እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“ኣቦ ሓሙሽተ ደቀይ ቀቲሎሞ” ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበለት
ወ/ሮ ካልአይታ የዕብዮ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ምስ ሓሙሽተ ደቃ ናብ ሱዳን ካብ ዝሰገሩ ልዕሊ 60 ሽሕ ተጋሩ ሓንቲ እያ። ኣቦ ደቃ “ደቀይ ሒዝክዮም ኪዲ ኣነ ከርክበኩም እየ” ኢሉዋ’ኳ እንተተረፈ ድሓረ ግን ጎረቤታ ደዊላ ከምዝቐተልዎ ኣርዲኣታ።