Unit 1: How do I...
Select a unit
- 1 How do I...
- 2 Unit 2
- 3 Unit 3
- 4 Unit 4
- 5 Unit 5
- 6 Unit 6
- 7 Unit 7
- 8 Unit 8
- 9 Unit 9
- 10 Unit 10
- 11 Unit 11
- 12 Unit 12
- 13 Unit 13
- 14 Unit 14
- 15 Unit 15
- 16 Unit 16
- 17 Unit 17
- 18 Unit 18
- 19 Unit 19
- 20 Unit 20
- 21 Unit 21
- 22 Unit 22
- 23 Unit 23
- 24 Unit 24
- 25 Unit 25
- 26 Unit 26
- 27 Unit 27
- 28 Unit 28
- 29 Unit 29
- 30 Unit 30
- 31 Unit 31
- 32 Unit 32
- 33 Unit 33
- 34 Unit 34
- 35 Unit 35
- 36 Unit 36
- 37 Unit 37
- 38 Unit 38
- 39 Unit 39
- 40 Unit 40
Session 1
Listen to find out how to start a conversation when meeting new people in English.
ምስ ኣጋይሸ ከንራኸብ እንከለና ከመይ ጌርኩም ዕላል ከምትጀምሩ ብጽሞና ተኸታተሉ።
Activity 1
How do I start a conversation?
ምስ ኣጋይሸ ከንራኸብ እንከለና እንጥቀመሎም ሰለስተ ተመሳሳሊ ሕቶን መልስን ኣዛምዱ።
| a) What’s your name? | 1. I’m from Liverpool. |
| b) Where are you from? | 2. I’m a teacher. |
| c) What do you do? | 3. Hello, I’m Lisa. |
ጽን ኢልኩም ብምስማዕ፡ መልስታትኩም ገምግሙ። ካብኡ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ንዘሎ ጽሑፍ ኣወዳድርዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፣ እንቋዕ ናብ መደብ ‘How do I…’ ብድሓን መጻእኩም። ኣነ ተኽልማርያም በኪት ኢየ፡ ምሳና’ወን ሳም ኣሎ።
Sam
Hello, everybody. Welcome!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣብዚ መደብ እዚ ምስ ኣጋይሽ ከመይ ገርና ዕላል ከምንጅምር ክንምርኩም ኢና። ንመጀርምያ ግዜ ዝራኸቡ ሰባት ዝርርብ ብምስማዕ ንፈልሞ። ክብድ ዝበለ እነተመሲሉ ኣይሻቀሉ። ጽኒሕ ኢልና ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።። ንሕጂ ግን፡ ሮበርት ንሊዛ ንዝሓታ ሰለስተ ሓበሬታት ንመልከት።
Robert
Hi, my name’s Robert. What’s your name?
Lisa
Hello, I’m Lisa. Nice to meet you.
Robert
Nice to meet you, too, Lisa. Where are you from?
Lisa
I’m from Liverpool.
Robert
And what do you do?
Lisa
I’m a teacher.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ተረዲእኩም’ዶ? እወ፣ ሮበርት ንሊዛ፡ ስማን፡ ዓዳን፡ ስርሓን ሓቲትዋ። እሞ ሳም፣ ምስ ሓደስቲ ሰባት ኣብ እንራኸበሉ እዋን ንጥቀመሉ ቛንቛ’ዶ ክንመሃር?
Sam
Yes, let’s!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ስለዚ ሮበርትን ሊዛን ንመጀመርያ እዋን’ዮም ተፋሊጦም። ሓደ ዓይነት ኣገባብ ድዮም ተጠቂሞም? ደጊምና ንስማዓዮም።
Hi, my name’s Robert.
Hello, I’m Lisa.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኣይፋልን፡ ሓደ ዓይነት ኣይተተጠቀሙን! ‘My name’s…’ ከምኡ’ውን ‘I’m…’ ተጠቂሞም።
Sam
And the pronunciation is important here, so let’s quickly practise - repeat after me:
‘My name’s…’
‘I’m…’
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ! ሕጂ ከኣ ሮበርት ነቲ ዝርርብ ምስ ሊዛ ከመይ ገሩ ቀጻሊ ከምዝገበሮ ክንርኢ ኢና። ሰለስተ ሕቶታት ይሓታ። ሓቢርና ንስመዓዮም።
What’s your name?
Where are you from?
What do you do?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ እምበኣር፡ እታ ናይ መጀመርያ ሕቶ ንሊዛ ስማ ይሓታ፡ ካልኣይቲ ከኣ ዓዳ ኣበይ ምዃኑ፡ ሳልሰይቲ ድማ ኣበይ ከምእትሰርሕ ይሓታ።
Sam
Yes, these are the most common questions to ask someone when you first meet them, so they’re very useful. But the pronunciation is important. You need to sound interested!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እወ፣ እቲ ኣደማምጻ ብዙሕ ኣገዳስነት ኣለዎ። ከምኡ ውን ነየኖት ቃላት ክንጸቅጦም ከምዘለናን፡ ንሓድሕዶም ብኸመይ ተተሓሒዞም ከምዘለዉን ምፍላጥ እውን ኣገዳሲ ኢዩ።
Sam
Yes, so let’s quickly practise together! Repeat after me:
‘What’s your name?’
‘Where are you from?’
‘What do you do?’
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሊዛኸ: ነዞም ሕቶታት ብኸመይ መሊሳቶም? ድሮ ክልተ ዓይነት ኣገባብ ኣመላልሳ ናይ ‘What’s your name? ከምዘሎ ፈሊጥኩም ኣለኹም። ደጊምና ሊዛ ከመይ ጌራ ንሕቶታት ‘Where are you from?’, ከምኡ ከኣ ‘What do you do?’ ንዝብል ከምእተቕርቦም ሓቢርና ንከታተል።
I’m from Liverpool.
I’m a teacher.
Sam
So, Lisa used ‘I’m…’ to answer both questions.
ኣዳላዊ ቛንቛ ትግሪኛ
እወ፣ እንተኾነ ግን ‘I’m from…’ ክትብል እንከሎኻ ድሮ ብዛዕባ ቦታ ትዛረብ ኣለኻ ማለት’ዩ።
Sam
And if you say ‘I’m a…’ you’re talking about your job. Remember to use the ‘a’, as it’s important here.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Thanks, Sam. ሕጂ ንስኹም ልምምድ እትገብሩሉ ሰዓት በጺሑ። ካብቶም ናይ ቅድም ሕቶታት እናመለስና ነዚ ዝርርብ ንስምዓዮ።
I’m from Cambridge.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ እምበኣር፣ ‘Cambridge’ ቦታ ኮይኑ፡ እቲ ሰብ ኣየነይቲ ሕቶ ተሓቲቱ? ደሓር ሳም ክነግረኩም ክትሰምዕዎ ኢኹም።
Sam
Where are you from?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Good! ሕጂ መልሲ ናይ’ቲ ሰብ ስመዑ።
I’m a taxi driver.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ እምበኣር ‘a taxi driver’ ስራሕ ኮይኑ፡ እታ ቅንዕቲ ሕቶ እንታይ እያ?
Sam
What do you do?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
Great! ሕጂ እምበኣር ምስ ኣጋይሽ ወይ ምስ ሓደስቲ ሰባት ዝርርብ ከመይ ከምእትጅምሩ ፈሊጥኩም ኣለኹም። Nice to meet you all!
Sam
Yes, nice to meet you!
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ብተመሳሳሊ ኣብ መደብ ‘How do I…’ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን የራኽበና።
Sam
Bye!
Learn more!
1. 'My name’s…' ከምውን 'I’m…' ሓደ ትርጉም ድዩ ዘለዎም?
እወ።
2. መዓስ’ዩ 'Nice to meet you' ከምውን 'Nice to meet you, too?' ንጥቀመሎም?
‘Nice to meet you, too’ ንሐደ ሰብ ‘Nice to meet you’ ንዘበለና ክንምለስ እንከለና ንጥቀመሉ።
3. 'Where are you from?' ክንጥቀም እንከለና 'from' ክነልግሳ ንኽእልዶ?
ኣይፋልን። 'from' ኣብ ቅድሚ ሸም ናይ ዓዲ፥ ከተማ፤ ሃገራት፥ ዞባ ከምእ’ውን ኣብ ቅድሚ ሽም ዝተፈላለዩ ቦታታት ከንጥቀመሉ ንኽእል።
I’m from London.
I’m from the UK.
I’m from the coast (ገምገም ባሕሪ).
4. 'a' መዓስ ክንጥቀመሉ ንኽእል?
እወ 'a' ኣብ ቅድሚ ንጽልን ኪቑጸር ዚክኣል ስም ንጥቀመሉ።
How do I start a conversation?
4 Questions
Choose the correct answer.
ቁኑዕ መልሲ ምረጹ።
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቁኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ቀጻሊ ‘am’ ወይ ‘is’ ግሲ ክንጥቀም ኣለና።Question 1 of 4
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቁኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ኣብ መወዳእታ ዘላ ቃል ረኣ።Question 2 of 4
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቁኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ኣብ መወዳእታ ዘላ ቃል ረኣ።Question 3 of 4
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቁኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ሰለስተ ቃላት ብቕድሚት ‘student’ የድልየካ።Question 4 of 4
Excellent! Great job! ሕማቕ ዕድል! ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
Nice to meet you!
What’s your name?
Where are you from?
What do you do?
Answer these questions and tell us on our Facebook group!
ነዞም ሕቶታት ብምላስ ኣብ ፈይስ ቡክና ኣካፈሉልና።
Join us for our next episode of 'How do I…', when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብ ዝቕጽል መደብ 'How do I…', ኣገደስቲ ናይ ኢንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ሞ ብሰላም የራኽበና።
Session Vocabulary
What’s your name?
ሽምካ መን’ዩ?My name’s…
ሽመይ...I’m…
ኣነ...Nice to meet you.
ጽቡቕ ሌላ።Nice to meet you, too.
ጽቡቕ ሌላ ይግበረልና።Where are you from?
ካበይ ዓዲ መጺእካ?I’m from…
ኣነ ካብ...What do you do?
እንታይ ትገብር/ትሰርሕ?I’m a...
ኣነ...