ኲናት ኢራን፡ ዋጋ ቢራን ዕሹግ ማይን ክኸብር ከም ዝገብር ትፈልጡ ዶ?
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዕዳጋ ኣብ ዝቐርብ ዕሹግ ማይ ጽግዕተኛ ምዃን ኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት እዩ ዝሓትት። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ገጠር ንዝርከቡ ሰባት ዝኸበደ ይኸዉን።
ግን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ህንዲ ብፍላይ ኣብ ሓጋይ ብሰንኪ ሕጽረት ማይ፡ ብከላ ማይ ትሕተ-ምድሪን ክፍተት ትሕተ-ቅርጽን ዝኣመሰሉ ምኽንያታት ተበጻሕነት ጽሩይ ዝስተ ማይ ብድሆ ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ብመሰረት መጽናዕቲ ዳታ ፎር ህንዲ፡ ኣስታት 15% ካብ ነበርቲ ከተማን 6% ካብ ነበርቲ ገጠርን፡ ንመስተ ዝውዕል ማይ ካብ ዕዳጋ ወይ ዝተዓሸገ ፕላስቲክ እዮም ዝጥቀሙ።
ኣብዚ እዋን ህንዳውያን፡ ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ሙቐት ልዕሊ 45 ዲግሪ ሴልሽየስ ክበጽሕ'ዩ ተባሂሉ ትጽቢት ስለ ዝግበር፡ ነዚ ግዜ ክጻወሩ ዝሕግዞም ነገራት የዳልው እዮም ዘለዉ።
እቲ ምስ ኢራን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ግን ድሮ ነቲ 6 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ኢንዱስትሪ ዕሹግ ማይ ህንዲ ኣብ ውጥረት የእትዎ ኣሎ፤ ኣፍረይቲ ወሳኒ ጥረ ነገራት ንምርካብ ይጽገሙ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መራሒ ዕዳጋ ቢስለሪ፡ ዋጋታት ብ11% ብምውሳኽ፡ 12 ነናይ ሓደ ሊትሮ ማይ ትሕዝ ዕሽግቲ ብ24 ሩፒ ($0.26) ክሸይጥ ጀሚሩ። ከም ቤይሊን ክሊር ፕሪምየም ዋተርን ዝኣመሰሉ ትካላት እውን ዋጋኦም ከም ዝወሰኹ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
ትካላትን ኣፍረይቲ ዕሹግ ማይ፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ኲናት፡ ሓደ ወሳኒ ቀረብ ንብዙሓት ህንዳውያን ኣዝዩ ክኸብሮም ክገብር እዩ ክብሉ የጠንቅቑ ኣለዉ።
ኣስታት 20% ካብ ነዳድን ፈሳሲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝን ዓለምና መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ሕጂ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ብኢራን ተዓጽዩ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ይሓልፍ። ኣብ ዓለማዊ መጓዓዝያ መራኽብ ዝተራእየ ምዝንባዕ፡ ዋጋ ነዳዲ ክብ ክብል ገይሩ።
ውሽጣዊ ጠለብ ንምምላእ ካብ ወጻኢ ኣብ እተእትዎ ነዳድን ጋዝን እትምርኰስ ህንዲ፡ እቲ ጸቕጢ ድሮ ክስምዓ ጀሚሩ ኣሎ።
ፕረዚደንት ማሕበር ኣፍረይቲ ዕሹግ ማይ ማሃራሽትራ ቪጃይሲን ዱባል፡ እቲ ቀንዲ ዕሹግ ማይ ክቡር ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ዋጋታት ዘይተጻረየ ነዳዲ እናወሰኸ ብምምጽኡ ምዃኑ ይገልጽ።
ዋጋ ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ብሬንት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ንሓጺር እዋን 119 ዶላር ከም ዝበጽሐን፡ እዚ ድማ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ።
ዘይተጻረየ ነዳዲ፡ ፖሊኢቲሊን ቴረፍታሌት (PET) - ተጣሒኖምን ቀሊጦምን ዝሓልፉን ቅርጺ ዘይሓዙ ፕላስቲክ - ንምስራሕ ይውዕል። እዞም ፕላስቲክ መመርመሪ ቱቦ ዝመስሉ ቅድመ-ቅርጺታት፡ እቲ ዝድለ ቅርጽን ዓቐንን ክሕዙ ናብ ዝገብሩዎም ኣፍረይቲ መዐሸጊ ማይ ይሽየጡ።
"ዋጋ ቅድመ-ቅርጺ ንሓደ ኪሎ ካብ 115 ሩፒ ናብ ኣስታት 180 ሩፒ ደይቡ። ቀረብ ሕጽረት'ውን ኣሎ፡" ይብል ዱባል፡ ኣስታት 20% ካብተን ኣብ ግዝኣት ማሃራሽትራ ዝርከባ ትካላት ምፍራይ ጥርሙዝ ንግዚኡ ስራሕ ከም ዝዓጸዋ ይዛረብ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገለ ኩባንያታት ዋጋታት ክውስኹ እንከለዉ፡ ዱባል ግን ብዙሓት ትካላትን ሸየጥትን ክሳብ ሕጂ ዋጋ ከም ዘይወሰኹ ይዛረብ። ስለዚ፡ ዋጋ ሓደ ሊትሮ ዝስተ ማይ፡ ብኣስታት 20 ሩፒ ዝሽየጥ፡ ሓሙሽተ ሊትሮ፡ ኣስታት 60-70 ሩፒ ዝሽየጥ ዝነበረ ዳርጋ ብዙሕ ኣይቀየረን።
"ተወሳኺ ወጻኢታት ምስካም ግን ንኹባንያታት ዘላቒ ኣይኰነን። ነገራት እንተገዲዶም፡ ዓማዊል ነቲ ጾር ክስከሙ ተኽእሎ ኣሎ፡" ይብል።
ወሲኹ ድማ፡ ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን - ኣብ ህንዲ ዝለዓለ ሙቐት ዝርኣየሉ - ጠለብ ዕሹግ ማይን ኣልኮል ዘይብሎም መስተታትን ይውስኽ ስለ ዘሎ፡ እቲ ጸቕጢ ቀረብ ኣብ ዝኸፍአ እዋን ከም ዝመጽአ ይዛረብ።
ዳይረክተር ኣብ ህንዲ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ኣቕረብቲ ፒኢቲ ፕሪፎርም ዝዀነ ኬምኮ ፕላስቲክ ኢንዱስትሪስ ፕራይቬት ሊሚተድ ቫይባቭ ሳራኦጊ፡ ወሰኽ ዋጋ መዐሸጊ ማይ ጥራይ ዘይኰነስ ንመላእ እቲ ኢንዱስትሪ ጽልዋ ከም ዘሕድር ይዛረብ።
ስፍሓት ዕዳጋ መዐሸጊ ፒኢቲ ህንዲ ኣብ 2024 1.5 ቢልዮን ዶላር ኰይኑ፡ ኣብ 2033 ድማ 2.2 ቢልዮን ዶላር ክበጽሕ ትጽቢት ይግበር። ብዘይካ ዕሹግ ማይን መስተታትን፡ መዐሸጊ ፒኢቲ ኣብ ከም ጽባቐ፡ መድሃኒትን ዋላ'ውን ኣብ ቤት መግብታትን ኣወሃህባ መግብን ዝኣመሰሉ ኢንዱስትሪታት'ውን ብሰፊሑ ይጥቀሙሉ።
ፍርያት ጥርሙዝ ብርጭቆ እውን ጾር ናይቲ ኲናት ይበጽሖም ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ማሕበር ሰራሕቲ ቢራ ህንዲ - ከም በዓል ሀኒከንን ካርልስበርግን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዓለማውያን ሰራሕቲ ቢራ ዝውክል - ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋጋታት ጥርሙዝ ብኣስታት 20% ከም ዝወሰኸን፡ ኣባላቱ ኩባንያታት ድማ ዋጋ ቢራ ካብ 12-15% ወሰኽ ክገብራ ከም ዝሓተታን (ዋጋታት ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ህንዲ ብዝተፈላለዩ ግዝኣታት ብዝተፈላለየ መንገዲ ይምራሕ) ሓቢሩ።
ኮንፈደረሽን ኩባንያታት ኣልኮላዊ መስተ ህንዲ እውን ዋጋታት ክውስኹ ናብ ግዝኣታት ከም ዝጸሓፈ ገሊጹ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቪቶብ ሸት፡ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ቪትሩም ግላስ ዝተባህለ ፍሉጥ ኣፍራዪን ዕዳጋን ጥርሙዝ ኣምበር ብርጭቆ - ብዓቢኡ ፋርማስን ኩባንያታት ቢራን ዝጥቀሙሉ ጥርሙዝ ሕብሪ ዘለዎም ምህርታት - እዚ ወሰኽ ዋጋ ውጽኢት ናይቲ ምልውዋጥ ቀረብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ምዃኑ ይዛረብ።
ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ኣፍረይቲ ብርጭቆ ንእቶኖም ንምርሳን ይጥቀሙሉ፣ እዚ ድማ ሑጻ፡ ሶዳ ኣሽ፡ ኖራን ዳግማይ ዝተጠቕመሉ ብርጭቆን ብምምካኽ፡ ቅርጺ ጥርሙዝ ክሕዙ ይገብር።
ህንዲ ግን እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ንመምርሒታት ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ኣትሪራቶም'ያ፤ ንውሽጣዊ ኣጠቓቕማን ገለ ንግዳዊ ኢንዱስትሪታትን ዝኸውን ቀረብ ቀዳምነት ክወሃብ ገይራ ኣላ።
ሸት፡ ቀረብ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ብ20% ስለዝነከየ፡ ኣፍረይቲ ብርጭቆ ኣጸጋሚ ከም ዝዀነ ይዛረብ። ገሊኦም ከም ቪትሩም ግላስ ዝኣመሰሉ ነቲ ሕጽረት ነዳዲ ንምኽሓስ ነዳዲ ይጥቀሙ ኣለዉ፡ እንተዀነ እቲ ልዑል ወጻኢታት ዘይተጻረየ ነዳዲ ንዋጋታት ምፍራይ ይውስኽ ኣሎ።
መንግስቲ ህንዲ ቀረብ ጸዓት እታ ሃገር ርጉእ ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ሓያሎ ንግዳዊ ቦታታት ኣብያተ መግቢ፡ ብሰንኪ ሕጽረት መብሰሊ ጋዝ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ተዓጽየን ኣለዋ። እቲ ቅልውላው ቀረብ ጸዓት ኣብ ኢንዱስትሪታት ሴራሚክስን ድኹዒን ህንዲ እውን ጽልዋ ከሕድር እንከሎ፡ ኢንዱስትሪ ኣቬሽን ድማ ብሰንኪ ሰማይ ዝዓረገ ዋጋ ነዳዲ ነፈርቲ ተጸልዩ ምሀላው ይግለጽ።
"እቲ ኵነታት ከቢድ'ዩ። ከም ማይን መድሃኒትን ዝኣመሰሉ ነገራት ኣገደስቲ ኰይኖም፡ ዋላ'ውን ቅሩብ ምንካይ ቀረብ ዓቢ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል'ዩ፡" ክብል ሸት ተዛሪቡ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available