6 ዘደንጽዉ ዛንታታት ዝምታ

ምንጪ ስእሊ, Alxpin via Getty

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ኬንያ 2,000 ንግስቲታት ጻጸ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ወጻኢ ንምውጻእ ዝፈተነ ቻይናዊ ኣዘራራቢ ኮይኑ ነይሩ።

ንግስቲታት ጻጸ ዒላማ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ምዃነን ንብዙሓት ዘገረመ ነይሩ።

እቲ ቻይናዊ ነዚ ዝፈተነ ሓንቲ ንግስቲ ጻጸ ጥራይ ክሳብ 220 ዶላር ክትሽየጥ ስለ እትኽእል እዩ።

ዓለምና ኣብ ታሪኽ ዘገርሙ ተግባራት ዘይሕጋዊ ምስግጋርን ዝምታን ርእያ እያ።

ከምቲ መብዛሕትና እንጽበዮ፡ ብዙሕ ግዜ ዒላማ ዝምታ ዝኾኑ ከም ስልማት፡ ኤሌክትሮኒክስ፡ ወይ ድማ ንቡር ጥረ ገንዘብ ዝኣመሰሉ ንብረታት እዮም።

ገለ ሰረቕቲ ግን ኣብ ዘይተለመዱ ነገራት ዓይኖም ከውድቑ ተራእዮም ኣለው።

ገለ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዘገርሙ ተግባራት ዝምታ እቶም ሽዱሽተ ክንነግረኩም።

ጻዕዳ ወርቂ

ዘመተ ጻዕዳ ወርቂ ክንብል ከለና ብሓቂ ብዛዕባ ሓቀኛ ወርቂ ኣይኰንናን ንዛረብ ዘለና።

እቲ ጻዕዳ ወርቂ ዝበሃል ዘሎ ዘርኢ ኣርሓ ብዕራይ እዩ።

ኣብ 2022፡ ለያቡ ኣብ ጀርመን ከተማ ኦልፈን ብዝብል ካብ ዝጽዋዕ ቦታ ሕርሻ ኣብ 60 አቑሑት ዝተዓቘረ ዘርኢ ኣርሓ ብዕራይ ዘሚቶም።

እዚ ተግባር ዘገርም ነገር ክመስል ይኽእል፣ እንተኾነ ዘርኢ ኣርሓ ብዕራይ ዋጋኡ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ብኣርቲፊሻል ኣገባብ ድማ ኣብ ጥሪት ይውዕል።

ሓደ ሚሊሊተር ናይዚ ሓደ ሓደ ግዜ 'ጻዕዳ ወርቂ' ብዝብል ዝፍለጥ ዘርኢ ክሳብ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ፓውንድ ክሽየጥ ይኽእል።

እቶም ለያቡ ተዳልዮም መጺኦም ክዀኑ ኣለዎም፤ ምኽንያቱ እቲ ዘርኢ ምእንቲ ከይበላሾ ኣብ ፈሳሲ ናይትሮጅን ኣብ -196 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ዝኾነ ዛሕሊ ክዕቀብ ግድን እዩ።

ነፍሳት

ምንጪ ስእሊ, Westend61

እቲ ዝምታ፡ ድዱዓት፡ ሳሬታትን ጠባብቕን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ጠቕላላ ግምታዊ ዋጋኡ 50 ሽሕ ዶላር ይኸውን።

እቶም ሰረቕቲ ግን ካብ ገንዘብ ንላዕሊ ካልእ ድርኺት ዝነበሮም ይመስሉ።

ኣብቲ ቦታ ዝተረኸበ ቀንዲ መርትዖ፡ ብኻራታት ኣብ መንደቕ ዝተሸኸሉ ስሩዕ ዩኒፎርም ሰራሕተኛታት እዮም ነይሮም።

እዚ ድማ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ቤተ መዘክር፡ እቶም ጥርጡራት ዕግበት ዝሰኣኑ ወይ ቅሬታ ዝሓደሮም ሰራሕተኛታት ክፍሊ ክንክን እንስሳታት ከምዝዀኑ ንኽድምድም ምኽንያት ኰይኑ።

እቶም ገበነኛታት ግን ክሳዕ ሕጂ መንነቶም ኣይተፈልጠን።

ፊልምታት ራጂታት

ኣብ 2013 ክልተ ሰረቕቲ ካብ ሓደ ሆስፒታል ዲትሮይት 15 ሽሕ ራጂታት ክሰርቁ ተታሒዞም።

እቶም ዝተሰርቁ ፊልምታት ራጂ ኣብ 2005 ስርዓት ናይ'ቲ ሆስፒታል ዲጂታላዊ ቅድሚ ምዃኑ ዝተሰርሑ'ዮም። ፊልም ራጂ ሓቐቕቲ ብሩር ብሮማይድ ዝሓዘ ኮይኑ፡ እቲ ፊልም ናብ ዝርአ ምስሊ ክምዕብል ከሎ ናብ ድነ ኣቶማት ብሩር (opaque silver atoms) ይቕየር።

እቲ ትሕዝቶ ብሩር ምናልባት ነቶም ለያቡ ነቲ ራጂ ንኽሰርቁ ደሪኹ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተኾነ መስርሕ ምውጻእ ብሩር ካብ ፊልምታት ራጂ ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ዝፈለጡ ኣይመስሉን።

ንግዳዊት ነፋሪት

ኣብ 2003 ዝተፈጸመ ስርቂ ነፋሪት ቦይንግ 727-223፡ ዓለማዊ ኣለሻ ንኽካየድ ዝደረኸን ትካላት ስለያ ኣመሪካ ኣብ ልዑል ንቕሓት ክኾኑ ዘገደደን ነይሩ።

እታ ነፋሪት ኣብ ኣንጎላ ካብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ኳትሮ ደ ፌቨረሮ፡ ብሓደ ካብ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝመጸ መካኒክን ሓደ ኣመሪካዊ መሃንድስ በረራን እያ ተሰሪቓ።

እታ ነፋሪት፡ ምስ ምቍጽጻር ትራፊክ ኣየር ርክብ ከይገበረት፡ መብራህታን ትራንስፖንደርን ኣጥፊኣ ተበጊሳ፡ ናብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ገጻ ኣቕኒዓ።

ካብቲ እዋን'ቲ ጀሚሩ እቶም ሰረቕቲ ኣይተራእዩን።

እታ ነፋሪት፡ ወይ ካብኣ ዝኾነ ኣካላታ ተረኺቡ ኣይፈልጥን።

ድራኸኦም ብዘየማትእ መንገዲ ምሉእ ብምሉእ ኣይተረጋገጸን፤ እንተዀነ ሰብመዚ፡ ዝተራቐቐ ውጥን ምትላል መድሕን ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምኑ።

ቆፎታት ኣናህብ

ምንጪ ስእሊ, Jess Lee

ኣብ 2017 ኣብ ካሊፎርንያ ካብ ሓደ ኣንሃባይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ቆፎታት ኣናህብ ተሰሪቖም።

ንህቢ መዓር፡ በቲ ኣብ ካሊፎርንያ ዝዓቢ ዝነበረ ንግዳዊ ሕርሻ ኣልሞንድ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣገልግሎት ጽግያ ልዑል ዋጋ ነይርዎም።

እቲ ኣብቲ ዘመተ መሪሕ ጥርጡር ዝነበረ፡ ኣብ መላእ እታ ግዝኣት ካብ ዝርከቡ ሕርሻታት ዝተወስዱ 2500 ዝተሰርቁ ቆፎታት ሒዙ ተረኺቡ።

እዚ ድማ ብገምጋም 875 ሽሕ ዶላር ይግመት።

ኣንሃብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መሳርሒታቶም ፍሉይ ምልክት ስለዝገብሩ፡ ሰበስልጣን ነቲ ዝተሰርቀ ንብረት ከለልዩ ሓጊዝዎም።

ወርቃዊ ባዞ ዓይነ-ምድሪ

ኣብ ዓባይ በሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ብሌንሃይም ካብ ወርቂ ዝተሰርሐ ባዞ ዓይነ-ምድሪ ነይሩ።

እዚ ዓይነ-ምድሪ 98 ኪሎ ይምዘን፣ ዋጋኡ ድማ 4.8 ሚልዮን ፓውንድ ይግመት።

እቲ ዓይነ-ምድሪ ከም ኣካል ናይቲ ብኢጣልያዊ ስነጥበባዊ ማውሪዝዮ ካቴላን ዝተኻየደ ምርኢት እዩ ኣብቲ ውርዙይ መንበሪ ተተኺሉ።

'ኣመሪካ' ብዝብል ኣርእስቲ ድማ ንምርኢት ይቐርብ ነይሩ።

እንተኾነ ኣብ 2019 ካብቲ ቤተ መንግስቲ ተሰሪቑ።

ኣብ 14 መስከረም እቲ ዓመት፡ ሓሙሽተ ሰባት ናብቲ ቤተ መንግስቲ ሰቢሮም ብምእታው፡ ነቲ ዓይነ-ምድሪ ፈንቂሎም ኣውጺኦም ብዝተሰርቀት ቮልክስዋገን ተዓዚሮም።

ብድሕሪኡ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ ነቲ ገበን ብምፍጻም ተፈሪዶም።