'ጓለይ ጨወይቲ ብጸድፊ ደርብዮም ኣሰንኪሎምዋ'

ዊልቼር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ሰሜን ሸዋ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ተመሃሪት ሻብዓይ ክፍሊ ዝተፈጸመ ተግባር ንነበርቲ እቲ ከባቢ ዘሕዝን ጥራሕ ዘይኰነስ ዘስግእ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ሓንቲ ጓል 17 ዓመት ቈልዓ ተጨውያ ናብ ገደል ተደርብያ፤ እታ ግዳይ ብህይወት'ኳ እንተተረፈት ዓንዲ ሕቘኣ ተሰይሩ፡ ኢዳን እግራን ምእዛዝ ዘይትኽእለሉ ከቢድ ኣካላዊ መጕዳእቲ እዩ በጺሑዋ።

እዚ ምንጪ ፍርሒ ነበርቲ ዝዀነ ጕዳይ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ጸገም ጸጥታ ኩነታት ጸጥታን ምስኡ ብዝተሓሓዝ ዝሰፍሕ ዘሎ ዘረፋ መንእሰያት ደቀንስትዮ ካብ ትምህርተን ብምስንኻል ንኸቢድ ኣካላውን ስነ-ልቦናውን ጕድኣት የቃልዐን ኣሎ።

ስሙ ክቀዕብ ዝሓተተ ኣቦ፡ በቲ ጨወይቲ ኣብ ልዕሊ ጓሉ ዝተፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ኸቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሓ ተዛሪቡ።

ጓሉ ኣድላዪ ሕክምናዊ ክንክን ክትረክብ ጻዕሪ እኳ እንተገበረ፡ ጥዕንኣ ናብ ንቡር ተመሊሱ ካብ ዊልቼር ተሲኣ ምስ መዛኑኣ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትምለስ ኣይከኣለትን።

ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ እቲ ዞባ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ ከባቢ ቁጽሪ ዝዕጸዋ ኣብያተ ትምህርቲ ይውስኽ ምህላው ብምግላጽ፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ ስክፍታታት ጸጥታን ጭውያ ደቀንስትዮ እናወሰኸ ብምምጽኡ እዩ።

ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ኩዩ ብጨወይቲ ናብ ገደል ዝተደርበየት መንእሰይ ተመሃሪት ኣብቲ ከባቢ ቁጥዐ ፈጢሩ ኣሎ። ብመሰረት ኣቦኣ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ነቶም ገበነኛታት ደፊሩ ናብ ፍርዲ ከቕርቦም ዝፈተነ፡" የለን።

"ጓለይ ብትምህርታ ንፍዕቲ'ያ ነይራ፤ ገበነኛታት ግን ኾሊፎምዋ፡"።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ኣቦ፡ ጓሉ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣብ እትኸደሉ እዋን "ሸውዓተ መንእሰያት ብካራ ኣፈራሪሖም ከም ዝጨወዩዋ፡" ንቢቢሲ ገሊጹ።

"ሽዑ ምስ መማህርታን መምህራናን'ያ ነይራ። እቶም ገበነኛታት ግን ንኹሎም ኣፈራሪሖም ምስ ኣባረሩዎም ንዓኣ ብኣስገዳድ ወሲዶምዋ። ኣብ መገዲ ኣይኸይድን ኢላ ምስ ኣበየቶም ግን ናብ ጸድፊ ደርብዮምዋ፡" ይብል።

እታ ግዳይ ብህይወት እኳ እንተተረፈት፡ ከቢድ ኣካላዊ ስንክልና ግን ገጢሙዋ።

"ነብሳ ኣጥፊኣ ስለ ዝነበረት፡ ሞይታ እያ ኢሎም ቈጽሊ ገይሮም ገዲፎምዋ ከይዶም። እንታይ ከም ዘጋጠመ ምስ ሰማዕና ናብቲ ቦታ ብምኻድ ናብ ሕክምና ወሲድናያ፡" ክብል የረድእ።

መደብር ጥዕና እታ ወረዳ፡ እቲ ዝበጽሓ ጉድኣት ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ስለ ዝዀነ፡ ናብ ሆስፒታል ፍቼ ከም ዝተወስደት ሓቢሩ።

"ኣብኡ'ዉን ኣይተኽኣለን፤ ሕርሻይ ገዲፈ ንዓኣ ከሐክም ከርተት ኢለ። ዝነበረኒ ሃብቲ ክኣ ወዲአ፡"።

ነዚ ገበን ዝፈጸሙ ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዘይኣተውን ኣብ ልዕሊ ስድራኡ ምፍርራሕ ይፍጽሙ ከም ዘለውን እቲ ወላዲ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"የፈራርሑና'ዮም ዘለው፤ ጓለይ ኣብ ዊልቼር'ያ ዘላ። ኣብ ጸገም ኢና ዘለና፡" ብምባል ከቢድ ኣካላዊ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሓ ይረዛብ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ እታ ዞባ ኣቶ ጋሹ ኣክሊሉ፡ ኣብ ትሸዓተ ወረዳታት ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ መብዛሕትኡ ትምህርቲ ከም ዝተሰናኸለ ገሊጹ።

"ደቀንስትዮ ናብ ቤት ትምህርቲ ኣይኸዳን፤ ብሓይሊ'የን ዝዝረፋ። ተኸሲሶም ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝርአ ሰባት ኣለው'ዮም፡"።

ኣብቲ ዞባ 87 ተመሃሮ ካብ ትምህርተን ከም ዝቦኸራ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ፡ እቲ ጸገም ብሰፊሑ ዝርኣየለን ኣብተያ ትምህርቲ ኣብ ወረዳታት ደራ፣ ግራር ጃርሶ፣ ሂዳቡ አቦቴ፣ ሙሌን ወረ ጃርሶ ከም ዝዀነ ጠቒሱ።

"ኣብ ወረዳ ኩዩ፡ ካብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ሓሙሽተ ተመሃሮ ተጨውየን እየን፤ ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ጉለሌ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ ዝተጨውየት ተመሃሪት ኣላ፡" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ "ጾታዊ ዓመጽ በጺሑወን ዝወለዳ ትሕቲ ዕድመ'ዉን ኣለዋ። በዚ ምኽንያት ትምህርተን ኣቋሪጸን እየን፡" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ጓሉ ናብ ጸድፊ ዝተደርበየቶ ኣቦ፡ "ጓለይ ወትሩ ቀዳመይቲ ስለ እትወጽእ፡ ኣብ ዓብዪ ደረጃ ክትበጽሕ'ያ፡" ዝብል እምነት እኳ እንተነበሮ "ሕልማ ተዀሊፉ፡" ብምባል ሓዘን ብዝወረሶ ድምጺ ተዛሪቡ።

"ኣብዛ ሃገር፡ ደቀንስትዮ መሰል ኣለወን እዩ ዝብሃል፤ እንታይ መሰል እዩ ዘለወን? ጓለይ ኣብ ዝተጨወትሉ መዓልቲ ካልኦት ሰለስተ ቈልዑ ተጨውየን እየን። ሰለስአቲን ካብ ሓደ ቤት ትምህርቲ'የን ተጨውየን። መንግስቲ ክሕግዘና ኢና ንደሊ፡" ኢሉ።

ሓላፊ ቤት ትምህርቲ እታ ዞባ ኣቶ ጋሹ፡ እዚ ገበን ብብዝሒ ዕጡቓት ፋኖን ኣባላት ሰራዊት ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ኣብ ዝንቀሳቐሱሎም ከባቢታት ከም ዝዀነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሕጂ፡ 234 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ከም ዝነበራን፡ ክሳብ ሕጂ እተን 96 ከም ዘይተኸፍታን ሓቢሩ።

"መብዛሕትአ ንክኣ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ዝንቀሳቐሱሎም ከባቢታት ዘለዋ እየን፤ እተን ዝተረፋ ድማ ሰራዊት ኦሮሞ ኣብ ዝንቀሳቐሰለን ይርከባ። ካብዚአን ኣብ ወረዳ ዳራ 18 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን ኣለ።ዋ ኣብ ወረዳ ጃርሶ'ዉን ከምኡ። ኣብዘን 96 ኣብተያ ትምህርቲ ዝመሃሩ ዝነበሩ ልዕሊ 14 ሽሕ ተመሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ቦዂሮም'ዮም፡" ኢሉ።