Unit 1: Essential English Conversation
Select a unit
- 1 Essential English Conversation
- 2 Essential English Conversation
- 3 Unit 3
- 4 Unit 4
- 5 Unit 5
- 6 Unit 6
- 7 Unit 7
- 8 Unit 8
- 9 Unit 9
- 10 Unit 10
- 11 Unit 11
- 12 Unit 12
- 13 Unit 13
- 14 Unit 14
- 15 Unit 15
- 16 Unit 16
- 17 Unit 17
- 18 Unit 18
- 19 Unit 19
- 20 Unit 20
- 21 Unit 21
- 22 Unit 22
- 23 Unit 23
- 24 Unit 24
- 25 Unit 25
- 26 Unit 26
- 27 Unit 27
- 28 Unit 28
- 29 Unit 29
- 30 Unit 30
- 31 Unit 31
- 32 Unit 32
- 33 Unit 33
- 34 Unit 34
- 35 Unit 35
- 36 Unit 36
- 37 Unit 37
- 38 Unit 38
- 39 Unit 39
- 40 Unit 40
Session 7
Listen to find out how to ask if someone has any brothers or sisters.
ንሓደ ሰብ ኣሕዋትን ኣሓትን እንተ ኣሎዎ ከመይ ኢልኩም ከም እትውከስዎ ንምፍላጥ ተኸታተሉ።
ክፍለጊዜያት 7 ነጥብ።
0 / 3
- 0 / 3Activity 1
Activity 1
Have you got any brothers or sisters?
Listen to find out how to ask if someone has any brothers or sisters.
ንሐደ ሰብ ኣሕዋት ወይከኣ ኣሓት እንተለዎ ዀይኑ ብከመይ መንገዲ ከም እትሓቱዎም ተኸታተሉ።
Listen to the audio and take the quiz. ነቲ ዝተመልአ ድምጺ ድሕሪ ምስማዕ ነቲ ዝስዕብ ፈተና ዉሰዱ።

ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሰላም፤ እንቋዕ ብድሓን ናብ መደብ Essential English Conversation መጻእኩም። እዚ ንተምሃሮ ቋንቋ እንግሊዘኛ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ መደብ’ዩ። ኣነ... እበሃል፣ ኣብ’ዚ ክፋል’ዚ ድማ ብዛዕባ ሰባት ኣሕዋት ወይ ኣሓት እንተ ኣሎዎም ንክትውከሱዎም እትኽእልሉ ኣገባብ ክትመሃሩ ኢኹም።
ሕጂ ክልተ ሰባት ንሓድሕዶም ብዛዕባ ኣሕዋትን ኣሓትን ክተሓተቱ ከለዉ ንስማዕ።
Tina
Have you got any brothers or sisters?
John
Yes, I’ve got two sisters. How about you?
Tina
I’ve got a brother.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ክብድ ዝብል እንተመሲሉ ኣይትሻቐሉ። እዚ ምይይጥ ከፋፊልና ብምቕራብ ንኽትለማመዱሉ ክንሕግዘኩም ኢና።
ብመጀመርታ ቲና ን ጆን ‘ኣሕዋትን ኣሓትንዶ ኣለዉኻ?’ ኢላ ሓተተቶ? ‘Have you got any brothers or sisters?’ ኣስተውዕሉ፡ ‘have you got…’ ዘኣመሰለ ሕቶ ምስ እንሓትት ‘any’ ዝብል ቃል ኢና ንጥቀም።
ንቅድም ነቲ ሓረግ ስምዑዋ፡ ድሓር ድገሙዎ።
Have you got any brothers or sisters?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሽዑ ጆን ‘ክልተ ኣሓት ኣለዋኒ’ ኢሉ መለሰ። ‘I’ve got two sisters.’ ‘I’ve got’ ከምኡ’ውን ‘I have’ ተመሳሳሊ ትርጕም ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ካብ ሓንቲ ሓብቲ ንላዕሊ ምስ ዝህልዋና ‘S’ ኣብ መወዳእታ እታ ‘sister’ ትብል ቃል ንውስኸላ፤ ሓንቲ ሓብቲ ጥራይ ምስ እትህልወና ግን እታ ፊደል ‘S’ ን ‘sister’ ትብል ቃል ኣይንውስኸላን ኢና።
ቅድም ነቲ ሓረግ ስምዑ፡ ድሓር ድገሙ።
Yes, I’ve got two sisters.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጆን ክምልስ እንከሎ ብተመሳሳሊ ሕቶ ‘ንስኺ ኸ?’ ኢሉ ሓተተ። ‘How about you?’
ንቕድም ስምዑ ድሓር ድገሙ።
How about you?
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ሽዑ ቲና ‘ሓው ኣሎኒ’ ኢላ መለሰት። ‘I’ve got a brother.’ ‘A brother’ ሓደ ሓው ማለት’ዩ።
ንቕድም ስምዑ ድሓር ድገሙ።
I’ve got a brother.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ! ከም መፈተንታ’ምበኣር ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ክንደይ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዘሎዎም ንሓድሕዶም ክተሓታቱ ከለዉ ንስማዕ።
Have you got any brothers or sisters?
Yes, I’ve got a sister. How about you?
I’ve got two brothers and a sister.
Have you got any brothers or sisters?
Yes, I’ve got a sister and a brother. How about you?
I’ve got two sisters.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግርም! ዝተማሃርኩምዎ ክሳብ ክንደይ ከም እትዝክሩ እስከ ንርአ። ነቶም ሓረጋት ብቋንቋኹም ምስ ሰማዕኩም ናብ እንግሊዘኛ ተርጕምኩም ኣቕርቡዎም።
ኣሕዋት ወይ ኣሓት ኣለዉኹምዶ?
Have you got any brothers or sisters?
እወ፡ ክልተ ኣሓት ኣለዋኒ። ንስኹምከ?
Yes, I’ve got two sisters. How about you?
ሓደ ሓው ኣሎኒ።
I’ve got a brother.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ጽቡቕ! ናይ ሎሚ ቀንዲ መግለጽ-ሓሳባት ንምኽላስ ንብምልኡ’ቲ ምይይጥ ደጊምኩም ስምዑዎ።
Tina
Have you got any brothers or sisters?
John
Yes, I’ve got two sisters. How about you?
Tina
I’ve got a brother.
ኣቕራቢ ቋንቋ ትግርኛ
ግሩም! ሕጂ’ምበኣር ብእንግሊዘኛ ንሰባት ክንደይ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዘሎዎም ክትውከሱዎም ትኽእሉ። ንዝተማሃርኩምዎ ደጋጊምኩም ምልምማድ ኣይትረስዑ። መሓዛ ኣናዲኹም ብእንግሊዘኛ ክንደይ ኣሕዋትን ኣሓትን ከም ዘሎዎም ከኣ ተወከሱዎም።
ኣብ ዝቕጽል መደብ Essential English Conversations የራኽበና። See you next time!
Check what you’ve learned by choosing the correct answer to the question.
እተመሃርኩምዎ ንምግምጋም ነቲ ዝቐረበ ሕቶ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
Have you got any brothers or sisters?
3 Questions
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ድጋፍ
Activity
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ፍንጭ
እዚ ቃል ሰለስተ ፊደላት ኣሎዎ።Question 1 of 3
ድጋፍ
Activity
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ፍንጭ
ክንደይ? ሓደ`ዶ ወይ ዝያዳ?Question 2 of 3
ድጋፍ
Activity
Choose the correct answer.
እቲ ቅኑዕ መልሲ ምረጹ።
ፍንጭ
ሓደ ፊደል ‘ሓደ’ ዝትርጕሙ።Question 3 of 3
Excellent! Great job! መጥፎ እድል ነጥብ አስመዝግበዋል :
Join us for our next episode of Essential English, when we will learn more useful language and practise your listening skills.
ኣብቲ ጠቓሚ ቋንቋ እትመሃርሉን ናይ ምስማዕ ክእለትኩም እትለማመድሉን ዝቕጽል መደብ Essential English የራኽበና።
ንዝያዳ ልምምድ ኣብቲ ናይ ፌይስቡክ ገጻትና ተጸንበሩና
Session Vocabulary
Have you got any brothers or sisters?
ገለ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉኹም'ዶ?
Yes, I’ve got a sister.
እወ፡ ሓንቲ ሓብቲ ኣላትኒ።
Yes, I’ve got a brother.
እወ፡ ሓደ ሓው ኣሎኒ።
How about you?
ንስኻ'ኸ/ ንስኺ'ኸ?