኪስታን ወጥሪ ንምንካይን ኵነታት ከይዓርግን ክትጽዕር ንጹር ምኽንያት ከም ዘለዋ ሓቢሩ።
መንግስቲ ፓኪስታን ኣብ መጀመርታ መጋቢት ዋጋ ነዳድን ናፍታን ብኣስታት 20% ከም ዝወሰኸን ነዳዲ ንምቝጣብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣርባዕተ መዓልታት ንሰሙን ናብ ስራሕ ክወፍሩን ስጕምቲታት ወሲዱ።
"እቲ ኲናት እንተ ቀጺሉ፡ ኣብ ፓኪስታን ዘሎ ቍጠባዊ ጸቕጢ ኣዝዩ ክውስኽ'ዩ፡" ይብል ኣብ ኢንስቲትዩት ምምሕዳር ንግዲ ካራቺ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ፋርሃን ስዲቒ።
እዚ ኵነታት ናብ ምንታይ ክዓርግ ይኽእል ዝብል ስግኣት'ውን ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መስከረም፡ ፓኪስታን ምስ ስዑዲ ዓረብ ናይ ምክልኻል ውዕል ፈሪማ፣ "ዝዀነ ኣብ ልዕሊ ሓንቲአን ዝፍጸም መጥቃዕቲ፡ ኣብ ልዕሊ ክልተአን ሃገራት ከም ዝተፈጸመ ይቝጸር፡" ንዝብል ውዕል ተሰማሚዓ።
ስዑዲ ዓረብ ናብ ኲናት ኢራን እንተ ተጸምቢራ፡ ፓኪስታን እንታይ ክትገብር እያ ዝብል ሕቶታት ኣስዒቡ ኣሎ።
"እቲ ዘሎና ጸገም፡ ብወገን ስዑዲ ዓረብ ናብቲ ኲናት ክንጽንበር እንተ ተሓቲትና፡ መላእ ምዕራባዊ ዶባትና ብዓቢዩ ውሕስነት ዘይብሉ ክኸውን'ዩ፡" ይብል ስዲቂ።
ፓኪስታን ድሮ ምስ ኣፍጋኒስታን ኣብ "ኲናት" እያ ዘላ፤ ኣፍጋኒስታናዊ ጣሊባን ኣብ ውሽጢ ዶባታ ግብረሽበራዊ ጕጅለታት ከም ዘዕቍብ ይኸስስ፣ መንግስቲ ጣሊባን ግን ነዚ ክሲ ይነጽጎ።
ፓኪስታን ዓመታት ዝወሰደ ዝርርብ ከም ዝፈተነት እኳ እንተ ገለጸት፡ እትደልዮ ጸጥታ ግን ኣየውሓሰትን።
ፖኪስታን ናብቲ ኲናት ተሳሒባ እንተ ኣትያ፡ ካልእ ተወሳኺ ግንባር ምኽፋታ ጥራይ ኣይኰነን እቲ ጸገም፡ ኣብ ዘቤታዊ ፖለቲካኣ'ውን ጽልዋ ከም ዝህልዎ እዩ ስዲቒ ዝገልጽ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ብናይ ኣመሪካን እስራኤልን ሓባራዊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ ደገፍቲ ኢራን ዝዀኑ ሰልፈኛታት ኣብ መላእ ፓኪስታን ናብ ጐደናታት ወጺኦም ነይሮም። ኣብ ካራቺ ንዝርከብ ቆንስል ኣመሪካ ክሃርሙ ዝፈተኑ ሓዊሱ ሓያሎ ተቐቲሎም።
ኣብ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሕቡራት ሃገራትን ኣምባሳደር ፓኪስታን ዝነበረት ማሊሃ ሎዲ፡ "ኣብ ፓኪስታን ዘሎ ህዝባዊ ስምዒት ብዓቢዩ ደጋፊ ኢራን እዩ፡" ኢላ። "ሰበስልጣን ፓኪስታን ነዚ ብጥንቃቐ ከም ዝርእዩዎ ርግጸኛ እየ።"
ክርከብ ዘለዎ ረብሓ
ምንጪ ስእሊ, Turkish Foreign Ministry / Handout/Anadolu via Getty Images
ፖኪስታን ኣብ ዓለም ዘለዋ ደረጃ ንባዕሉ ሓደ ጉዳይ እዩ።
"ፓኪስታን ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ብዙሕ ጽልዋ የብላን ንዝብል ነቐፌታ ኣዝያ ተሃዋሲት እያ" ይብል ኩገልማን።
ኣምባሳደር ማሊሃ ሎዲ ወሲኻ፡ "እዚ ልዑል ግደ ዘለዎ ዲፕሎማሲ እዩ" ኢላ። "ሓደጋን ዓስቢን ዘለዎ'ዩ። [ዘተ ሰላም] እንተ ተዓዊቱ ንፓኪስታን ናብ ላዕለዋይ ደረጃ ዓለማዊ ዲፕሎማሲ ክደፍኣ'ዩ።"
እንተ ዘይሰሚሩ ግን?
እቲ ጉድኣት ኣዝዩ ዓቢይ ክኸውን እዩ ዝብል ግምት ከም ዘይብላ ኣምባሳደር ማሊሃ ሎዲ ትገልጽ።
"ገና'ውን ፓኪስታን ጽቡቕ ጻዕርታት ከም ዘካየደት እያ ትርአ። እንተ ዘይሰሚሩ ፓኪስታን ብቕዕቲ ስለ ዘይኰነት ኣይከውንን - እቲ ኣብቲ ጉዳይ ዝሳተፍ ሰብ ኣዝዩ ዘይግመትን ፍጹም ዘይእመንን ስለ ዝዀነ እዩ።"
እንተዀነ፡ ድሕሪ እዚ ኵሉ ዝርርብ ናብቲ ዝነበሩዎ ቦታ እንተ ተመሊሶም፡ ሕማም ደሓር ክህሉዎ ከም ዝኽእል ተጠንቅቕ።
ዘይልምዳዊ ዲፕሎማስያዊ ጸወታታት
ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ነገራት ብኸመይ መንገድታት ከም ዝካየዱ ንጹር ኣይኰነን። ፓኪስታን ምስ ትራምፕ ዘለዋ ርክብ ተጠቂማ ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ከም ዝገበረት ግን ንጹር እዩ።
ኣምባሳደር ማሊሃ ሎዲ፡ ፓኪስታን ንትራምፕ ንሽልማት ኖቤል ሰላም ከም ዝሓጸየቶ ትጠቅስ። እዚ ኣብ 2025 ኣብ እዋን ቅልውላው ፓኪስታንን ህንዲን ንዝገበሮ "ወሳኒ ዲፕሎማስያዊ ምትእትታው" ኣፍልጦ ንምሃብ ምዃኑ ትዛረብ።
"ፓኪስታን ንትራምፕ ክልተ ቅልጡፍ ዓወታት ሂባቶ። እቶም ዓወታት ንዓኡ ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። ነቲ ዝምድና ምዉቕ ክኸውን እውን ሓጊዞም እዮም፡" ትብል ማሊሃ ሎዲ።
ኩገልማን ወሲኹ፡ "ፓኪስታን ከም ህንዲ ዘይልምዳዊ ዲፕሎማስያዊ ጸወታታት ክትጻወት ድልውቲ እያ።"
ላዕለዎት መራሕቲ ፓኪስታን ንፕረዚደንት ትራምፕ ንምድናቕ ከም ዝሰርሑ'ውን ይዛረብ። "እዚ ኣብ ዋሽንግተን ንዝነበረ ጉዳዮም ብሓቂ ሓጊዝዎም እዩ። ንፓኪስታን ኣብ ቅድሚ እቲ ምምሕዳር ዝያዳ መጎስ ክትረክብን መንጐኛ ክትከውንን እውን ገይርዋ።"
ምስ ኣመሪካ ዘሎ ርክብ ግን ንፓኪስታን ጥራይ ኣይኰነን።
"ፓኪስታን ዞባዊ ዲፕሎማሲ ንምሕላው እቲ ዝበለጸ መንገዲ ምክልኻል ምዃኑ ተገንዚባ እያ፡" ይብል ስዲቒ።
ወሲኹ ድማ፡ "ፓኪስታን ምስ ኢራን ክትዛረብ ዘኽእላ ደረጃ ዘላ ይመስለኒ፡" ኢሉ። "ደጋፊት እስራኤል ዘምስላ ምስሊ የብላን፣ ኣዝያ ደጋፊት ኣመሪካ ኰይና'ውን ኣይትርአን።"
እቲ ዲፕሎማስያዊ ኣኼባታት ይቕጽል እዩ ዘሎ።
ሎሚ ሰሉስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓኪስታን ኢሻቕ ዳር ቻይናዊ መዘናኡ ዋንግ ዪ ብዝገበረሉ ዕድመ ናብ ቻይና ይገይሽ ኣሎ።
ሕጂ'ውን ዓበይቲ ሕቶታት ኣብ ዝባን ፓኪስታን ኣለዉ። ውዕል ሰላም ክሰምር ዘሎ ተኽእሎ ድማ ትሑት ይመስል።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available