ጆን ፖምቤ ማጉፉሊ፡ ህዝቢ ታንዛንያን መራሕቲ ሃገራትን ብሞት ፕረዚደንት ታንዛንያ እንታይ ይብሉ?
ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ፡ መንግስቲ ታንዘንያ 14 ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣዊጁ’ሎ።
ፕረዚደንት ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ኣብ መበል 61 ዓመቱ ብሕማም ልቢ ከምዝሞተ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር ሳምያ ሱሉሁ ኣፍሊጣ።
ሓንቲ ኣብ ትውልዲ ዓዲ እቲ ፕረዚደንት እትነብር ሰብ ከም ኩሎም ታንዛንያውያን ኣብ ዓሚቑ ሓዘን ከምዘላ ንቢቢሲ ሓቢራ።
‘’ነዚ ዜና ብከቢድ ሓዘን እየ ተቐቢለዮ። ኣዝየ ተተንኪፈ። ዘመደይ ኣይኮነን ግን ንጸገማት ህዝቢ ዝሰምዕ ዝነበረ ትሑት መራሒ’ዩ ነይሩ። ናይ ብሓቂ ዘቐንዙ ሓዘን’ዩ’’ ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ካልእ ኣብ ኣብ ደሴት ዛንዚባር ዝነብር ‘’እዚ ዜና ናይ ብሓቂ ጉዲኡኒ፡ ከምዚ ኣቦይ ዝሞተ ኮይኑ ሰሚዑኒ። ምኽንያቱ፡ ንሱ መራሒና፡ ፕረዚደንትና ከምኡ’ውን መራሒ ሃገርና’ዩ ነይሩ’’ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ጆን ማጉፉሊ ኣብ ሓደ እዋን ንህዝቢ ታንዛንያ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ''ሓንቲ መዓልቲ ክትዝክሩኒ ኢኹም. . . ሕማቅ ስለዝገበሩ ዘይኮንኩ ብጽቡቕ ተግባራተይ ክትዝክኒ ኢኹም። ምኽንያቱ፡ ህይወተይ ንድኻታት ታንዛንያውያን ሰዊኣያ እየ'' ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኬንያ መዓልቲ ሓዘን ኣዊጃ
ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ‘’መራሒ ታንዛንያ ጆን ማጉፉሊ ምሟቱ ምስ ሰማዕኩ ከቢድ ሓዘንን ጓህን ተሰሚዑኒ’’ ክበል ተዛሪቡ።
ኡሁሩ፡ ንበዓልቲ ቤት ፕረዚደትን ማጉፉሊ ወይዘሮ ጃነት ማጉፉልን ንመላእ ህዝቢ ታንዛንያን ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ማጉፉሊ መሪሕ ናይ ፓን ኣፍሪቃ ነይሩ ብምባል ገሊጽዎ። ንሱ ብተወሳኺ “ዓርክን፡ መሓዛን ራኢ ዝነበሮ መሻርኽትን ስኢነ” ክብል ጽሒፉ።
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝጸንሕ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን እውን ኣዊጁ።
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ብወገኑ፡ ማጉፉሊ ‘ናይ ነዊሕ ዓርከይ እዩ ነይሩ’ ብምባል ብሞት መራሒ ሃገረ ታንዛንያ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።
ራይላ ኦዲንጋ፡ ስድርኡን ስድራ ማጉፉሊን፡ ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ቀረባ ዕርክነት ከም ዝነበሮም ሓቢሩ።
“ኣብ'ቲ ኣዝዩ ጽንኩርን ምረት ዝመልኦም እዋናትን ኣብ ጎነይ ነይሩ” ብምባል ከኣ ማዕረ ክንደይ ጥቡቕ ዝኾነ ዕርክነት ከም ዝነበሮም ሓቢሩ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 1
ካልኦት መራሕቲ ሃገራት’ከ እንታይ ይብሉ?
ድሕሪ ሞት ፕረዚደንት ታንዛንያ፡ ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪቃን ካልኦትን፡ ናይ ሓዘን መልእኽቶም ንህዝብን መንግስቲን ታንዛንያ ይሰዱ ኣለው።
ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ጉድላክ ጆናታን፡ ‘’ብሩህ ኮኾብ ካብ ኣፍሪቃ ተቐንጢቡ’’ ክብል ሓዘኑ ገሊጹ።
ብወሳኺ፡ ምጉፉሊ ‘’ብጻይ ዴሞክራስን፡ ሓርበኛን ፈታዊ ሃገሩን’’ ነይሩ ኢሉ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 2
መራሒ ሶማልያ መሓመድ ፋርማጆ ድማ፡ ናብ ህዝቢ ታንዛንያ ናይ ሓዘን መልእኽቱ ሰዲዱ’ሎ።
‘’ኣብ'ዚ ናይ ሓዘን እዋን፡ ንህዝብን መንግስትን ታንዛንያ ትዕግስትን ርግእኣትን እምነየሎም’’ ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ’ውን፡ ናብ መንግስትን ህዝብን ታንዛንያ ናይ ሓዘን መልእኽቱ ሰዲዱ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 3
ፕረዚደንት ቬኔዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ፡ ድሕሪ ሞት ፕረዘደንት ማጉፉሊ ኣብ'ዚ ከቢድ እዋን ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ታንዛንያ ከምዘሎን ሓዘን ከምዝስመዖን ገሊጹ’ሎ።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post, 4
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ’ውን ናይ ሓዘን መግለጺ ኣውጺኡ'ሎ።
‘’ህዝቢ ታንዛንያ ናብ ዴሞክራስን ዕብየትን ገጾም ክምርሑ ንትስፎ’’ ክብል ኣብ ትዊተር ሊጢፉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሶን ብወገኑ፡ ብሞት ፕረዚደንት ጆን ምጉፉሊ ከምዝሓዘነ ኣፍሊጡ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available