ብሰንኪ 'ወርሓዊ ጽግያት' ክዳውንታ ዝተጸየቐ ኣባል ባይቶ ኬንያ ካብ ኣኼባ ተሰጒጋ
ምንጪ ስእሊ, @AbdulahiAdan10
ብሰንኪ 'ወርሓዊ ጽግያት ዝተጸየቐ' ጻዕዳ ምሉእ ልብሲ ለቢሳ ዝነበረት ኣባል ባይቶ ኬንያ፡ ካብ ኣኼባ ባይቶ ተሰጒጋ።
ኣባል ናይቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ልፍንቲ ዝዀነት ግሎርያ ኦርዎባ፡ ኣብቲ ንሎሚ ረቡዕ ዝካየድ ኣኼባ ንደቂ ኣንስትዮ፡ መናጽሂ ብነጻ ክቕረብ ዝጠልብ እማመ ክተቕርብ ወጢና ክትንቀሳቐስ እያ ጸኒሓ።
ብሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ፡ ወይዘሪት ኦርዎባ “ብግቡእ ኣይተኸደነትን” ዝበሉ ኣባላት እቲ ባይቶ ዝተፈላለየ ድምጺ ብምስማዕ ክርብሹ እንከለው ንኣቓልቦ እቲ ኣፈጉባኤ ክረኽቡ ክኢሎም ኣለው።
ወይዘሪት ኦርዎባ ግና፡ “ሓንቲ ሰበይቲ ወርሓዊ ጽግያታ ስለ ዝመጽኣ ጥራይ፡ ነቲ ባይቶ ኣነዊራ ኢልካ ምዝራብ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ” ኢላ።
ኣፈ ጉባኤ፡ ኣማሶን ኪንጊ፡ እታ ኣባል ባይቶ ክትወጽእን ክዳውንታ ቀይራ ክትምለስን ኣዚዙ።
“ኣብ ወርሓዊ ጽግያት ምህላው ገበን ኣይኰነን. . . ወይዘሪት ግሎርያ፡ ተፈጥሮ ብዝዓደለኪ መስርሕ ጽግያት ትሓልፊ ከም ዘለኺ እርድኣልኪ እየ። ብሉጽ ልብስኺ ተጸዪቑ ኣሎ፤ ዘይተጸየቐ ክዳን ለቢስኪ ምእንቲ ክትምለሲ ክትወጺ እእዝዘኪ ኣለኹ፡” ኢሉ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post
እታ ኣባል ባይቶ ካብቲ ህንጻ ምስ ወጽአት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፡ “ጠቐነታት ጽግያትን ድኽነት ጽግያት ከብቅዕ ንቃለስ ኣለና። ሓደ ካብ’ቶም ዝጉስጉሰሉ ዘለኹ ጉዳያት፡ ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ብነጻ መናጽሒ ክረኽባ ዘኽእለን ሕጊ ንምጽዳቕ እዩ” ኢላ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available