Unit 2: Essential English Conversation
Select a unit
- 1 Essential English Conversation
- 2 Essential English Conversation
- 3 Unit 3
- 4 Unit 4
- 5 Unit 5
- 6 Unit 6
- 7 Unit 7
- 8 Unit 8
- 9 Unit 9
- 10 Unit 10
- 11 Unit 11
- 12 Unit 12
- 13 Unit 13
- 14 Unit 14
- 15 Unit 15
- 16 Unit 16
- 17 Unit 17
- 18 Unit 18
- 19 Unit 19
- 20 Unit 20
- 21 Unit 21
- 22 Unit 22
- 23 Unit 23
- 24 Unit 24
- 25 Unit 25
- 26 Unit 26
- 27 Unit 27
- 28 Unit 28
- 29 Unit 29
- 30 Unit 30
- 31 Unit 31
- 32 Unit 32
- 33 Unit 33
- 34 Unit 34
- 35 Unit 35
- 36 Unit 36
- 37 Unit 37
- 38 Unit 38
- 39 Unit 39
- 40 Unit 40
Session 43
Listen to find out how to ask how long a journey takes.
ሓደ ጉዕዞ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ንምፍላጥ፡ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
Activity 1
How long does it take?
Listen to find out how to ask how long a journey takes.
ሓደ ጉዕዞ፡ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ንምፍላጥ፡ ጽን ኢልኩም ስምዑ።
Listen to the audio and take the quiz. ነ ነዚ ድምጺ ድሕሪ ምስማዕኩም ነዚ ፈተና ስርሕዎ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም: እንቋዕ ናብ መደብ Essential English Conversation ብድሓን መጻእኩም። እዚ መደብ’ዚ ኣገደስቲ ናይ አንግሊዘኛ ዚርርብ ሒዝልኩም ዝቀርብ እዩ። ኣነ ተክለማሪያም በኪት እየ።
ኣብዚ ክፋል እዚ፡ ኣብ ሓደ ቦታ ንምጉዓዝ ክንደይ ግዜ 'how long' ከም ዝወስድ፡ ምሕታት ክንምሃር ኢና።
ነዞም ክልተ ሰባት፡ ብዛዕባ ናብ ሓደ ቦታ ንምጉዓዝ ክንደይ ግዜ ከምዝወስድ ዝዘራረቡ ዘሎዉ ጽን ኢልና ንስማዕ።
Sian
I want to go to Newcastle. How long does it take?
Phil
It takes about eight hours by bus.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝበለ እንተመሲሉ ኣይትሻቀሉ፡ እዚ ምይይጥ’ዚ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱ ክንሕግዘኩም ኢና።
እታ ቀዳመይቲ ተዛራቢት፡ ንኒውካስል ክትከይድ ከም እትደሊ 'want' ተዛሪባ፡ ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
I want to go to Newcastle.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ቀጺላ፡ ክንደይ ግዜ 'how long' ከም ዝወስድ 'take' ሓቲታ። ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
How long does it take?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
እቲ ካልኣይ ተዛራቢ፡ ብኣውቶቡስ ኣስታት 'about' ሸሞንተ ሰዓታት 'eight hours' ይወስድ በለ። እቲ ልክዕ ግዜ ምስዘይንፈልጦ 'about' ንጥቀም። ጽን ኢልኩም ብምስማዕ ድገምዎ።
It takes about eight hours by bus.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ፡ እንታይ ከምዝበልኩም ንምፍላጥ፡ ነዞም ዝተፈላለዩ ሰባት ብዛዕባ ናብ ዝፈላለዩ ቦታታት ንምብጻሕ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ብምስማዕ ርእስኹም ፈትሹ።
ዛክ ንሊድስ ክኸይድ ደልዩ’ሎ። ቻርለስ ድማ ብባቡር ክልተ ሰዓት ከም ዝወስድ ይሕብሮ ኣሎ።
I want to go to Leeds. How long does it take?
It takes about two hours by train.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ኤሪካ ንካዲፍ ክትኸይድ ደልያ ኣላ። ኣንጀላ ድማ ብማኪና ሰለስተ ሰዓት ከም ዝወስድ ትሕብራ ኣላ።
I want to go to Cardiff. How long does it take?
It takes about three hours by car.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሕራይ እምበኣር: ሕጂ ደጊምኩም ፈትኑ። ነዚ ናይ ኢንግሊዘኛ ሓሳባት ብምስማዕ ድገምዎ።
ክልተ ጊዜ ክትሰምዕዎ ኢኹም።
I want to go to Newcastle.
I want to go to Newcastle.
How long does it take?
How long does it take?
It takes about eight hours by bus.
It takes about eight hours by bus.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ እ ምበኣር፡ ሕጂ ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተማሃርኩሞ ቋንቋ ኢንግሊዝ ከም ትዝክርዎ ነብስኹም እትግምግሙሉ ግዜ ኣኺሉ እዩ። ነዚ ብትግርኛ ትሰምዕዎ ምሉእ ሓሳባት ብእንግሊዝኛ ድገምዎ።
ንኒውካስል ክኸይድ ደልየ ኣሎኹ።
I want to go to Newcastle.
ክንደይ ግዜ ይወስድ?
How long does it take?
ብኣውቶቡስ ኣስታት ሸሞንተ ሰዓታት ይወስድ።
It takes about eight hours by bus.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ሕጂ ብዛዕባ ናብ ሓደ ቦታ ምብጻሕ ክንደይ ግዜ ከምዝውስድ፡ ምሕታትን ምምላስን ብእንግሊዘኛ ፈሊጥኩም ኣለኹም። ነቲ ቀዳማይ ተዛራቢ እና ሰማዕኩም ሓደ ነገር ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ብምምላስ ተለማመዱ።
I want to go to Newcastle. How long does it take?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም፤ ሕጂ ነቲ ዝርርብ ብምሉኡ ብምስማዕ፡ መልስታትኩም ፈትሹ።
Sian
I want to go to Newcastle. How long does it take?
Phil
It takes about eight hours by bus.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ነገራት ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ፡ ምሕታትን ምምላስን ብእንግሊዘኛ ምሕታት ፈሊጥኩም ኣለኹም። ኮይኑ ግን ልምምድ ምግባር ኣይትረስዑ። መሓዛ ኣናዲኹም፡ ብኢንግሊዘኛ ነገራት ክንደይ ግዜ ከም ዝወስዱ እናሓተትኩም ምልምማድ ኣይትረስዑ።
ኣብ ዝቅጽል Essential English Conversation ክሳብ ንራኸብ ልዋም ለይቲ። Bye!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
ቅኑዕ መልሲ ብምምራጽ፡ እንታይ ከም ዝተማሃርኩም ነብስኹም ገምግሙ።
ክንደይ ግዜ ይወስድ?
3 Questions
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ኣየናይ ቃል እዩ ምስ ግዜ ንጥቀመሉ።Question 1 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ኣየናይ ቃል እዩ ግዜ ምጥቃም ዘመልክት።Question 2 of 3
ሓገዝ
Activity
Choose the correct answer.
ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ኣመት
ንመጓዓዝያ ዘመልክት እንጥቀመሉ ቃል ኣየናይ እዩ?Question 3 of 3
Excellent! Great job! ሕማቕ ዕድል! ዘመዝገብኩምዎ ነጥቢ ...:
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English ኣገደስቲ ናይ ኢንግሊዘኛ ዝርርብ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና’ሞ ብሰላም የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
I want to go to ______.
ን______ ክኸይድ ደልየ ኣሎኹ።How long does it take?
ክንደይ ግዜ ይወስድ?It takes about ______ ______ by bus.
ብኣውቶቡስ ኣስታት ______ ይወስድ።