ዝኽሪ ላምፐዱሳ፡ ህይወት ኣማኢት ኤርትራውያን ዝቐዘፈ ህልቂት

ምንጪ ስእሊ, Solomon

መግለጺ ስእሊ, እታ ጃልባ ድሕሪ መዓልታት ዝወሰነ ነዊሕ ጉዕዞ'ያ ኣብ ከባቢ ገምገም ባሕሪ እታ ደሴት ምስበጽሐት ጥሒላ
ንባብ: 2 ደቓይቕ

መበል 12 ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ደሴት ላምፐዱሳ ተዘኪሩ ውዒሉ።

ኣብቲ ኣብ ገማግም እታ ኢጣልያዊት ደሴት ዝተኻየደ ስነስርዓት ዝኽሪ፡ ሰብመዚ መንግስቲ፡ ተሓለቕቲ፡ መሓዙትን ቤተሰብን ግዳያት ተረኺቦም ነይሮም።

ክልዕ ከምዛ ሎሚ፡ 03 ጥቅምቲ 2013፡ ካብ ሊብያ ማእከላይ ባሕሪ ቈሪጾም ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ዝተገበሱ፡ ቆልዑ ዝርከብዎም 368 ኤርትራውያን ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴት ላምፐዱሳ ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝጠሓሉ ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Solomon

መግለጺ ስእሊ, ሓደ ክፉት ኣፍደገ ዘለዎ ንዝኽሪ ግዳያት ዝተሰርሐ ሓወልቲ በሪኽ ቦታ እታ ደሴት ቆይሙ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሬሳታት ግዳያት ናብ ሃገሮም ክምለስ ዝተኻየደ ጻዕርታት ብዘይምስላጡ፡ ኣብ ኢጣልያ ክቕበሩ ከምዝተገደዱ ይዝከር

ምንጪ ስእሊ, Solomon

ምንጪ ስእሊ, Solomon

መግለጺ ስእሊ, ህጻናት ቆልዑ'ውን ግዳያት ናይቲ ዓለም ዘንቀጥቀጠ ዘሕዝን ሓደጋ እዮም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Solomon

መግለጺ ስእሊ, ንዝኽሪ ዝመጹ ኤርትራውያን ተሓለቕቲ ምስ ሰብመዚ ኢጣልያ ተዘራሪቦም

ምንጪ ስእሊ, Solomon

መግለጺ ስእሊ, ህልቂት ላምፐዱሳ ካብ ኣእምሮ ብዙሓት ኤርትራውያን ክሕከኽ ዘይክእል ሓደጋ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Solomon

ምንጪ ስእሊ, Solomon