ትካል ቴሌኮም ኤምቲኤን ንኣልቃይዳን ጣሊባንን ብላዕ ብምሃብ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP Contributor

መግለጺ ስእሊ, ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን ወተሃደራዊ ወፍሪ ካብ ዝጀመረትሉ 2001 ጀሚሩ 2,400 ወተሃደራታ ተቐቲሎም

ኤምቲኤን [MTN]፡ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ትካል ኣገልግሎት ቴሌኮም እዩ።

እዚ ትካል፡ ውሕስነት ክረክብ ክብል ኣብ ኣፍጋኒስታን ንዝርከቡ እስላማዊ ዕጡቓት ጉቦ ከፊሉ ዝብል ክሲ ቀሪብዎ ኣሎ።

ኤምቲኤን ድማ፡ ነቲ ንዝቐረበሉ ክስታት የጻርዮ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ዝቐረበ ክስታታት፡ እቲ ትካል ንሕግታት ጸረ-ሽበራ ከምዝጠሓሰ ተገሊጹ።

እቲ መዝገብ ክሲ፡ ንስድራ ናይቶም ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ዝሞቱ ኣመሪካውያን ብምውካል ዝተኸፈተ እዩ።

ካልኦት ሓሙሽተ ኩባንያታት'ውን ኣብቲ ክሲ ኣስማቶም ሰፊሩ'ሎ።

ኤምቲኤን ንኣልቃይዳን ጣሊባንን ጉቦ ክኸፍል ዝኸኣለ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዝለዓለ ወጻኢ ዝተኸሎም ዓንድታት መስመር ቴሌኮም መጥቃዕቲ ከይፍጸሞ ብዝብል ከምዝኾነ፡ እቲ ዝቐረበሉ ክሲ የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤምቲኤን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ጥራይ 28.95 ሚልዮን ዓማዊል ኣለውዎ

እዚ ክፍሊታት ከኣ፡ ብጣሊባን ዝምራሕ ዓማጺ ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ 2009 ክሳብ 2017 ንዘብጸሖም መጥቃዕትታት ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ከምዝፈጠረሉ ኣብቲ ክሲ ተሓቢሩ'ሎ።

እቲ ገንዘብ "ነቶም ዝፍለጡ ጉጅለታት ሽበራ ንዋታዊ ዓቕሚ" ክረኽቡ ስለዝሓገዞም፡ ንሕጊ ጸረ ሽበራ ዝጥሕስ ከምዝኾነ ተገሊጹ'ሎ።

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትካል ቴሌኮምዩኒኬሸን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንዘሎ ንግዳዊ ንጥፈታቱ "ሓላፍነት ብዝተመልኦ መገድን ሕጊ ተኸቲሉን" ከምዝፍጽም ኣብሪሁ።

ኤምቲኤን ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ብደረጃ ዓለም ድማ ኣብ ሻምናይ ዝስራዕ ትካል ኣገልግሎት ቴሌኮም ኮይኑ፡ ልዕሊ 240 ሚልዮን ተጠቀምቲ ኣለውዎ።

ኣብ 2015 ዘይተመዝገቡ ሲምካርድታት ኣገልግሎቶም ክቋረጽ ብዘይምግባሩ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር ብሰብመዚ ናይጀርያ ክቕጻዕ ተወሲንዎ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ድማ ኣብ ኢራን ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር፡ ኩባንያ ኤምቲኤን ኣብ ኢራን ንኽሰርሕ፡ ብጉቦ ፍቓድ ክረክብ ገይሩ ብዝብል ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ዩ።