ፌስቡክን ትዊተርን ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ክልከላ ገይረን

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ፌስቡክን ትዊተርን ኣብ ገጻት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ወፍሪ መረጽኡን ክልከላ ገይሮም፡፡

ፌስቡክ ነቲ "ህጻናት ኮሮናቫይረስ ናይ ምምካት ተፈጥሮኣዊ ተክእሎ ኣለዎም" ዝብል ቪድዮ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝደምሰሶ እንትኾን ትዊተር ብወገኑ ትመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎ ጽሑፍ ካብቲ ወፍሪ ምረጹኒ ዘካይደሉ ገጽ ክሳብ ዝእለ ካሊእ ጽሑፍ ከይልጥፍ ከምዝኸልከሎ ገሊጹ፡፡

እቶም ትካላት ኣብ ጉዳይ ኮሮናቫይረስ ዝተጋገየ ሓበሬታ ብምሃቡ እዮም ነቲ ስጉምቲ ወሲዶምሉ።

ትካል ጥዕና ኣመሪካ ህጻናት ኮሮናቫይረስ ናይ ምክልኻል ተፈጥኣዊ ዓቕሚ ከምዘይብሎም እዩ ዝገልጽ።

ወሃቢ ቃል ፌስቡክ "እቲ ቪድዮ ዝተወሰኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ኮሮናቫይረስ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣልዎም ዝብል ምስ ሕጊ ኣብ ዙርያ ኮሮናቫይረስ ክሓልፉ ዘይብሎም ሓበሬታታት እቲ ትካል ዝጻረር ናይ ሓሶት ሓበሬታ ዝሓዘ እዩ" ኢሉ።

ፌስቡክ ኣብ ልዕሊ ገጽ ፕረዚደንት ትራምፕ ስጉምቲ እንትወስድ ናይ መጀመርያ ኣይኮነን።

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, FOX NEWS

እቲ ኣብቲ ዶናልድ ትራምፕ ወፍሪ መረጻ ዘካይደሉ ገጽ ተለጢፉ ዝነበረ ጽሑፍ ድማ ጸኒሑ ተኣልዩ እዩ።

ብተመሳሳሊ ምኽንያት፡ ትዊተር ናይ ወዲ ፕረዚደንት ትራምፕ ገጽ ብጊዝያዊነት ከምዝዓጸዎ ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብቴሌፎን ተሓጊዙ ኣብ ቴሌቪዥን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት "ህጻናት ኮሮናቫይረስ ናይ ምክልኻል ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ስለዘለዎም ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለሱ ኣልዎም" ኢሉ ነይሩ።

ህጻናት በቲ ቫይረስ ናይ ምሕማም ዕድሎም አዐርዩ ዝነኣሰ ከምዝኾነ መጽናዕቲታት ይሕብሩ፤ ይኩን'ምበር ኮሮናቫይረስ ክሕዞምን ነቲ ቫይረስ ከተሓላልፉን ይኽእሉ እዮም።

ዛጊድ ኣብ ዝተካየደ በቲ ቫይረስ ሓሚሞም ሆስፒታል ካብ ዝኣተው 55 ሽሕ ሰባት፡ 0.8 ምኢታዊት ጥራሕ እዮም ትሕቲ 19 ዕድመ ዘለዎም።