እቶም ንዓሳ ነባሪ ዝበልዑ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ዝርከቡ ዘደንጽው ፍጥረታት

ምንጪ ስእሊ, A Glover and T Dahlgren
ዓሳ ነባሪ ዓበይቲ እንስሳት ውቅያኖስ እዮም። ክብደቶም ክሳብ 150 ቶን ኮይኑ ነዚ ኩሉ ነብሲ ተሰኺሞም ክንቀሳቐሱ ኣይይጽገሙን።
መብዛሕትኡ ግዜ ዓሳ ነባሪ ካብ ባሕሪ ርሒቘም ይሞቱ።
ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ሰፊሕ ናይ ስደት መንገድታቶም ከም ዝሞቱ ድማ ኣብ ሳንዲያጎ ካሊፎርንያ ኣብ ዝርከብ ስክሪፕስ ኢንስቲትዩት ኦፍ ኦሽኖግራፊ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከቡ ዓንዲ ሕቖ ዘይብሎም እንስሳታት ዝከታተል ግረግ ራውስ ይገልጽ።
ኣብ መጀመርታ እቲ ሬሳ ዓሳ ነባሪ፡ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ጋዛት ከም ባሉን ክንፋሕ ስለ ዝገብር ኣብ ውቅያኖስ ጸብለል ክብል ይኽእል እዩ።
ድሕሪኡ እቲ ዓሳ ነባሪ ይጥሕል – ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ናይ መወዳእታ መዕረፊኡ ዝዀነ ጸልማት ዓዘቕቲ ይበጽሕ።

ምንጪ ስእሊ, Alex Dawson
ዓሳ ነባሪ ድሕሪ ሞቱ፡ ገዚፍ መግቢ ደሴት ብምዃን ህይወት ይህብ።
መብዛሕትኡ ግዜ መኣዛታቱ ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ከም ደቀቕቲ ኦርጋኒክ ንጥረ ነገራት ኰይኖም እዮም ዝበጽሑ።
እዚ ኸኣ በረድ ባሕሪ ተባሂሉ ይፍለጥ።
ዓሳ ነባሪ ናብ ትሕቲ ባሕሪ ምስ ዝጥሕል ግን፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ናብ ዓሚቕ ውቅያኖስ ንምብጻሕ "ዝዓበየ ኦርጋኒክ እታወት" ምዃኑ ይንገር።
ሓደ ዓሳ ነባሪ ምስ ናይ ሓያሎ ኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ በረድ ባሕሪ ማዕረ ክኸውን ይኽእል እዩ - ልግሱ ድማ ንዓሰርተታት ዓመታት ንሓደ ምሉእ ስርዓተ መሓድሮ ክምግብ ይኽእል።
መጀመርታ ዝመጽኡ በላዕቲ ሬሳ
እቶም ቀዳሞት፡ "ማሕበረሰብ ምጽራይ ዓሚቕ ማይ" ዝበሃሉ ምዃኖም ኣብ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ተመራማሪ ስነ-ህይወት ዓሚቝ ባሕሪ ኣድሪያን ግሎቨር ይዛረብ።
እዚ ድማ "ከም ሃግፊሽን ስሊፐር ሻርክን ዝኣመሰሉ ዓንዲ ሕቘ ዘይብሎም እንስሳታት፡ ከምኡ'ውን ብዙሓት ስካቬንጂንግ ኣምፊፖድስ - ከም ሽሪምፕ ዝኣመሰሉ ቅራፍ እንስሳታት ዘጠቓልል እዩ። ነቲ ስጋ ይበልዕዎ፡ ነቲ ዓጽሚ ድማ ግሂጾም ይገድፉዎ።"
እዚ "ምዕራፍ ሞባይል ስካቬንጀር" ንዓመታት ክጸንሕ ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ሃግፊሽ እቶም እንኰ ዝፍለጡ ህያዋን እንስሳታት ኰይኖም፡ ሽክና ርእሲ ዘለዎም ግን ከኣ ዓንዲ ሕቘ ዘይብሎም እዮም።
እዞም ዓሳታት፡ መጀመርታ ገጾም ናብ ውሽጢ ዝበልዑዎ መግቢ ኣእትዮም፡ ካብ ውሽጢ ንደገ ይበልዑ።
ሃግፊሽ ፍሉይ ዝዀነ ናይ ነብሰ ምክልኻል ሜላ ኣለዎም።
እዚኦም ምስ ዝጥቅዑ፡ ኣጥቃዓይ ክሃድም ወይ ክዕበስ ዝገብር ንፋጥ (mucous) ይተፍኡ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
እዚ ጭራ ዘለዎ ዓሳ ክሳብ ሓደ ሜትሮ ንውሓት ክዓብን ክሳብ 4,000 ሜትሮ ዕምቆት ኣብ በዘለዎ ማያዊ ኣካል ክነብርን ይኽእል።
እዚ ኣብ ታሕቲ፡ ካብ ጸሓይ ኣዝዩ ርሒቑ ዝነብር እንስሳ፡ እቲ እንኰ ዝረኽቦ ብርሃን ብህያዋን ፍጥረታት እዩ ዝስራሕ - እተን ዓበይቲ ሰማያዊ ኣዒንቱ ድማ ዋላ ነቲ ዝሃድኖ ደቀቕቲ ብልጭታታት ይፍንዋ።
ኣብ መንኵብ እዚ ዓሳ ዝርከቡ ኣሻዅ ጽፍሪ ዝመስሉ ነገራት፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ጭቃ ዝመልኦ ምድሪ ውቅያኖስ ተሓቢኦም ክዀኑ ዝኽእሉ ሓሰኻታት ዝዀነ ምንቅስቓስ ክገብሩ እንከለው ንምስማዕ ይሕግዞም።
ንቑሕ ናይ ምሽታት ዓቕሚ እኳ እንተሃለዎም፡ እቲ ነዊሕ ጭራኦም ናብ ከም ሬሳ ዓሳ ነባሪ ዝኣመሰለ ዝበስበሰ ስጋ ዝወስድ መንገዲ ንኽረክብ ይሕግዞ።
እቶም በለጸኛታት በላዕቲ
እቶም ዓበይቲ በላዕቲ ከብዶም ምስ መልአ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ምስ መጸዩዎ፡ ንኣሽቱ ተመገብቲ ይመጽኡ።
"ኦሰዳክስ - እቶም 'ኣዕጽምቲ ዝበልዑ ሓሳኹ' - ብብዝሒ እዮም ዝመጽኡ፡" ይብል ሮውስ።
ኦሰዳክስ ሓደ ዓይነታት ፖሊቸይት ዝበሃሉ ናይ ባሕሪ ሓሰኻ እዮም።
እዚኦም ሰብነቶም ጸጉሪ መሳሊ ዝመልአ ጨጓር ሓሰኻ ተባሂሎም ዝፍለጡ ኰይኖም፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናብ ትሕቲ ውቅያኖስ ዝጠሓሉ ዝሞቱ ዓሳ ነባሪ ኣብ ዝነብሩሉ ከባቢ፡ ብዓይኖም ዝተፈላለዩ ሓሳኹ ኦክሳደስ ይርከቡ።
ገለ ካብቶም "ምብልጻግ በለጸኛታት" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ደረጃ ዘለው ዓይነታት እንስሳታት፡ ኣብቲ ዓሳ ነባሪ ዝወደቐሉ ቦታ ይበጽሑ።
እዚ ደረጃ ካልኣይ ምዕራፍ ስነ ማሕድሮ ዝሞተ ዓሳ ነባሪ ኰይኑ፡ ብግምት ካብ 1 ክሳብ 4 ዓመት ይጸንሕ፤ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንኣሽቱ ህይወታውያን ድማ ኣብ ኣዕጽምትን ኣብ ዙርያ እቲ ብመኣዛታት ዝሃብተመ ዝግ ዝብለ ፈሳስን ይመልኡ።

ምንጪ ስእሊ, Adrian Glover
"ዓጽሚ ዝበልዕ ስኖት-ፍላወር" - ኦሰዳክስ ሙኮፍሎሪስ - ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2005 ኣብ ሬሳ ዓሳ ነባሪ ዝተረኽበ ሓሰኻ እዩ።
እዞም ዓጽሚ ዝበልዑ ሓሳኻ፡ ናብቲ ዓጽሚ ኣሲድ ይተፍኡ።
እዚ ልክዕ "መዓንጣኦም ኣብ ውሽጢ ዓጽሚ ኣእትዮም ብቐጥታ ነቲ ዝደልወዎ ከም ምውሳድ'ዩ - ኣዝዩ ዝገርም'ዩ፡" ይብል ግሎቨር።
ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት፡ ሓደ ምሉእ ዓሌት እዚ ሓሰኻ ኣብ ልዕሊ ዝሞተ ዓሳ ነባሪ ይዓቢ፡ ይነብርን ይመውትን።
ኩሉ እቲ ዓጽሚ ምስ ተበልዐ፡ ቅድሚ ምሟቶም፡ ኦሰዳክስ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሬሳ ዓሳ ነባሪ ንኽሰፍር ተስፋ ብምግባር ኣብ ውሕጅ ውቅያኖስ ዝጓዓዙ ላርቫታት ይለቅቑ እሞ፡ ምሉእ ዑደት ከም ብሓድሽ ይጅምሩ።
"ነቲ ዓጽሚ ካልሲየም የውጽእዎ፡ ናብ ኮላጅን -ዝበዝሐ ፕሮቲን - ይበጽሑ" ይብል ሮውስ።
"ድሕሪኡ እቲ ዓጽሚ ኣዝዩ ሰፍነግ -ፎኪስ- ዝመስል ኰይኑ፡ ብካራቢንን ካልኦት በላዕቲ ሬሳን ክብሳዕ ይኽእል።"

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ካብቲ ሬሳ ኦርጋኒክ ነገራት ይፈስስ እሞ ነቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ትሕቲ ባሕሪ ብመኣዛታት የህብትሞ።
ሕጂ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዕድለኛ ወይ በለጸኛ ሓሳኹ፡ ዘይዓጻማትን ኣብ ማይ ዝነብሩ ተሪር ድርዒ ዘሎዎም ጉጅለ እንስሳታትን፡ ዝዀነ ተረፍ ስብሒ ዓሳ ወይ ስጋ ንክጣጥሙን፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዘሎ ድዅዒ ንኽሽርሽሩን ይመጽኡ።
ጃፓኒዝ ስፓይደር ክራብ ክሳብ 100 ዓመት ዝነብር ኰይኑ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ክዕቅርቢት ባሕሪ'ዩ።
ቀንዲ ኣካላቱ ክሳብ 30 ሴንቲ ሜትር ስፍሓት ክዓቢ ይኽእል'ዩ።
እግሩ ግን እናዓበየ ይኸይድ፤ ክሳብ 3.8 ሜትር ክዝርጋሕ ይኽእል - እዚ ዳርጋ ንውሓት ንእሽቶ መኪና እዩ።
ኣብ ማእከል ዝሞተ ዓሳ ነባሪ ምጕዓዝ
እቶም በላዕቲ ሬሳ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ዝሕይኽሉ እዋን፡ ዝያዳ ፍሉያት ዝዀኑ ተመገብቲ ናብቲ ድግስ ይጽንበሩ - ክሳብ 50 ዓመት ድማ ይበልዑ።
እዚ ሳልፎፊሊክ – ወይ ሳልፈር ዝፈቱ – እዩ።
ባክተርያ ነቲ ኣዕጽምቲ እናድቀቘ ምስ ከደ፡ ሃይድሮጅን ሳልፋይድ ይለቐቕ።
እዞም ጋዛት ብኬሞሲንተቲክ ኦርጋኒዝምስ - ኣብ ክንዲ ብርሃን ጸሓይ ከም ሃይድሮጅን ሳልፋይድ ወይ ሚቴን ተጠቂሞም ጸዓት ዘፍርዩ ባክቴሪያ- ይፈጥሩ።

ምንጪ ስእሊ, Phillipe Crassous/ Science Photo Library
ኬሞኦቶትሮፍስ ካብ ኬሚካላዊ ምብልዕላዕ ጸዓት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ህይወታውያን ኰይኖም፡ እዚ መስርሕ እዚ ብኬሞሲንተሲስ ይፍለጥ፤ ብኣንጻሩ ኣትኽልቲ ፎቶሲንተሲስ ንምፍራይ ብርሃን ጸሓይን ካርቦን ዳይኦክሳይድን እዩ ዘድልዮም።
እዞም ኬሚካል ዝበልዑ ማይክሮብስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቶም ዓንዲ ሕቘ ዘይብሎም ኣአንገድቲ ጥቡቕ ናይ ሓባር ዝምድና ይፈጥሩ፣ እዚ ድማ ዳርጋ ኩሉ ዘድልዮም መግቢ ይህብዎም።
"በዞም ዘደንቑ፡ ፍልይ ዝበሉ፡ ኣብ ዘይተለምዱ ከባቢታት ዘገርም ምትዕጽጻፍ ዘለዎምን... ብቐጻሊ ንግረም ኣለና፡" ይብል ግሎቨር።
ኬሞኣውቶትሮፍስ ኣብ ኣርባዕተ ፍሉያት መነባብሮታት ዓሚቝ ባሕሪ ጥራይ ይርከቡ - መውጽኢ ሃይድሮተርማል፡ ዝሑል ቦታ ውቅያኖስ ፡ ዝወደቐ ዕንጸይቲን ዝሞተ ዓሳ ነባሪን።
ሕጂ፡ ዝሞተ ዓሳ ነባሪ ንፍሉያት እንስሳታት ኣብቲ መብዛሕትኡ ግዜ ምድረበዳ ዝዀነ ምድሪ ውቅያኖስ ክዝርኡ ከም መሰጋገሪ ኰይኑ ከም ዘገልግል ክኢላታት ይዛረቡ።
ዓሳ ነባሪ፡ ብህይወት እንከሎ ንውቅያኖሳት ድኹዒ ብምዃን ካርቦን ናብ መዓሙቕ ይወስድ።
እዚ ድማ ውቅያኖስ ብህይወት ክመልእን ክሊማ ዝሑል ንኽኸውንን ይሕግዝ።
ሓደ ዓሳ ነባሪ ኣብ ሞት ንዓሰርተታት ኣሽሓት ውልቀ-እንስሳታት ባሕሪ መግቢ፡ መነባብሮ፡ ከምኡውን ኣብቲ ዝኸበደ ከባቢታት ንኽስስኑ ዕድል ክህቦም ይኽእል እዩ።
ንመሬት ዝህቦ ናይ መወዳእታ ህያብ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ስነ-ማሕድሮ እዩ።












![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


