ትራምፕ፡ ንኩባ ድሕሪ ኢራን 'ናባኺ እየ' ይብላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኩባ ንኢራን ስዒባ ዒላማ ምምሕዳሩ ምዃና ብምግላጽ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ኣብታ ደሴት ለውጢ ክመጽእ ምዃኑ ከም ዝኣምን ገሊጹ።
ትራምፕ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ኩባ ን24 ሰዓታት ድሕሪ ምቍራጹ ሓደ መዓልቲ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ፕረዚደንት ምስታ ከም ልዮነል ሜሲን ልዊስ ስዋረዝን ዝኣመሰሉ ከዋኽብቲ ዝሓዘት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢንተር ሚያሚ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ንሓደ ካብ ወነንታ ኩባዊ-ኣመሪካዊ ጆርጅ ሞስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ "ነቲ ኣብ ኩባ ዝካየድ ዘሎ ከብዕሉዎ" ምዃኖም ተዛሪቡዎ።
ወሲኹ ድማ ሰበስልጣን ኩባ፡ "ካብቲ ክትግምቶ እትኽእል ንላዕሊ ውዕል ክገብሩ ይደልዩ፡" ኢሉዎ።
ጆርጅ ሞስ ብወገኑ፡ "ዘገርም መዓልቲ ክኸውን እዩ፡" ክብል መሊስሉ።
ትራምፕ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ኩባ ኣብ ቀረባ እዋን ክትወድቕ" ምዃና ብምሕባር፡ መራሕቲ ኩባ ስምምዕ ንምፍጻም ይዛተዩ ከም ዘለዉ፣ ንማርኮ ሩብዮ ክልእኮን እንታይ ከም ዝስዕብ ክርእዮን ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ ቀንዲ ኣተኵሮኦም ኣብ ኢራን ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፡ "ይዅን'ምበር ብዙሕ ግዜ እዩ ዘለና፣ ኩባ ድሕሪ 50 ዓመት ድልውቲ ኰይና ኣላ፡" ኢሉ።
ልክዕ ግዜ እኳ እንተ ዘይገለጸ፡ ካብ ዳሕረዋይ መግለጺታቱ ግን ምምሕዳሩ ንኩባ ከም ቀንዲ ኣካል ዞባዊ ኣጀንዳኦም ብምርኣይ ጸቕጢ ክገብሩላ ከም ዝሓስቡ ርዱእ ይመስል።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ናብ ኩባ ዝኸደሉ ምኽንያት፡ ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ንምዝታይ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ብላዕላዩ ክትምልከቶ ከለኻ፡ እቲ ተኽእሎ ንኡስ ይመስል። እንተዀነ፡ ሎሚ ዓመት ብዙሕ ትጽቢት ዘይተገብረሎም ፍጻመታት እዮም ዝኽሰቱ ዘለዉ።
ኣመሪካ ንፕረዚደንት ቬንዝወላ ነበር ኒላስ ማዱሮ ብ3 ጥሪ ፍሉይ ስርሒት ብምክያድ ኣሲራ ናብ ሃገራ ዘምጽኣቶ ሓደ ግሉሕ ኣብነት እዩ።
ነዚ ስዒቡ ድማ እታ ቀንዲ ዞባዊት መሓዛ ቬንዝወላ ዝዀነት ኩባ፡ ካብ ቬንዝወላ ትረኽቦ ዝነበረት ቀንዲ ምንጪ ዘይተጻረየ ነዳዲ ክትስእኖ ተገዲዳ።
ብሰንኪ ጸቕጢ ትራምፕ፡ ዘጓነፋ ሕጽረት ካብ ከም ሜክሲኮ ዝኣመሰላ ሃገራት ክትሽፍኖ ኣይከኣለትን።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ኣብ መላእ ኩባ ምልክታት ቅልውላው ነዳዲ ይርአ ኣሎ።
ሒደት ካብተን ጓሓፍ ዝእክባ ናይ መንግስቲ መካይን ይሰርሓ ብዘይምህላወን፡ ጓሓፍ ኣብ ጐደናታት ተዀሚሩ ይርአ። ነበርቲ ንጥዕናኦም ብምስጋእ ነቲ ጓሓፍ ስለ ዘንድድዎ ዝስርስር መሪር ዒግታ ትኪ ይፈጥሩ ኣለዉ።
ኣብቲ ብተዛማዲ ሃብታማት ዝነብርሉ ከባቢታት ርእሰ-ኸተማ ሃቫና ከይተረፈ፡ ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ኣብ ዝቋረጸሉ እዋን ብዕንጸይቲ መግቦም የብስሉ ኣለዉ።
ሕጽረት ነዳዲ ንምንቅስቓስ መካይን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ጀነረይተራ ንዘይምጥቃም'ውን ደሪኹ ይርከብ።
ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኩባ ኣብ ዘመነ ሕብረት ሶቭየት ዝተተኽለ ኰይኑ፡ ንጠለባት ዘቤታዊ ሃልኪ ምሉእ ንምሉእ ዘማልእ'ውን ኣይኰነን።
ካብዚ ቀንዲ ምንጪ ኤለክትሪክ ወጻኢ ጸሓያዊ ጸዓት ዝጥቀሙ ውሑዳት ኩባውያን ጥራሕ እዮም።
ትራምፕን ማርኮ ሩቢዮን፡ ኩባ ኣብ ከምዚ ኵነታት ወዲቓ እንከላ ዝያዳ ጸቕጢ ከም ዘሐይሉላ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ፡ ንኩባ ኣብቲ መኣዲ ዘተ ልዕልና ከም ዘይህልዋ ንምግባር ዝሕግዝ ውጥን ክኸውን ይኽእል እዩ።
ተንተንቲ፡ እቲ ኣመሪካ ትኽተሎ ዘላ መንገዲ ንመራሕቲ ዘይኰነ ንተራ ኩባውያን ልዑል ጽልዋ ከም ዘሕድረሎምን ውሽጣዊ ናዕቢ ንምልዕዓል ተባሂሉ ዝተሃንደሰ ክኸውን ከም ዝኽእልን ይነቕፉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኣንጻሩ፡ መንግስቲ ኩባ ነቲ ኣብ መንጎ ምምሕዳር ትራምፕን መራሕቲ እታ ደሴትን ይካየድ ኣሎ ብዛዕባ ዝተባህለ ዘተ ሓቅነቱ ኣየረጋገጹን።
ኣብቲ ኣብ ሃቫና ዝተገብረ ርክብ ብመንገዲ ራውል ጎለርሞ ሮድሪገስ ካስትሮ - ወዲ ሓዉ ንፊደል ካስትሮ - ከም ዝተኻየደ ይንገር።
መንግስቲ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኩባ ወሪዱ ዘሎ ጸቕጢ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ውልቃውያን ትካላት ንንግዶም ዘድልዮም ነዳዲ ካብ ወጻኢ ከእትዉ ዘኽእሎም ውሱናት ሕግታት ኣጽዲቑ ኣሎ።
ኩባውያን፡ እቲ ብውልቃዊ ጽላት ክኣቱ ዝኽእል ነዳዲ ምስ ጠለብ ናይታ ሃገር ኣዝዩ ንኡስ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ቅልውላው ከጓድል ከም ዘይክእል እዮም ዝገልጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ሃቫና ነፈርቲ ነዳዲ ክረኽባ ብዘይምኽኣለን፡ ቀንዲ ሞተር ቍጠባ ናይታ ደሴት ዝዀነ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም እውን ተሃስዩ ኣሎ። ኤየር ፍራንስ ብሰንኪ እዚ ጸገም ናብ ኩባ ዝገብሮ በረራታት ደው ዘበለ ናይ መወዳእታ ኣህጉራዊ መንገዲ ኣየር እዩ።
ኵነታት ኣየር ኩባ ዝሑል ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ሰባት እንተ ወሓደ ብዘይ ኤለክትሪክ ክድቅሱ ይኽእሉ እኳ እንተዀኑ፡ ብርቱዕ ዋዒ ኣብ ዝህልወሉ ወቕቲ ግን ብዘይ መዝሓሊ ከመይ ገይሮም ክሓልፉዎ እዮም ስክፍታታት ኣለዎም።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


