ኲናት ኢራን፡ 'ንቻይና ናብ ዘይርግኣትን ንመደባታ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእቱን ተኽእሎ ኣሎ'

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዢን ፒጂንግ ኣብ ፓሪስ ጋዜጣዊ መግለጺ እናሃብ [6 ግንቦት 2024]
ንባብ: 5 ደቓይቕ

እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵናት ክሳብ ሕጂ ንቻይና ዝሸልበባ ኣይመስልን፣ እቲ ትኪ ግን ክጨንዋ ጀሚሩ ኣሎ።

ንሓጺር እዋን እንተ ርኢና፡ ቻይና ንነዊሕ እዋን ከጽንሓ ዝኽእል ነዳዲ ስለ ዘለዋ ዘሻቕል የብላን፡ ኣጋንኣ ክውዳእ እንተ ጀሚሩ ከኣ ካብ ሩስያ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል'ያ።

ኣብ ነዊሕ እዋን እንታይ ጽልዋ ከሕድረላ ከም ዝኽእል ትቕምሮ ኣላ።

በቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዋ ጽልዋ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንከላይ በቲ ዘለዋ ንነዊሕ ዝዓለመ ጥሙሕ።

ኣብዚ ሰሙን ኣሽሓት ወከልቲ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ኣብ በይጂንግ ብምርኻብ ብዛዕባ እታ ካብ ዓለም ብቝጠባ ካልኣይቲ ዝዀነት ሃገሮም ናይ መጻኢ ውጥናት ክሕንጽጹ'ዮም።

ቻይና፡ ብሓሙስ ካብ 1991 ንመጀመርታ ግዜ ዓመታዊ እተመዝግቦ ዕቤት ኣትሒታቶ ኣላ።

ንዝሓለፈ ዓመታት ቻይና ምስ ኣመሪካ ኣብ ርሱን ቅጠባዊ ኲናት'ያ ተጸሚዳ ዘላ፣ እዚ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ኵናት ተወሲኽዎ ከኣ ቍጠባኣ ክህሰ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ ዓመታዊ ከተመዝግቦ እትኽእል ዕቤት ከም ዘጕደለቶ'ዩ ዝእመን።

እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ግዜ እንተ ወሲዱ ዝያዳ ክትህሰ ትኽእል'ያ፣ ብፍላይ ከኣ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ከምዚ ሕጂ ዘለዎ እንተ ዓጽያቶ።

ፊል ሸትለር ጆንስ ካብ ኢንስትቲትዩት ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስ፡ "እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዘይምርግጋእን ስእነት ጸጥታን ግዜ እንተ ወሲዱን ንቻይናን ነተን ምስ ቻይና ጥቡቕ ርክብ ዘለወን ካልኦት ዞባታትን ክጸልወን'ዩ፡" ይብል።

ኣስዒቡ፡ "ንኣብነት ቍጠባ ኣፍሪቃ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ካብ ዝረኽቦ ቀረባት ዝምርኰስ'ዩ፣ ግዜ እንተ ወሲዱ ግን ነቲ ቻይና ኣብ ንነዊሕ ዝዓለመ መደባታ ክጸልወላ'ዩ፡" ብምባል የብርህ።

እዚ ግን ነቲ ቻይና ኣብ ማእከላይ ምበራቕ ዘለዋ ወፍሪ ጥራይ ዝጸሉ ኣይኰነን። እቲ ቻይና ካብ ማእከላይ ምብራቕ ወጻኢ ዘለዋ ቍጠባዊ ርክባትን'ውን ክጽሎ'ዩ።

ዳይረክተር ቻይና ላዉ ኣብ ኪንግ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ኬሪ ብራውን፡ "ከም ዝመስለኒ ቻይና'ውን ልክዕ ከምተን ካልኦት'ያ ትሓስብ ዘላ፡ እቲ መደባት እንታይ'ዩ? ኣብ ዝብል ብርግጽ ኣመሪካ ነዚ ከይሓሰበት ናብዚ ኣይኣተወትን፡" ይብል።

"ቻይና ናብ ከምዚ ኵነታት ተጐቲታ ኣይትኣቱን፣ ናብዚ'ውን ተጐቲትና ኣይንእቶ፡ እንተዀነ ገለ ነገር ግን ክንገብር ኣለና ትብለ ዘላ ይመስለኒ።"

ዕምቖት ዘይብሉ ዕርክነት

ብመብዛሕትአን ሃገራት ምዕራብ፡ ኢራን መሻርኽትን መላፍንትን ቻይና ኢለን'የን ዝገልጻኣ።

ብርግጽ'ውን ጽቡቕ ዕርክነት ኣለወን።

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ንመወዳእታ ግዜ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መገሻ ዘካየደሉ ኣብ 1989 ናብ ቻይና እዩ ነይሩ።

ዓሊ ኻመኒ ኣብ ታሪኻዊ 'ግረይት ዎል' ኰይኑ ከኣ ተሳኢሉ።

ፕረዚደንት ቻይና ዢን ጂንፒንግ ኣብ 2016 ናብ ታህራን ምብጻሕ ምስ ኣካየደ ከኣ ርክብ እዘን ክልተ ሃገራት ዝያዳ ዓሚቑ።

እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ 2021፡ ብ25 ዓመታት ዝቕጽል ስትራተጅያዊ ርክባት ንኽህልወን ተፈራሪመን።

ቻይና ኣብ ዝመጽእ 25 ዓመታት ናይ 400 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ከም እትገብር ቃል ኣትያ፡ ኢራን ከኣ እቲ ናብ ቻይና እትሰዶ ነዳዲ ክትቅጽሎ ምዃና ተመባጺዓ።

ተንተንቲ ግን፡ ኢራን ናይቲ ናብ ቻይና እትሰዶ ነዳዲ ኣዝዩ ውሑድ ገንዘብ ጥራይ ከም ዝኸፈለት'ዮም ዝገልጹ።

ቻይና ኣብ 2025 ካብ ኢራን መዓልታዊ 1.38 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ትቕበል ከም ዝነበረት ግሎባል ኢነርጂ ፖሊሲ ይሕብር።

እዚ ከኣ 12 ሚእታዊት ካብቲ ቻይና ዘለዋ ጠለባት ነዳዲ ዝሽፍን'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒን ፕረዚደንት ቻይና ነበር ያንግ ሻንግኩንን ኣብ ግንቦት 1989

ቻይና ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ ቍጠባዊ እገዳታት ንምስጋር፡ እቲ በራሚል ናብ ሃገራ ክኣቱ እንከሎ ናይ ማሊዥያ ምዃኑ ዝሕብር ወረቐት ከም ዝልጠፎ እዞም ተንተንቲ ይገልጹ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሎምብያ ዝተገበረ መጽናዕቲ፡ ልዕሊ 46 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ኢራን ኣብ ወደብ ዳሊኣን ዝሆሻንን ናይ ቻይና ከም ዘሎ ይሕብሩ።

ኢራንን ቻይናን ንሓድሕደን ኣጽዋር ከም ዝሸያየጣ'ውን ክስታት ኣሎ።

ቻይና ንኢራን ጸረ-መራኽብ ክሩዝ ሚሳይላት ሸጥክላ ንዝብል ክሲ ኣይውዓልክዎን ኢላ መሊሳትሉ'ያ።

ትካላት ስለያ ኣመሪካ ግን ኢራን ባላስቲክ ሚሳይላት ንኽትሰርሕ ቻይና ሰባት ኣብ ምስልጣንን ኣገደስቲ ንዋትን ቀመማትን ኣብ ምቕራብን ከም ዝተሓባበረታ'ዮም ዝኸሱ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን ነቶም ኣንጻራ ዝተላዓሉ ሰባት እናኣላላየት ንኽትሃድኖም፡ ቻይና ዝሃበታ ገጽ ዘላሊ ቴክኖሎጂ ከም ዝተጠቐመት'ዮም ዝሕብሩ።

እዚ ኵሉ ተደማሚሩ ክልቲኤን ሃገራት ጥቡቕ ዕርክነት ከም ዘለወን'ዩ ዘርኢ።

ብሰንኪ እዚ ኣመሪካ ንኢራንን ቻይናን፡ ምስ ሰሜን ኮርያን ሩሰያን 'ኪዳን ናዕበኛታት" ኢላ ካብ እትሰምየን ውሑድ ኣይገበረትን።

እዘን ኣርባዕተ ሃገራት'የን ብተደጋጋሚ ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ኵናት ክብድሀኦ ዝረኣያ፡ እቲ ሓቂ ግን እቲ ርክባተን ኣብ እንካን ሃባን ዝተመርኰሰ'ዩ።

ፕሮፌሰር ብራውን፡ "ቻይና ምስ ኢራን ክትሓብረሉ ዘኽእላ ስንሓሳባዊ ይዅን ባህላዊ ምኽንያት የብላን፡" ይብል።

"እቲ ናይ ቻይና 'መቓቒልካ ግዛእ' ዝብል ስትራተጂ፡ ሓድሓደ ግዜ ኢራን እናተኸተለቶ ንኣመሪካ ስለ እተቘጥዓ ብሓጐስ'ያ ትጥምቶ። ስለዚ ቻይና ምስ ኢራን ዘለዋ ርክብ ካብ እወታኡ ኣሉታኡ ምኽንያታቱ ዝበዝሕ ይመስለኒ።

"ተኣፋፊ ዝዀነ ርክብ'ዩ ነይርወን፣ ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣጻኒሕወን፡ ዓሚቝ ግን ኣይነበረን።"

ቻይና ምስ ሃገራት ርክብ ክትፈጥር እንከላ፡ ከምቲ ሃገራት ምዕራብ ዝኽተልኦ ኣይኰነን፡ ቻይና ኣብ እትገብሮ ስምምዓት ሓንቲ ሃገር ምስ እትጥቃዕ ንሓድሕድና ንተሓጋገዝ ዝብል ስምምዕ የብላን፡ በዚ ከኣ እተን መሻርኽታ ናብ ኵናት ምስ ዝኣትዋ ክትረድእ ኢላ ኢዳ ኣይተወጣውጥን'ያ።

ካብቲ ግጭት ርሕቕ ክትብል'ያ ትመርጽ።

ነቲ ለውጢ ምምራሕ

እዚ ግን እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንቻይና ኣጸቢቑ ኣየሻቕላን ማለት ኣይኰነን።

ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኵናት ምስ ጀመራ ዕሽሽ ኢላ ኣይሓለፈቶን፡ እቲ ኵናት ደው ክብል'ውን ጸዊዓ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ "እቲ ኣመሪካ ምስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኸፈተኦ ኵናት ዘይቕቡል'ዩ፣ ንሓደ መራሒ ልኡላዊት ሃገር ብግልጺ ምቕታልን ናይ ስርዓት ለውጢ ንምክያድ ምልዕዓልን ግቡእ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ኣመሪካ ኣብ ጥሪ ኣብ ቬነዝወላ ሕጂ ድማ ኣብ ኢራን ዝፈጸመቶ ተግባር፡ እተን ሃገራት ምስ ቻይና ዘለወን ርክባት ካብ ተዋጋኢት ላም ዘየድሕን ምዃኑ ዘርኢ'ዩ።

ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ቻይና ኢዳ ኣጣሚራ'ያ ስቕ ኢላ፡ ነቲ ዝነበረን ርክብ ኣብ ግምት ብምእታው ኢዳ ከተእቱ'ውን ኣይከኣለትን።

ፍሊፕ ሸትለር ካብ ኢንስቲትዩት ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስ፡ ቻይና ንገዛእ ርእሳ ከም መማዝንቲ ኣመሪካ'ያ ትሓስባ ይብል።

"ብወተሃደራዊ ሚዛን እንተ ርኢና፡ ኣመሪካ ዝሓየለት ሃገር ምዃና ብተደጋጋሚ ኣርእያ እያ፣ ነተን መወዳድርታ ኢና ዝበሃላ ሃገራት ብሒም ከም ዘይብላ ገይራተን'ያ፡" ይብል።

"ቻይና ዋላ ደኣ ብቝጠባ ተወዳዳሪት ትዅን'ምበር ብሓይሊ እንተ ርኢና ዋላ እንተ ደልያ፡ ነተን መሓዙተይ'የን ትብለን ሃገራት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የብላን።"

ነዚ ብምብዳህ ዢን ምስ ዶናልድ ትራምፕ ንምውድዳር፡ እቲ ዝረግአን ጠብሎቕሎቕ ዘይብል መራሕን እናተባህለ ክግለጽ ከም ዝደሊ'ዩ ዝሕበር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወደብ ሸንዘን ናይ ቻይና ዝበዝሐ ካብን ናብን ማእከላይ ምብራቕ ዝንቀሳቐስ ደረቕን ፈሳስን ንብረት'ያ ትጽዕንን ተራግፍን

ዳይረክተር ኤስኦኤኤስ ፕሮፌሰር ስቲቭ ሳንድ፡ "መጐተ ቻይና፡ ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ምስፍሕፋሕን ምዕራባውያ ሃገራት ንዓለም ኣብ ሓደ ቀጽራዊ ስርዓት ንምእታውን ይሰርሕ ኣሎ ዝብል'ዩ፡" ይብል።

ቀጺሉ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ኵናት ዘስዕቦ ምቍራጽ ቀረባት ካብ ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ቍጠባ ደቡብን ምብራቕን እስያ ዘውርዶ ጽልዋ ከም ዝዛይድ'ዩ ዝገልጽ።

"ገለ ሃገራት ኣብ ውሑዳት ኣዋርሕ ሕጽረት መግቢ ከጋጥመን'ዩ፣ እዚአን እተን ኣብ ደቡብ ዘርከባ ሃገራት'የን፡ ካልእ ንዕዘቦ ዘለና ከኣ ካብተን ምዕራባውያን ሃገራት'ውን ከም ዓባይ ብሪጣንያን ስጳኛን ዝኣመሰላ ምስ ኣመሪካ ጽቡቕ ርክብ ዘለወን ሃገራት'ውን ነቲ ኵናት ተቓዊመንኦ ኣለዋ።"

ነዚ ከም ረብሓ ተጠቒማ ቻይና ነዚ ዘሎ ኵነታት ናብ ረብሓኣ ንምውዓል ምስ ካልኦት ሃገራት ኰይና ክትሽምግል ክትፍትን ትኽእል'ያ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪ፡ ምስ መዘናታቱ ሰብመዚ ዖማንን ፈረንሳን ብምዝርራብ፡ ቻይና ናብ ማእከላይ ምብራቕ ፍሉይ ልኡኽ ክትሰድድ ምዃና ኣፍሊጡ'ሎ።

ትራምፕ ናይ ቻይና ከካይዶ ወጢንዎ ዘሎ ዑደት

ቻይና ቀንዲ ትቕምሮ ዘላ ጉዳይ፡ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ ናብ ቻይና ክገብሮ ሓሲቡ ዘሎ ዑደት ንኽተርፍ ምኽንያት ከይከውን ምጥንቃቕ'ዩ።

ቻይና ዋላ ደኣ ነቲ ኣመሪካ ምስ እስራኤል ኰይና ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኸፈተተቶ ኵናት ትዀንኖ'ምበር ንዶናልድ ትራምፕ ብቐጥታ ኣይነቐፈቶን። እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝህሎ ምልውዋጥ ሰላምታ ኣቕልል ከብሎ'ዩ።

ገለ ግን ዶናልድ ትራምፕ ናይ ብሓቒ ናብ ቻይና ክገይሽ ድዩ ኢሎም ይሓቱ ኣለዉ።

እንተዀነ፡ ብዛዕባ እቲ መገሻ ንምዝርራብ ሰብመዚ ክልቲአን ሃገራት ርክባት ጀሚሮም ኣለዉ።

ቻይና ነዚ ዕድል እዚ ትራምፕ ብዛዕባ ታይዋን ዘለዎ መርገጺ ኣብ ምቕያር ክትጥቀመሉ ከም እትኽእል ሸትለር ይግምት።

"እዚ ንኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝካየድ ዘሎ ብኣመሪካን እስራኤልን ዝምራሕ ኵናት፡ ንኣመሪካ ዝያዳ ተጻራረቲ ንኽህልዋኣ ዝድርኽ'ዩ፡ ቻይና ነዚ ናብ ረብሓኣ ክትቅይሮ ትኽእል'ያ። ዞባውን ዓለማውን ጽልዋኣኣ'ውን ከዕብየላ ተኽእሎ ኣሎ።"

ኣስዒቡ፡ "ቻይና እዛ ዓለም ብኣመሪካ ክትዕብለል ኣይትደልይን'ያ፣ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ዘይተረጋግአት ኣመሪካ ክትህሉ ኣይትደልይን'ያ።"