ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ኣጽዋር ውግእ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ
ምንጪ ስእሊ, U.S. Navy twitter
መርከብ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ክልተ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ዝጸዓና ጀላቡ ከምዝሓዘ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣጽዋር ብ 'ዊንስቶን ቸርቺል' ዝተሰምየት ነፈርቲ ውግእ እትጸዉር ደርማስ. መርከብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተታሕዘ ተፈሊጡ። እቲ መግለጺ ግን ዝሓለፈ ሰሉስ እዩ ተቓሊሑ።
እቲ ኣብ ቐይዲ ዝኣተወ ኣጽዋር ብኣሽሓት ዝቑጸር ካላሺን፡ ኣርበጂ ከምኡ'ውን ካልኦት ማእከሎትን ፈኮስትን ኣጽዋራት ከምዝርከብዎም እቲ ዝወጽአ መግለጺ ጠቒሱ።
እቲ ኣጽዋር ናይ መን ምዃኑን ናበይ ይኸይድ ከምዝነበረ ብዝምልከት ግን ዛጊት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።
End of X post
ኣዛዚ መርከብ ውግእ ኣመሪካ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ከምዝሓበሮ፡ ነቲ ኣጽዋር ንምሓዝ ናይ ክልተ መዓልቲ ስርሒት ከምዝነበረን ሰራዊትን ሓይሊ ባሕሪ ተሐባቢሩ ከምዝሰረሓን ኣመልኪቱ።
ምንጪ ስእሊ, U.S. Navy/twitter
እቲ ከምዚ ዓይነት ወተሃደራዊ ስርሒት፡ እቶም 'እከይ ኣካላት' ነቲ ሓደገኛ ዝኾነ ብረት ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ካልኦት ከይዘርግሕዎ ምሓዙ ኣገዳሲ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
ዜናታት
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ዝያዳ ዝተነበ
Content is not available