ካብ መርዓ ኣማኢት ክሳብ ዋንጫ ኣፍሪቃ - ናይዚ ሰሙን ውቁባት ኣሳእል ኣፍሪቃውያን

ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝተኻየደ መርዓ ኣማኢት መጻምድቲ ክሳብ ጸወታታት ዋንጫ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ዘሕለፍናዮ ሰሙን ብዙሓት ፍጻመታት ተራእዮም እዮም።

ገለ ካብቶም ካብ 12 ጥሪ ክሳዕ 18 ጥሪ ዘጋጠሙ ፍጻመታት ድማ ብዞም ዝስዕቡ ውቁባት ኣሳእል ተሰኒዶም ኣለዉ’ሞ ተዓደሙታ...

ምንጪ ስእሊ, AMANUEL SILESHI/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ ‘የሺ ጋብቻ’ ኣብ ዝብል ጃምላዊ መርዓ ብኣማኢት ዝቑጸሩ መጻምድቲ ሓዳር መስሪቶም...

ምንጪ ስእሊ, AMANUEL SILESHI/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ ኣብቲ ብሰንበት ዝተኻየ መደብ መርዓ ባህላዊ ቡን ቀሪቡ ነይሩ...

ምንጪ ስእሊ, AMANUEL SILESHI/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ እዚ ገዚፍ ኬክ እውን ካብቶም ኣብ ‘የሺ ጋብቻ’ ዝቐረቡ እዩ

ምንጪ ስእሊ, FRANCK FIFE/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰንበት፡ ብዙሕ ግምት ዘይተወሃባ ኬፕ ቨርደ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ውጽኢት ኣመዝጊባ...

ምንጪ ስእሊ, FRANCK FIFE/AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ምድብ ጸወታ ንጋና 2ብ1 ብምርታዕ ንደገፍታ ኣሰንቢዳ

ምንጪ ስእሊ, KENZO TRIBOUILLARD/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰኑይ፡ ደገፍቲ ብሰኑይ ኣብ መንጎ ኣልጀርያን ኣንጎላን ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ዋንጫ ኣፍሪቃ ኒሕኦም የርእዩ

ምንጪ ስእሊ, ROBYN BECK/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰኑይ፡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ኮሜድያን ትሬቨር ኖዋ ኣብ ኣሜሪካ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ሽልማት ኤሚ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, WILLIAM WEST/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰኑይ፡ ቱኒዝያዊት ኦንስ ጃቡር ኣብ ውድድር ኣውስትራልያን ኦፐን ንዩክሬናዊት ዩሊያ ስታሮዱብሰቫ ረቲዓ

ምንጪ ስእሊ, LUIS TATO/AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰሉስ፡ ወከልቲ ኣገልግሎት እንስሳ ዘገዳም ኬንያ ንሓደ ሓሪሽ ኣህዲኦም ካብ ማይ ኣውጺኦምዎ፤ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ናብ ዝርከብ ሃገራዊ ፓርክ ሎይሳባ ኮንሰርቫንሲ ተወሲዱ ድማ ኣብኡ ዘሎ ብዝሒ ሓሪሽ ንኽብርኽ ይስራሕ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, MOHAMED MESSARA/EPA

መግለጺ ስእሊ, ረቡዕ፡ ሓደ ቱኒዝያዊ ጥበበኛ ኣብ ጻሕሊ ሓጺን ይቐርጽ - እዚ ንዘመናት ዝጸንሐ ልምዲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝርዝር ዘይጭበጥ ባህላዊ ትውፊት ዩኔስኮ ተመዝጊቡ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, ESA ALEXANDER/REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ዓርቢ፡ ሓወልቲ ነፍስሄር ሊቀ ጳጳስ ዴዝሞንድ ቱቱ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ኬፕታውን ተመሪቑ

ምንጪ ስእሊ, AHMAD HASSABALLAH/GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ወዲ 25 ዓመት ግብጻዊ ሓኪም እንስሳታት ዔድ ኣቡ ናጅም፡ ኣብ ራፋሕ ካብ ኲናት ቃዛ ዝሃደሙ እንስሳ ዘቤት ዝሕክመሉ ክሊኒክ ከፊቱ

መሰል ቅዳሕ ኵሎም ኣሳእል ዝተሓለወ እዩ።