እስራኤል-ቓዛ፡ መበል 18 መዓልቲ ብስእሊ
መግለጺ ስእሊ, ኣማኢት ሰባት ዝተሳተፍዎ ስነስርዓት ቀብሪ ግዳያት ሓማስ ዝዀና ብሪጣንያውያን-እስራኤላውያን ነበርቲ ናይታ ብዙሓት ዝተቐትሉዋ ኪቡዝ ቢኢር ዝነበራ ኣደን ክልተ ደቃን- ሊያ፡ ክልተ ኣዋልድ ደቃ፡ ኖያን ያሄልንመግለጺ ስእሊ, ብደብዳባት ሰራዊት እስራኤል ዝተደብየ ህይወት ንምድሓን ዝግበር ዘሎ በዳሂ ጻዕርታት ነበርቲ ቓዛመግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ደብዳብ እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተኛት ካሃን ዮንስ ህይወት ንምድሓን ዝረባረቡ ዘለዉ ሰራሕተኛታትን ነበርትን ቓዛ መግለጺ ስእሊ, 'ጽቡቕ ኣሎ ክፉእ ኣሎ' ብምባል ንደቁ መለለዪ በናጅር ክኣስረለን ዝተገደደ ኣቦ ኣብ ቓዛ መግለጺ ስእሊ, መለለዪ በናጅር ዝተኣስረላ ህጻን ቓዛመግለጺ ስእሊ, ኣስማት ናይቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ህጻናት እስራኤል ዝተጻሕፎም 'ቴዲቤራት' ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ፡ ቅርዓት ዲዘንጎፍመግለጺ ስእሊ, ናብ ቓዛ ክኣትዉ ትጽቢት ዝግበረሎም ብታንክታት ዝተሰነዩ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ዶባት ቓዛ ተኣኪቦም ይርከቡመግለጺ ስእሊ, ነቶም ሰብኣዊ ደገፍ ዝህቡ ዘለዉ ወለንተኛታት ዝኸውን መግቢ እናተዳለወ- መዓስከር ስደተኛታት ካሃን ዮንስመግለጺ ስእሊ, ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ክዘራረብ ናብ ተልኣቪቭ ዝኣተወ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑዌል ማክሮን